Megedihywet

View Original

ዓመት መጸ፡ ተግባር ኣልቦ ቃለ ቡራኬ እንታይ ይጠቅም፧

ኣብ ድርኵኺት ሓድሽ ዓመት ግእዝ ኣሎና። ሎም ዘበን’ውን ዓቃቤ መንበር ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ  ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ “ቃለ ቡራኬ ዘርዕሰ ዓውደ ዓመት”  ከስምዑና እዮም። “ክቡራንን ክቡራትን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን እትነብሩ ህዝበ ክርስቲያን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማየ ጸሎትን ሆስፒታልን ተዓቝብኩም እትርከቡ ሕሙማነ ስጋ፡ ኣብ ሓለዋ ሃገርን ልምዓትን ዘለኹም ሰራዊት ምክልኻል፡ ኣብ ተሃድሶ ዘለኹም ናይ ሕጊ እሱራት፡ ብሓፈሻ ኵልኹም ህዝቢ ኤርትራ” ድሕሪ ምባል ከኣ፡ ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም፡  “ነቶም ዘይብሎም ነዳያን፡ ዓቕምና ብዝፈቕዶ ካብ ዘለና ብምክፋል ብሓባር ከነሕልፎ ሓደራ ንብል” ዝብል፡ ክብረ በዓል መጸ እንሰምዖ ሓደራ’ውን ከሰክሙና እዮም። እቲ ሓደራ ሰናይን ግቡእን እዩ። ዝያዳ ሓይልን ተቐባልነትን ምእንቲ ክህልዎ ግና፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምኽንያት ዝኽሪ ቅዱስ ዮሓንስን ሓድሽ ዓመት ግእዝን ብዝዓቕማ፦

  • ንኽንድዚ ዝኣኽሉ ነዳያን ረዲኣ፡ 

  • ኣብ ከምዝን ከምትን ዝኣመሰሉ ኣብያተ ማእሰርቲ በጺሓን ኣጸናኒዓን፡ 

  • ኣብ ከምዝን ከምትን ዝተሰምየ ሆስፒታል፡ ንሕሙማን በጺሓን ስርዓተ ቀንዴል ፈጺማን፡ 

  • ኣብ ከምዝን ከምትን ዝብሃል መዓስከር ስንኩላን በጺሓን ኣጸናኒዓን ወዘተ እንተዝብሃል ዶ ዝያዳ ውጽኢታዊ ኣይምዀነን፧!

ነቲ ሃዋርያ ያዕቆብ ዝጸሓፎ’የ ደጊመ ክብሎ ዝደሊ ዘለኹ፡ “ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዓረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢ’ውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሃብኩምዎምሲ፡ ሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቅም፧ (ያእ2.15-16) ነታ “እንታይ ይጠቅም” እትብል ሓሳብ፡ ክንዲ ዝደለናዮ ጊዜ ደጋጊምና ንንበባ። 

ወይትባረክ እግዚኣብሔር አምላከ አበዊነ

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል