Megedihywet

View Original

ኦርቶዶክስ ሩስያ፡ ናበይ’ዩ እዚ ጉያ፧

ትማሊ ሰሉስ 17 ጥቅምቲ 2023፡ ልኡኻት ግብጣዊትን ሩስያዊትን ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ፡ ኣብ ሞስኮ፡ ርእሰ ከተማ ሃገረ ሩስያ፡ ካልኣይ ዙርያ ርክብ ከም ዘካየዳ፡ ማዕከናት ዜና ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ይሕብራ ኣለዋ። እቲ ጉባኤ፡ ብስምረትን ሰናይ ፍቓድን ፓትርያርክ ግብጣዊ ኣቡነ ቴዎድሮስ፡ ብባርኾት ፓትርያርክ ሩስያ ኣቡነ ቄርሎስ እዩ ተኸፊቱ።

ዕልልታ ዶ ኣውያት፧!

ሩስያ፡ ስርሐይ ኢላ እያ ትጽይቕ ዘላ፡ ግብጺ’ውን ከምኡ። መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ክፍኣት ጥሒሎም ካብ ምርኣይ ዝኸፍእ፡ ካልእ እንታይ ክህሉ ይኽእል፧! ኣይፋል፡ ኣብዚ ዕያግ እዚ፡ ሓቢረ ከም ዘየለኹ፡ ብኸመይ ከውሕስ እኽእል፧! ሰናይ ንባብ!

ብዛዕባ መን ኢና ንዛረብ ዘለና፧

ግብጣዊት ኦርቶዶክስ፡ ኣባል ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ክትከውን ከላ፡ ሩስያዊት ኦርቶዶክስ ድማ ኣባል ምብራቕ ኦርቶዶክስ እያ። ኣብ ግብጺ፡ እቲ መንበረ እስክንድርያ ዝብሃል ጥንታዊ መንበር፡ ብግብጣዊትን ብምብራቕ ኦርቶዶክስን እዩ ህላውነቱ ዝቕጽል ዘሎ። እታ ኣብ ዘመነ ሃዋርያትን ቀዳሞት ኣቦታትን፡ ሓድነታ ሓልያ ትኸይድ ዝነበረት ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ዓመተ 451 ኣብ ጉባኤ ኬልቄዶን፡ ናብ ክልተ ብምግማዕ፡ ኦሬንታል ኦርቶዶክስን ካቶሊክን ተሰምየት። ኣብቲ እዋን እቲ፡ መንበረ እስክንድርያ፡ ናብ ክልተ ተጨንድሐት። እቶም ሓደ ንጉባኤ ኬልቄዶን ተቐቢሎም ዝቐጸሉ ክዀኑ ከለው፡ እቶም ሓደ ግና፡ እዞም ንሕና እንርከቦም፡ ካብቲ ጉባኤ ዝተፈልዩ እዮም።  

እቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝቐጸሉ፡ ክሳዕ ዓመተ 1054 ኣካል ካቶሊካዊ ቤተ ክርስቲያን ኰይኖም ዝቐጸሉ ክዀኑ ከለው፡ ኣብ ዓመተ 1054፡ እታ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ምብራቕ ኦርቶዶክስን ናብ ካቶሊክን ተገምዐት። መንበረ እስክንድርያ ድማ ምስ ምብራቕ ኦርቶዶክስ ኰነት። ስለዚ ኣብ ግብጺ፡ ንኣብያተ ምብራቕ ኦርቶዶክስ ዝውክል ጥንታዊ መንበር፡ መንበረ እስክንድርያ እዩ። ግብጺ፡ ነቶም ምስኣ ዘለዉ፡ ኣባል ምብራቕ ኦርቶዶክስ ነጺጋን ሰጊራን’ያ፡ ምስ ሩስያ ሕግብግብ ትብል ዘላ።

ድቂ ሕልሚ ሩስያ፡ ኣበይ ተጠንሰ፧

ካብ ራብዓይ ሚእቲ ዓመት ኣትሒዙ፡ ክርስትና፡ ወግዓዊ እምነት ሃጸይነት ሮማ ምዃኑ ድሕሪ ምእዋጁ፡ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘኢጣልያ፡ ቀዳመይቲ ሮማ፣ እታ ንጉስ ቈስጠንጢኖስ ማእከል ከተማኡ ክትከውን ብስሙ ሰምዩ ዘተንስአ ቍስጥንጥያ (እስታንቡል) ድማ ዳግማዊት ሮማ፡ ኰይነን ንእምነት ክርስትና ክጣበቓን ክዕቅባን ተራእየን እየን። ከምዚ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ፡ ቀዳመይቲ ሮማ ካቶሊክ ክትከውን ከላ፡ ዳግማዊት ሮማ ማለት ቍስጥንጥንያ ድማ ምብራቕ ኦርቶዶክስ ኰነት።

መንበረ ቍስጥንጥንያ፡ ኣብ ዘመነ ግዝኣት ኦቶማን (ዑስማን)፡እስላማዊ ሓይሊ ዓብሊሉ ፍጹም ስለ ዘዳኸማ፡ብ1686 ዓ.ም.  መንበረ ስልጣና፡ ንጊዜኡ፡ ነታ ኣብ ትሕቲ ንግስነት ዛር ኣብ ፍጹም ሰላም ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ሩስያ ኣረከበት። ነቲ ውክልና ብሓጐስ ዝተቐበለት ሞስኮ ኸኣ፡ ንቤተ መንግስቲ ምስ ቤተ ክህነት ሓዊሳ፡ “ሳልሰይቲ ሮማ” እናተባህለት ክትጥቀስ ጀመረት። ክሳዕ ለይተ ሎሚ ድማ፡ ቤተ ክርስቲያን ሩስያ፡ ንዓርሳ፡ ከም ማእከል ተጣባቒትን ዓቃቢትን ቅኑዕ እምነተ ክርስትና ጌራ እያ እትቘጽራ።

ኣብያተ ክርስቲያን ምብራቕ ኦርቶዶክስ፡ በብርእሰን ዝመሓደራ እኳ እንተዀና፡ ማእከላይ መራኸቢአን ግና፡ መንበረ ቍስጥንጥንያ እያ። ንኣብያተ ክርስቲያን ምብራቕ ኦርቶዶክስ ብምውካል፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብደረጃ ሃገረ ስብከት እተመደበት፡ መንበረ እስክንድርያ ክትከውን ከላ፡ ነዛ መንበር እዚኣ ኣቡነ ቴዎድሮስ ዳግማዊ ዝብሃሉ ግሪኻዊ ፓትርያርክ እዮም ዝመርሕዋ። ግብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ድማ ንኣብያተ ክርስቲያን ኦሬንታል ብምውካል ንመንበረ እስክንድርያ ትመርሕ።

ሩስያ፡ መፈንቅለ ሃገረ ስብከት ኣብ ኣፍሪቃ

ኣቐዲሙ ከም ዝተጠቕሰ፡ ሩስያ እትርከቦ፡ ንኣብያተ ምብራቕ ኦርቶዶክስ ብቐዳምነት ርእሲ ኰይኖም ዝጥቀሱ፡ ፓትርያርክ ወርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ዘቍስጥንጥንያ፡ ኣቡነ በርተሎሜዎስ ቀዳማዊ እዮም። ንሶም ኣብ ወርሒ ጥሪ 2019፡ ሃገረ ዩክረይን ናይ ገዛእ ርእሳ ፓትርያርክ ክህልዋ ምስ ፈቐዱ፡ ቤተ ክርስቲያን ሩስያ፡ ዝምድናኣ ምስ ቍስጥንጥንያ በተኸት። እታ ኣባል ምብራቕ ኦርቶዶክስ ዝዀነት መንበረ እስክንድርያ’ውን፡ ንፓትርያርክነት ሃገረ ዩክረይን ምቕባላ ብወግዒ ምስ ገለጸት፡ ሞስኮ ከይወዓለት ከይሓደረት፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ መፈንቅለ ሃገረ ስብከት ገበረት። ንዘመናት ኣኽቢራቶ ዝጸንሐት ክብሪ ቀናጢጣ ኸኣ ኪንዮ ሓጹር ደርበየቶ።

ግብጺ ኣብዚ ዕያግ እዚ’ያ ትሳተፍ ዘላ

ሩስያ፡ ንዘመናት ዝዓቀበቶ፡ ቀኖናታት እታ ቤተ ክርስቲያን፡ ካብ ዓመተ 2020 ኣትሒዛ ኣብ ኣፍሪቃ መንበር ከተቕውም ምዃና ብወግዒ ድሕሪ ምእዋጃ፡ምስ ግብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ዝርርብ ጀመረት። እቲ ዝገርም፡ ብወገን ግብጣዊት ኦርቶዶክስ፡ እወታዊ ምላሽ ምርካቡ’ዩ። ግብጣዊት ኦርቶዶክስ ምስታ ምስኣ ዘላ፡ ኣባል ምብራቕ ኦርቶዶክስ ዘይተመያየጠትሲ፡ ምስታ ኣብ ዘይሃገረ ስብከታ መጺኣ፡ ብህልኽ ዘይሕጋዊ መንበር እተጣጥሕ ዘላ ክትመክር ወሰነት።

እዞም መራሕቲ እምነት ግና እንታይ’ዩ ወሪድዎም፧

እንሆ ኣሪመ እጽሕፍ ኣለኹ። ከምዚ ዝዓይነቱ፡ ቤተ ክርስቲያን ዘጽርፍ ነገር እናተገብረስ፡ ስቕ ኢለ ምርኣየይም (ምዕዛመይ)፡ ምስ ምንታይ ኰን ይቝጸር ይኸውን፧! ኣይፋልክን ሞስኮ፡ ንኽርስቶስ ዶ ብኸምዚ ንስበኮ፧! ኣንቲ ግብጺ፡ ንዒ ውጺ!  ክሳዕ መዓስ ኮን ኢኺ ከተላግጺ፧!

ንሕቶን ርእይቶን ክፉት’ዩ።

እግዚኣብሄር ይባርኽኩም!

መወከሲ
Pen Eritrea

ዜና ኦርቶዶክስ