Megedihywet

View Original

ራብዓይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን፡ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን

ዝቐረበ ሕቶ

ኣብ ምዕራፍ ሓደ፡ ቤተ ክርስቲያን ከም ሰብነት፡ ክርስቶስ ድማ ከም ርእሲ ኰይኑ ተገሊጹ ርኢናዮ። ክርስቶስ ርእሲ ምዃኑ፡  ኣብታ እትመጽእ’ውን እምበር፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን፡ ርእሲ ከም ዝኾነ መዘኻኸሪ’ዩ። ንብዘሎ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ከም ዝገዝአ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ርእሲ ከም ዝኾነ ተማሂርና። ቤተ ክርስቲያን ድማ፡ በዚ ኣኽሊል ክብሪ’ዚ ተኸሊላ፡ ምልኣት ክርስቶስ ከም ዝዀነት ተማሂርና።

ኣብ ምዕራፍ ክልተ ኸ፣ ቤተ ክርስቲያን ከም ምንታይ፡ ክርስቶስ ከ ከም ምንታይ ኰይኖም ተገሊጾም ኣለው። እቲ ስእላዊ መግለጺ ኸ፡ እንታይ መልእኽቲ’ዩ ዘሕልፈልና፧

ጉጅለ 1 ዝመለስዎ

— መልሲ ኣይሰደዱን —

ጉጅለ 2 ዝመለስዎ

ኣብ ኤፌሶን ምዕራፍ 2፡ ቤተ ክርስቲያን ከም ህንጻ ኣምላኽ፡ ክርስቶስ ድማ እምኒ መኣዝን ናይቲ ህንጻ ኮይኖም ተገሊጾም ኣለዉ።  ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ንውዳሰ ክብሪ ኣምላኽ ምእንቲ ክኸውን፡ ኵሉ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ክጥቕለል፡ ማለት ኣምላኽ ኣብ ማሕደሩ  ክኸብርን ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ድማ ክቐርበሉን፡  ንሕና እቶም ኣመንቲ፡ ሕጂ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንና ብብዙሕ መንፈሳዊ ነገር እናተሃነጽና፡ ኣብታ ሰማያዊት ሃገር ድማ ካብ ብዘሎ ቋንቋ ዓሌት ህዝብን ኣህዛብን ተኣኪብና፡ ብሕብረት ከነኽብሮ ኢና።

ከምቲ፡ ”ወንጌል፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ከምኡ’ዉን ንጽርኣዊ፡ ንዝኣምን ዘበለ፡ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን’ዩ” ዝብሎ፡ ኣብታ ብወንጌል ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመስረተት ህንጻ ኣምላክ፡ ኣብኣ እናተሃነጽና  ብብዙሕ ዝዓይነቱ መንፈሳዊ  ጸጋታት ድማ እናተጸጎና፡ ንዓቢ ኣሎና።

ጉጅለ 3 ዝመለስዎ

ኣብ ኤፈሶን ምዕራፍ 2፡ ክርስቶስ ከም እምነ መኣዝን፡ ቤተ ክርስቲያን ድማ  ከም ህንጻ ተመሲሎም ኣለው።

ኣብ ጥንታዊ ስራሕ ህንጻ፥ እምኒ-መኣዝን ንድልዳለን ኣሰራርዓን ብምልኡ እቲ ህንጻ ዝውስን፥ ንመሰረት ዝሕረ እምኒ እዩ ነይሩ። ካልኦት ኩሎም ኣእማን፥ ኣብ ልዕሊኡን ንዕኡ ተኸቲሎምን ስለ ዝንደቑ፥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እምኒ ነበረ።

ንጉስ ሰሎሞን ዝሃነጾ ቤተ መቕደስ፡ ብሃነጽቲ ዝተነጽገ ሓደ ዓቢ እምኒ ከም ዝነበረ ትውፊት ይነግረና። እቲ ኣርኪተክተር፡ ንዝኾነ ክፋል ናይቲ ቤተ መቕደስ ክጥቀመሉ ፈጺሙ ኣይደለየን ነበረ። ኣብ መወዳእታ ግና፡ እቲ ዝተነጽገ እምኒ ንብምልኡ ቤተ መቕደስ እምነ ኩርናዕ ክኸውን ተመርጸ።

ክርስቶስ ከም እምነ መኣዝን ምምሳሉ፥ መሰረትን ውሕስነት ዝህብን፥ ማእከላይ ቦታ ናይ ቤተ ክርስቲያን ብምዃኑ፥ ኩሉ እምነትን ተግባራትን ህላወን ቤተ ክርስቲያን ብእኡን ምስኡ ብዝሰማማዕን፥ ማለት ነብያትን ሃዋርያትን (ማቴ 16፥16, 1ቆረ 3፥9-11) ካብ ክርስቶስ ብዝምሃርዎ ዝሳነ ምዃኑ፥  ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ክርስቶስ፡  ጽንዓትን ኣንፈትን ከም ዘይብላ ንርዳእ። ክርስቶስ ጀማሪ፡ መሰረት፥ ምንጪ ምርግጋእን ኣብነትን ናይ ኹሉ ክርስትያናዊ ሕይወት እዩ። እዚ፡ ነታ ክርስቶስ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር፡ (ግብሪ ሃዋ 20:28) ህያው፥ ብሓድነትን፥ ሕብረትን፥ ብእኡ ድሒና፥ ንዕኡ ንኸተምልኽ፥ ክርስቶስ፡ ዓራቅን ወሃቢ ሰላማን  ምዃኑ ይገልጽ።

ኣመንቲ ከም ህንጻ ምምሳሎም ድማ፥ ብእምነት ተጠርኒፎም፡ ንመሕደሪ ኣምላክ ዝዀነ መንፈሳዊ ቤት ዝተነድቁ፥ ብሓባር ድማ ክብሪ እግዚኣብሔር ዘንጸባርቑን፥ ነፍስወከፍ ኣማኒ ኣብ ምድሪ ተልእኾ ክርስቶስ ዝፍጽምን ምዃኖም ንርዳእ። ኣብቲ እምነ መኣዝን ስለ ዝተሰረቱ፥  ክርስትያናት ህያውያን፥ ስድራ ቤት ኣምላኽ፥ ምስ ክርስቶስ ዝተንስኡን ኣብ ሰማይ ምስኡ ዝተቐመጡን ምዃኖም ይገልጽ።

ምንጪ ብዛዕባ ህንጻ ሰሎሞን studyandobey.com

ጉጅለ 4 ዝመለስዎ

ኣብ ኤፌሶን ምዕራፍ 2፡ ክርስቶስ ከም መሰረት፡ ቤተ ክርስቲያን ድማ ከም ህንጻ ኰይኖም ተገሊጾም ኣለዉ።

1.       ክርስቶስ መሰረት ሓድነት

ዕርቅን ሓድነትን ብክርስቶስ (ኤፌ 2:14-18) ጐይታ ኢየሱስ ከም ንናይ ጽልኢ መንደቕ ዘፍረሰ ሰላም ተገሊጹ ኣሎ። ብሞቱ ንኽልቲኦም ወገናት (ህዝብን ኣህዛብን) ምስ ኣምላኽ ከም ዝዓረቐን ንኽልቲኦም ሓደ ብምግባር ሰላም ከም ዚገበረን እውን ተገሊጹ ኣሎ። እታ ብዚተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ኣመንቲ ዚቘመት ቤተክርስቲያን፡ ሓድነታ ብክርስቶስ ዚተረኽበ ኢዩ።

2.      ክርስቶስ መሰረት ማሕበር (ሕብረት)

ክርስቶስ እምኒ መኣዝን ቤተ ክርስቲያን (ኤፌ 2:19-20) ቤተ ክርስቲያን ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዚተሃንጸት፡ ብኣመንቲ ዚተነድቀት፡ ክርስቶስ ድማ እምኒ መኣዝና ዚዀነት ህንጻ ኢያ።

3.      ክርስቶስ መሰረት ዕብየት

ቤተክርስትያን፡ ብጐይታ እትዓቢ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ (ኤፌ 2፡21-22) ኣመንቲ መንፈሳዊ ህንጻ (ማሕደር መንፈስ ቅዱስ) ኰይኖም ብጐይታ ይህነጹ። ብዛላ እታ ህንጻ ድማ ቅድስቲ ቤት መቕደስ ክትከውን ምዕባያ ብጐይታ ኢዩ።

ስለዚ፡ እዚ ምስላዊ መረዳእታ እዚ፡ ቤተ ክርስቲያን ከም ብኣመንቲ ዚቘመት መንፈሳዊት ህንጻ፡ ክርስቶስ ድማ ቀዋምነታን ስሩዕነታን ዘረጋግጽ እምኒ መኣዝና ምዃኖም የረድእ።

4.      ክርስቶስ መሰረት ኣምላኻዊ ስድራ

ቤተክርስትያን ከም ስድራቤት ኣምላኽ (ኤፌ 2:19) ኣመንቲ ብጐይታ ኢየሱስ ኣቢሎም ዜግነት ቅዱሳን ተዋሂቦምን (ምስ ቅዱሳን ሓቢሮምን) ስድራቤት ኣምላኽ ኰይኖምን ኣለዉ።

ብሓፈሻ እዚ ምዕራፍ እዚ ንቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ዝእምኒ መኣዝና፡ ሕብረት ናይ ብክርስቶስ ምስ ኣምላኽ ዚተዓርቁ ኣመንቲ ኰይና ተገሊጻ ንረኽባ። ብተወሳኺ፡ ቤተ ክርስቲያን ስድራ ቤት ኣምላኽ ዚዀኑ ሕብረት ኣመንቲን፡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ዚዀነት ቅድስቲ ቤት መቕደስን ኰይና ተገሊጻ ኣላ።