Megedihywet

View Original

ሻምነይቲ መዓልቲ፡ ብህድኣት ምጽባይ

ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ

25 ሕዳር 2023 ዝጀመርናዮ ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። ”እግዚኣብሄር ነቶም ዚጽበይዎ፡ ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ እዩ። ንምድሓን እግዚኣብሄር ተስፋ ምግባርን ብህድኣት ምጽባይን ሰናይ እዩ” (ድጉ3.26)።

እቲ፡ ”ነቶም ተወጊኦም ዝሞቱ ደቂ ጓል ህዝበይ ለይትን መዓልትን ክበክስ፡ ርእሰይ ዔላ ማይ፡ ኣዒንተይ ድማ ፈልፋሊ ንብዓት ኰይኑ እንተ ዚኸውን መን ምሀበኒ” ዝበለ እሞ፡ ”ነባዒ ነብዪ” ተባሂሉ ድማ ዝስመ፡ ኤርምያስ’ዩ፡ “ንምድሓን እግዚኣብሄር ተስፋ ምግባርን ብህድኣት ምጽባይን ሰናይ እዩ” ዝብል ዘሎ።

ተስፋ ምግባርን፡ ብህድኣት ምጽባይን ንዝብሉ ሓሳባት ነስተብህለሎም። እዚ ነብዪ እዚ፡ ኣብ ዘመኑ፡ ዕንወት የሩሳሌምን ዕንወት ቤተ መቕደስን ዝርኣየ ነብዪ እዩ። ኣብቲ ድጉዓኡ፡ “ንምድሓን እግዚኣብሄር ተስፋ ምግባርን ብህድኣት ምጽባይን ሰናይ እዩ” ምባሉ እምበኣር፡ ኣብ እግዚኣብሄር ዝነበሮ ጽኑዕ እምነት’ዩ ዜርእየና። እቲ ተስፋ ዝሃበና የሱስ፡ ብርግጽ ክምለስ’ዩ፡ ማራን ኣታ!

ዝንበብ ክፍሊ:-

ድጉዓ ኤርምያስ ምዕራፍ 3

ንጸሊ፦

ዎ ጐይታይ፡ ከምቲ ኣብ ቃልካ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ምሕረትካ ኣይተወድኤን እዩ እሞ፡ ጥራስ ዘይጠፋእናስ ጸጋኻ እዩ። ኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ ኢኻ፡ እሙን ምዃንካ ድማ ዓብዪ እዩ። እዚ ኣብ ልበይ ኤንብር’ሞ፡ ስለዚ ድማ ተስፋ እገብር። ጐይታየ፡

ነፍሰይ፡ ግደይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ስለዚ ብእኡ ተስፋ እገብር፡ ክትብል ክከአላ ምእንቲ፡ ብጸጋኻ ክትድግፈኒ እጽሊ’ለኹ፣ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!