Megedihywet

View Original

ጾመ ፍረታት፡-ሓጐስ

ብምኽንያት እቲ ትማሊ 07 ነሓሰ 2023 ዝጀመረን ንዝቕጽሉ ክልተ ሰሙናት ድማ ዝጸንሕን፡ ጾመ ፍልሰታሰሉስ 07 ነሓሰ 2023፡ ንገዛእ ርእስናን ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን እንጽልዮ፡ እቲ ብኻልኣይ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ፍረ መንፈስ እዩ፦ ሓጐስ።

ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኩሉ ሳዕ ዘይትሕጐሰሉ ክርስትና፡ ክርስትና’ዩ ክትብሎ፡ ዝከኣል ኣይኰነን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ”መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ” በለ (ሮሜ14.17)። ኣብኡ፡ ነቲ መብዝሕትና ምንጪ ሓጐስ ኰይኑ ዝስምዓና፡ ብልዕን መስተን ጠቒስዎ ከብቅዕሲ፡ ሓጐስ ግና፡ ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ’ምበር፡ ብብልዕን መስተን፡ ሓደው ብሓደ ካልእ ግኡዝ ከቶ ከም ዘይርከብ ኣረድአ።

ቃለ እግዚኣብሄር ከም ዝሕብረና፡ ኣብ ቅድሚ ገጽ እግዚኣብሄር፡ ሓጐስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ሓጐስ ጽጋብ’ዩ ዘሎ (መዝ 16፡11) እቲ ካብዚ በረኸት’ዚ ዝተኻፈለ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እምበኣር’ዩ፡ ንባዕሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክንሱስ፡ ግናኸ ንሰብ ፊሊጲ ክጽሕፈሎም ከሎ፡ “ብጐይታ ተሓጐሱ፡ ደጊመ ተሓጐሱ እብል ኣለኹ፡” እናበለ ዝጸሓፈሎም (ፊሊ4.4)። ሕዙናትና፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ጸጋ፡ ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ፡ ዘውዲ፥ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፥ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂ’ውን፡ ክዳን ምስጋና ክለብሱ፡ ቤተ ክርስቲያንና ብዘይቲ ሓጐስ ረስሪሳ ክትርሕስ፡ ብጾምን ጸሎትን ክንጋደል ይግባእ።  

ዚንበብ

1ዮሃ 1- ካብዚ ብፍሉይ ከነስተብህለሉ ተደልዩ ዘሎ ኽፍሊ፡ ”ሓጐስና ምሉእ ምእንቲ ክኸውን እዚ ንጽሕፈልኩም ኣለና” ዝብል’ዩ።

ጸሎት

ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ሓጐሰይ ምሉእ ክኸውን፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ዝርከብ ናይ ሓጐስ ጽጋብ ተኻፋሊኡ ክኸውን ርድኣኒ። ኣእዳወይ ምስናይ ልበይ ናባኻ ብምልዓል፡ ኣነን መላእ ኣባላት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንን፡ ተማቐልቲ እዚ ሰማያዊ ሓጐስ ክንከውን ብሂገ እጽሊ’ለኹ።  ስለ ዝሰማዕካንን ወትሩ’ውን ስለ እትሰምዓንን ከኣ ደጋጊመ አመስግነካ፡ ሎምን ኩሉ ሳዕን፡ ንዘልኣለመ-ኣለምን፡ ኣሜን!  

ለቡ

ኣምላኽ እንተፈቐዶ ብህይወት ድማ እንተጸኒሕና፡ ጽባሕ ረቡዕ’ውን፡ ነታ እትቕጽል ፍረ መንፈስ፡ ማለት፡ ዕርቂ ብእትብል ከነስተንትንን፡ ክንጽልን ኢና።