“ሓዘን” ሕራይ ዶ እምቢ፧!
”ሓዘን፡ ቀርቀብ ኣብለን፡ ኣርክበን፡ ከይትፍነወን. . .” ጸላኢ፡ ብኣንስታዊ ጾታ እናነኣኣሰ ”ሓዘን” ቢሉ እንተኣወጀ፡ ክሰምዖ ኣይደልን’የ። ዕጭ እሕንፍፍ! (ቅድሚ ሕጂ፡ ብሓዘን-ሓዘን፡ ጸጕሪ ላጽዩ፡ ሞራል ሰይሩ፡ ቅንዕ ከም ዘይብሉ ከም ዝገበረ፡ ኣዳዕዲዐ እፈልጥ’የ)።
”ሓዘን” ዝብሃል ዘሎ፡ ንድጕዓ፡ ንጓሂ፡ ነዚ መዓንጣኻ ዝበትኽ ስቓይ እንተዀይኑ፡ እንታይ ዘብህግ ሃልይዎ’ዩ’ሞ፡ “ሓዘን” ክብሎ፧! እንታይ ዝትሓዝ ሃልይዎ’ዩ’ኸ፡ ”ሓዘን” እናተባህለ ጽምብል ዝዳለወሉ፧!
ብኣንጻር እዚ ግና፡ ”ወደየ፡ ነዚኤን ካብ ዓይንኻ ኣይትፍለየን፡ ንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሓዘን” (ምሳ3.21)ዝብለኒ ቃል ኣሎ። ነዚ ግና፡ ዕጭ ክሕንፍፍ ዘይኰነስ፡ ኣብሪዀ፡ እረ ፍግም እናበልኩ፡ ለይትን መዓልትን እናናፈቕኩ፡ ብሃረርታ ዝጸባበዮን፡ ብምሉእ ልበይ ክስዕቦ ዝህንጠን እዩ። .
ረብሓታት
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን፡ ሞጎስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ
ኣኻይዳኻ ኪቐንዕ
ንሕምብርትኻ ፈውሲ ነዕጽምትኻ’ውን ኣንጕዕ ክዀነልካ
ቘፋፍኻ ብብዝሒ ኺመልእ፡ መጽመቝኻ ኸኣ ብዀልዒ ወይኒ ኪቕጸጽ
ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውሰኸልካ
ታእላው ዘይብሉ በረኸት’ዩ ዝስዕበካ። እዘን፡ ”ጥበብን ምኽርን” ተብሂለን ዘለዋ፡ ንሳተን ብኻልእ ቃል’ውን ”ሕግን ትእዛዛትን ኣምላኽ፡ ”ሓደው፡ ”ሕያውነትን ሓቅን” ምዃነን፡ ኣብቲ ጽሑፍ ነጺረን ተቐሚጠን ኣለዋ፡ (ምሳሌ 3 ይነበብ)። ነተን “ተጠንቂቕካ ሓዘን” ዝብሃላና ዘለዋ፡ እምብኣር ነስተብህለለን። ነየናይ “ሕራይ”፡ ነየናይ ከ “እምቢ” ከም እንብል ድማ ንፍለጥ!
ኣብቲ ጽሑፍ ከም እንርእዮ፡ ”ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፡ ልብኻ’ውን ንትእዛዛተይ ይሓልወን።”. . . ሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻ’ውን ጽሐፈን፡” እናበለ’ዩ፡ እቲ ጸሓፊ፡ ”ሓዘን” ዝብለና ዘሎ፡ (ምሳሌ 3 ይነበብ)።
ሓዘን!
· ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ።
· ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።
· ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ፍራህ፡ ካብ ክፉእ ከኣ ርሐቕ።
· ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፡ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ።
·ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዓቕ፡ እንተቐጽዓካ ኸኣ ኣይትመረር። ከምቲ ኣቦ ንዘፍቀሮ ውሉዱ ይቐጽዖ፡ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ።
ጥበብ፡ ንምኽርን ካልእን ጠቕሊላ ዝሓዘት እያ’ሞ፦
· ኣብ የማና ነዊሕ ዕድመ፡ ኣብ ጸጋማ ኸኣ ሃብትን ክብረትን ኣሎዋ።
· ጐደናኣ ጐደና ሓጐስ፡ ብዘሎ መገዳ ኸኣ ሰላም እዩ።
· ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ፡ ኣጽኒዑ ዚሕዛ ዘበለ ኸኣ ብጹእ እዩ።
”ኣንቱም ኩልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ናብቲ ናባይ ንዑ ኣነ ከዕርፈኩም’የ” ዝበለ ጐይታ፡ ንሱ፡ ጥበብ ኣምላኽ’ውን’ዩ’ሞ፡ ኩላትና ናብኡ ንምጻእ! ንነፍስና ዕረፍቲ፡ ብጓሂ ንዝተሳቐየን ንዝማሰነን ውሽጥና ድማ ብፍጹም ሰላም ከረጋግእን ክፍውስን ይኽእል’ዩ! ደጊም ኣንቱም ኣብ ሓዘን ዘለኹም፡ ነተን ”ሓዘን” እተብሃልናየን ኣይትረስዕወን።
እግዚኣብሄር የጸናንዕኩም!
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር!