ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣንደልሂጻ ድያ፧
ከም እኒ ቢቢሲ ዝኣመሰላ ማዕከናት ዜና፡ ”ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ካህናት ተመሳሳሊ ጾታ ንዘለዎም መጻምድቲ ክባርኹ ፈቒዶም” ብምባል የጋውሓ’ለዋ። ”እዚ ድማ” ብምባል ይቕጽል፡ እቲ ብቛንቋ ትግርኛ ኣብ ቢቢሲ ዝተዘርግሐ ዜና፡ ”ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሮማ ንዝርከቡ ሕደ-ጾታውያን (ኤልጂቢቲ) ርኡይ ምዕባለ እዩ”።
ቅድሚ ክልተ ዓመታት፡ ኣብ ዓመተ 2021፡ “ኣምላኽ ንሓጢኣት ኣይባርኽን እዩ’ሞ፡ ቤተ ክርስቲያን ድማ ሕብረት ሕደ-ጾታውያን ኣይትባርኽን’ያ” ዝብል ጽኑዕ መትከላ ዝገለጸት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ሎሚ ነቲ መትከል እቲ ቀይራቶ ማለት ድዩ፧! እቲ ትማሊ 18 ታሕሳስ 2023 ዝወጸ 45 ፍቕድታት ዘሎዎ ኣዋጅ Fiducia Supplicans ከ ብዛዕባ’ዚ እንታይ ይብል ይኸውን፧ ሓፈሻዊ ዳህሳስ ክንገብረሉ ኢና። ንቕድም ግና ብትርጉም LGBT ንጀምር፦
ኤልጂቢቲ እንታይ ማለት’ዩ፧
LGBT ኣሕጽሮተ ቃል ኰይኑ፡ Lesbian- (ሰበይቲ ምስ ሰበይቲ), Gay (ሰብኣይ ምስ ሰብኣይ), Bisexual (ክልተ ንሓንቲ) Transgender (ጾታኦም ዝቐየሩ) ማለት’ዩ። እቲ ዝርዝር በዚ ስለ ዘይዓግብ፡ QIA ብዝብል’ውን ይቕጽል’ዩ፣ Queer (ተባዕታይ ወይ ኣንስታይ ክብሃል ዘይደሊ), Intersex (ጓል-ጓሎ ወይ ወዲ-ወዶ) Asexual (ስምዒት ኣልቦ ወይ ስሉብ)።
Fiducia Supplicans ሓቝፍዎም ዘሎ ፍቕድታት
ፍቕዲ ኣርባዕተ- ንመውስቦ ዝምልከት፡ ጥንታዊ ሰረተ እምነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣይተቐየረን
እቲ ኣዋጅ ንትርጕም መውስቦ ከብርህ እንከሎ፡ መውስቦ- “ብባህሪኡ ንምውላድ ቈልዑ ክፉት ዝዀነ፡ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ውሱን፡ ርጉእን ዘይፈርስን ሕብረት፡”- ብምባል ይገልጾ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ”ምስ’ዚ ዝጋጮ ዘበለ፡ ተቐባልነት የብሉን” ይብል’ሞ፡ ብምቕጻል ከኣ፡ ”እዚ ርትዒ’ዚ፡ ኣብቲ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ ካቶሊካዊ ሰረተ-እምነት ሓዳር ዝተመስረተ እዩ፤ ጾታዊ ዝምድናታት፡ ኣብዚ ዓውዲ እዚ ጥራይ እዮም፡ ባህርያዊ፡ ግቡእን ምልኣት ዘሎዎ ሰብኣዊ ትርጉምን ዝረኽቡ” ይብል። ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ዘሎዋ ሰረተ-እምነት፡ ጸኒዑ’ዩ ዝነብር” ብምባል ድማ ይጠቅስ።
ፍቕዲ ሓሙሽተ- ቤተ ክርስቲያን ሕብረት ሕደ-ጾታውያን ክትባርኽ፡ ሓይሊ የብላን
እቲ ኣዋጅ ኣብ ምብራኽ ሕደ-ጾታውያንን መሰልቶምን ግደ ከም ዘይብላ ንምብራህ፡ ”ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕብረት ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ሰባት በረኸት ናይ ምሃብ ሓይሊ የብላን” ብምባል ይጠቅስ።
ዝያዳ ንምንጻሩ፡ ተወሰኽቲ ሰለስተ ፍቕድታት ንርአ፦
ፍቕዲ 38. እቲ ኣገልጋሊ- ”ኪዳንኩም ይባርኽ” ኣይብልን
እቲ ኣዋጅ ከም ዝብሎ “ማንም፡ ነቶም ኣብ ዘይንቡር ኩነታት ንዝርከቡ መጻምድቲ ንምብራኽ ዝኸውን ስርዓት ከዳሉ ወይ ከስፋሕፍሕ የብሉን” ይብል እሞ፡ ኣልግብ ኣቢሉ ድማ፡ “ቤተ ክርስቲያን ምስቶም ብቐሊል በረኸት ኣቢሎም፡ ረድኤት ኣምላኽ ዝደልዩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩነት ዝርከቡ ንዘለዋ ቅርበት፡ ማንም ክኽልክል ወይስ ክእግድ የብሉን” ድማ ይብል። ብዛዕባ’ቲ ባርኾት ብዝምልከት ከኣ፦ “እዚ፡ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ-ምድላው ዝግበር ሓጺር ባርኾት፡ እቲ ዝተሸመ ኣገልጋሊ፡ እቶም ባርኾት ዝሓቱ ዘለዉ ውልቀ-ሰባት፡ ሰላም፡ ጥዕና፡ መንፈስ ትዕግስቲ፡ ክልተኣዊ ዝርርብን፡ ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝን ንኽህልዎም፡ ንኣምላኽ ክልምን ይኽእል፡ - ኪንዮ እዚ ሓሊፉ’ውን፡ ፍቓድ ኣምላኽ ብምልኣት ንኽፍጽሙ ዘኽእሎም ብርሃንን ሓይልን ንኽቕበሉ’ውን ክልምን ይኽእል” ይብል።
ፍቕዲ 39. ንመውስቦ ዝምልከት ኣቀራርባ ኣብ ዝተገብረሉ፡ ኣይባርኽን
እቲ ኣዋጅ ብዛዕባ እቲ ዝብሃል ዘሎ ባርኾት ኣመልኪቱ፡ ንሰብ ሕደ-ጾታውያን ኮነ ንዅሎም እቶም ኣብ ዘይንቡር ዝምድናታት ዘለው፡ “ዝኾነ ዓይነት ምድንጋር ወይ ዕንደራ ንኸይፍጠር፡ በቶም ኣብ ዘይንቡር ኩነታት ዝርከቡ መጻምድቲ፡ ጸሎት በረኸት ክሕተት ከሎ፡ እዚ በረኸት እዚ፡ ዋላ’ኳ ካብቲ ብመጻሕፍቲ ጸሎት ዝተቐመጠ ስርዓታት ወጻኢ ተገሊጹ እንተሎ፡ እቶም ባርኾት ዝሓቱ ዘለዉ፡ ንሕብረቶም ዝምልከት ሲቪላዊ ኮነ ካልእ ምስኡ ኣብ ዝመሳሰል ጽምብላት’ውን ተኣሳሲሩ ክወሃብ ኣይግባእን። ከምኡ’ውን ምስ ንመውስቦ ተባሂሉ ዝግበር ክዳን፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ወይ ቃላት ተኣሳሲሩ’ውን ክፍጸም ኣይክእልን እዩ” ብምባል የነጽር። ኣልግብ ኣቢሉ ድማ “እቲ ባርኾት፡ በቶም ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ምስ ዝሕተት’ውን ከምኡ እዩ” ብምባል ከኣ፡ እቲ ባርኾት ምስ ስርዓተ መውስቦ ብዝተኣሳሰር ክፍጸም ከም ዘይብሉ ይሕብር።
ፍቕዲ 40. መንፈስ ቅዱስ ጣልቃ ንኽኣቱ ዝግበር ጸሎት’ዩ
እቲ ኣዋጅ ከም ዘነጽሮ፡ “እዚ ከምዚ ዝበለ ባርኾት፡ ኣብ ካልእ ኵነታት ከም እኒ፡ ኣብ እዋን ምብጻሕ ናብ ቤተ ጸሎት፣ ምስ ካህን ኣብ ዝግበር ርክብ፣ ብጉጅለ ኣብ ዝካየድ ሓባራዊ ጸሎት፣ ወይ ኣብ እዋን ንግደት፡ ክወሃብ ይከኣል” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ “ብርግጽ፡ እዚ ባርኾት እዚ፡ ከም መግለጺ እኖኣዊ ልቢ ቤተ ክርስቲያን ዝወሃብ ባርኾት ደኣ እምበር፡ ንዝኾነ ይኹን ነገር ሕጋውነት ንምልባስ ዝዓለመ ኣይኮነን” ይብል እሞ፡ ሰብ፡ ህይወቱ ንኣምላኽ ክኸፍት፡ ዝሓሸ ህይወት ንኽህልዎ ሓገዝ ምእንቲ ክረክብ፡ ከምኡ’ውን ክብርታት ወንጌል ብዝዓበየ ተኣማንነት ክንበር ምእንቲ ክከኣል፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወት እቶም ውልቀ ሰባት ጣልቃ ንኽኣቱ ምጽዋዕ እዩ” ብምባል የብርህ።
ትዕዝብቲ
ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን፡ ወሰነ-ወሰን፡ እምነ-እምኒ እናረገጽካ ምኻድ ከም ዝመረጸት ኢና ንርእያ ዘለና። ነቲ ኣብ ዓመተ 2021 “ኣምላኽ ንሓጢኣት ኣይባርኽን እዩ’ሞ፡ ቤተ ክርስቲያን ድማ ሕብረት ሕደ-ጾታውያን ኣይትባርኽን’ያ” ዝብል ጽኑዕ መትከላ፡ ደጊም፡ ኣብ ገለ ኩነት ክባረኽ ይኽእል’ዩ ናብ ዝብል፡ ክትሸራርፎ ጀሚራ’ላ።- “ኣሌ ለክሙ ጻሓፍት ወፈሪሳውያን መደልዋን።”
ኣብዚ ትማሊ ዝወጸ ኣዋጅ፡ ንስርዓተ መውስቦ፡ (ምስጢረ ተክሊል) ብዝምልከት፡ ትርጉሙ ኮነ ትግባረኡ፡ ከምቲ ልዕል ኢልና ዝረአናዮ፡ ካብቲ እታ ቤተ ክርስቲያን ሒዛቶ ዝጸንሐትን ዘላን፡ ጥንታዊ ሰረተ-እምነት ኣይተቐየረን። ይኹን ደኣ እምበር፡ ንግብረ-ሰዶማውነትን መሰልቱን ግና፡ ብትሪ ምኹናን ተሳኢንዋ ንርእያ’ለና። ቃል ኣምላኽን እቲ ቃል ኣምላኽ ዝሰረቱ ስርዓት ቤተ ክርስቲያንን፡ “ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን” እዩ ዝብል’ሞ፡ (ዕብ. 13: 4)፡ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ኣብ ከምዚ ዝተዋፈሩ፡ ኣብ ፍርዲ ኣምላኽ ምእንቲ ከይወድቁ፡ ቀልጢፎም ብንስሓ ክምለሱ ደኣ ክትእውጅ ይግብኣ እምበር፡ ክንድ’ዚ ዝኣክል ኰለለ-ሸንኰለል ምባልሲ፡ ኣይናይጥዕናን፡ ኣይመድለየን፡ ኣይምተገብአን ድማ። ሎሚ ዀነ ጽባሕ ከኣ፡ ኣትሪርና ክንቃወሞ ይግብኣና።