Megedihywet

View Original

ንባብ ዶ ክሓድጎ ምጽሓፍ፧

ንኤርትሮ-ኢትዮጵያን ንመላእ ዓለምን ዝምልከት እተኣወጀ፡ ጾመ-ሳልስቲ፡ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ዝወጸ ጽሑፍ’የ ዝነብብ ዘለኹ። እቲ ኣዋጅ፡ ካብ፡ ሓደው ብ፡ ”ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣብ ስደት” ከም ዝተኣወጀ ትነብብ’ሞ፡ ኣብቲ ማሕተም ዘሎዎ ወግዓዊ መልእኽቲ ግና፡ ካብ፡ ሓደው ብ፡ ”ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ኣብ ስደት” ዝወጸ ኰይኑ ይጸንሓካ። ነዚ ዘይንጹር ስያመ፡ ነግረም-ረም ከይቍጸረልካ ብምስጋእ፡ ”ከም ሻሙ” ቢልካ ትሓልፎ።

ኣዋጅ ጾምን ጸሎትን እዩ’ሞ፡ ዝጅምረሉን ዝውድኣሉን ዕለት ክትምዝግብ ብሂግካ፡ ንባብካ ትቕጽል። ኣብቲ ሓደ፡ 24 ሕዳር ጀሚሩ 26 ሕዳር ከም ዝውድእ ይነግር። ኣብቲ ማሕተም ዝተነብሮ እንተረአኻ ግና፡ 25 ሕዳር ጀሚሩ፡ 27 ሕዳር ከም ዝውድእ ይነግር። እህምምምምም ቢልካ ምግራምካ ትውድእ።

ኣዋጅ ጾምን ጸሎትን ዝኣክል፡ ከምዚ ብሸለልትነት ክጽሓፍ፡ ንቡር ኣይመስለንን። ነገራት ከየተዓባበና፡ ደሓር ከኣ፡ ዝሰርሕ’ዩ ዝጋገ’ሞ፡ ”ስለምንታይ ተጋገዩ፧” ቢልና ኣይንግዕርን። ነፍሱ ይምሓር ዶክተር ርእሶም ሃይለ፡ ”ዘይጋገ የለን፡ ዘይእረም ጽልኡልና” ከም ዝበሎ ግና፡ ብስርዓት ቤተ ክርስቲያን፡ ቀዳመ-ሰንበት ኣይጽወምን እዩ’ሞ፡ እቲ ተጻሒፉ ዘሎ ዕለት ከኣ፡ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ብምውዓሉ፡ ንትግባረኡ ብዝምልከት፡ ገለ መብርሂ ክወሃብ ኣብ ዝሓተትኩሉ’ውን፡ ካብቲ ዝምልከቶ ኣካል ዝምልሽ ኣይነበብኩን።

ነዚ ዝብሎ ዘለኹ ንምርግጋጽ፡ ንወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ንኽፈቶ’ሞ፡ ነቲ ኣዋጅ ጾም ድማ ብቛንቋታት ትግርኛን እንግሊዝኛን ከመይ ቀሪቡ ከም ዘሎ ንርኣዮ።

ብቛንቋ እንግሊዝኛ (ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ጠዊቕኩም ክትረኽብዎ ትኽእሉ)

The Canonical Diocese in Diaspora of the Eritrean Orthodox Church announces a three-day prayer service, starting from November 24th to November 26th, 2023.

ብቛንቋ ትግርኛ (ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ጠዊቕኩም ክትረኽብዎ ትኽእሉ)

ኣዋጅ ምህልላን ጸሎትን ካብ ዓርቢ 24  ክሳብ ሰንበት 26  ሕዳር 2023 (ሕዳር ፲፬ - ፲፮ ሕዳር ፳፻ ዓ. ም ግእዝ) ንሰለስተ መዓልቲ ዝካየድ ሱባኤ (ጾምን ምህልላን) ክግበር ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ መንበረ-ጵጵስና ኣብ ስደት ንህዝቢ ኤርትራ ኣዊጁ ኣሎ።

ነቲ ”ዓርብን ዕለት 24ን” ምባሉ ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ ብግእዝ ተጻሒፉ ዘሎ ዓመተ ምሕረት’ውን፡ ክንደይ ይብል ምህላዉ ነስተብህል- ነቶም ብግእዝ እተጻሕፈ ኣሃዝ ዘይትነቡ፡ 2000ዓም እዩ ተጻሒፉ ዘሎ)።

ኣብቲ መርበብ ተተሓሒዙ ቀሪቡ ዘሎ ኣዋጅ፡ ነቲ ጥብቆ ምስ ከፈትካዮ ግና፡ እቲ ዕለት ካብ ሕዳር 25-27 ሕዳር 2023 ኰይኑ ይጸንሓካ። ምእንቲ ርእሱ ደኣ እተን መዓልታት ሓሊፈን ኣለዋ እምበር፡ ነየናይ ኢኻ ክትሕዝ፧!

ጠንቃም ሕቶ

እዚ ኽንድዚ ዝኣክል ሸለልትነትሲ፡ ክንደየናይ ሰብ ከየስተብህለሉ፡ ካብ ዝብል ዶ ይብገስ ይህሉ ይኸውን፧! ክንደየናይ ተጠንቂቑ ነቲ ኣዋጅ ከይስዕቦ፡ ካብ ዝብል ዶ ይብገስ ይኸውን፧

ኣንቱም ሰባት፡ ነቲ ንባብ ዶ ጠቕሊለ ክሓድጎ፧!