“ሕዳርጼን ብመረጼን” ካብ መጽሓፍ ኣንፊ ብልሒ
ሕዳርን ጽዮንን ኣልጊብካ ስመዮም ብምባል፡ ንትግርኛ እንተ ኣዚዝኩሞ፡ “ሕዳር-ጼን” ካብ ምባል ሓሊፉ፡ “ሕዳር ጽዮን” ንምባል ዝኸውን ትንፋስ የብሉን። ሕዳርን ጽዮንን ኣብ ምንታይ እዮም ዝራኸቡ፧ ስለምንታይ ጥሪ-ጼን፡ ሰነ-ጼን ሓደው ግንቦት-ጼን ዘይተባህለ፧ ሓሲብኩም ዶ ትፈልጡ፧
ማርያም ኣዅስመይትን ማርያም ኣስመረይትን፡ ሕዳርጼን እየን ዝንገዳ። ማርያም ቀሓውታን ማርያም ደብረሲናን ግና ነናተን ዕለት’ዩ ዘሎወን። ሕዳር-ጼን በቈጻጽራ ግእዝ፡ 21 ሕዳር እዩ ዝውዕል።
ተኣምረ ማርያም ዝተባህለ መጽሓፍ፡ ክነግረና ከሎ፡ “ወአመ ዕሥራ ወአሚሩ ለኅዳር፡ ብዘርእየ ዘካርያስ ተቅዋመ ማኅቶት” እዩ ዝብል፥ ትርጉሙ፡ “ዕለት 21 ሕዳር፡ ዘካርያስ፡ ቀዋሚ ቀንዴል ዝረኣየሉ እዩ።” እቲ ራእይ፡ ”ሓደ ቐዋሚ ቐንዴል ኵለንትናኡ ወርቂ፣ ኣብ ርእሱ ኸኣ ዘይቱን ኣብኡ’ውን ሾብዓተ መብራህቱን ዘለዎ” ነበረ፡ (ዘካ4. 2-3)። እቲ ብርሃን፡ ክርስቶስ፥ እቲ ቀዋሚ ቐንዴል ድማ፡ ቅድስቲ ድንግል’ያ ንምባል’ዩ።
ኣብ ሕዳር-ጼን ዝውትርቲ ዝዀነት ጥቕሲ ”እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ” እያ። መዝሙር 87 ብትግርኛ፡ መዝሙር 86 ድማ ብግእዝ ገንጺልኩም እንተ ነበብኩም፡ ”እምነ ጽዮን” ማለት፡ ከምቲ ብልምዲ ክመስለና ዝጸንሐ፡ ”ኣዴና ጽዮን” ማለት ከም ዘይኰነ ክግሃደልኩም እዩ። ”እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ፡ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ” ብትግርኛ ”ብዛዕባ ጽዮን ድማ፡ እዝን እትን ኣብኣ ተወሊዶም፡ ክብሃል እዩ” ብቛንቋ እንግሊዝ ”And of Zion it shall be said, This and that man was born in her” እዩ ዝብል። ስለዚ፡ ”ኣብ ጽዮን” እምበር ”ኣዴና ጽዮን” ዝብል ኣበሃህላ ኣይንነብብን ኢና።
ጽዮን
እምባ ጽዮን፡ ከረን ጽዮን፡ ደብረ ጽዮን ዝብል ዝተፈላለየ ኣጸዋውዓ፡ ኣብ ኣበሃህላ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ትርጉም ዘምጽኦ ፍልልይ የልቦን። እምባ ማለት፡ ከረን፡ ከረን ማለት ድማ ደብሪ ማለት’ዩ።
ከም ንቡር ኣሰያይማ፡ ከረን ወይ እምባ፡ ብተባዕታይ እዩ ዝጥቀስ። እምባሶይራ ንዘክር፡ እምባ ተኺሎ ንድገም፡ እምባ ጠቐራ ንሰልስ፡ ኵሎም ብተባዕታይ እዮም ዝጥቀሱ። ከረን ጽዮን ግና፡ ብኣንስታይ ክትጥቀስ ንርእያ። ”ብፍርድታትካ ኸረን ጽዮን ትሕጐስ፡” (መዝ84፡11)። ከምኡ ተመሳሳሊ ጥቕስታት (ኢሳ18.7፡ መዝ125.1፡ ኢሳ33.5) ወዘተ ምጥቃስ ይከኣል።
ከረን ጽዮን፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኢየሩሳሌም እትርከብ እምባ ኰይና፡ እቶም ቀዳሞት ነበርታ፡ ይቡሳውያን ይብሃሉ ነበሩ፡ (እያ 15.63)። ዳዊት፡ ንእምባ ጽዮን ተዋጊኡ ምስ ሓዛ፡ (2 ሳሙ 5:6-9; 1 ዜና 11:5-7፡) ነቶም ነበርቲ ኣጥፊኡ፡ ነታ ከተማ፡ ብስሙ፡ ”ከተማ ዳዊት” ብምባል ሰመያ። (2ሳሙ5.7 2ሳሙ 5:9; 2ሳሙ 6:12; 2 ሳሙ 6:16; 1ነገ 8:1; 1ዜና 11:5; 1ዜና 11:7; 1ዜና 15:1; 1ዜና 15:29; 2ዜና 5:2)።
ከተማ ዳዊት ወይ ጽዮን ዝብል ስም፡ ኣብ ገለ ጽሑፋት፡ ንመላእ ኢየሩሳሌም ዝውክል ኰይኑ ይቐርብ፡ (መዝ 87:2 ፥ 149:2 ፥ ኢሳ 33:14 ; ዮኤ 2:1 መዝ 149:2; መሃ 3:11; ኢሳ 33:14; ኢሳ 33:20; ኤር 9:19; ኤር 30:17; ዘካ 9:13) እንሓንሳእ ድማ ንህዝቢ እስራኤል ዝውክል ኰይኑ ኸኣ ይቐርብ እዩ፡ (መዝ 51:18 ፥ 87:5)።
ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፡ ”ከተማ እግዚኣብሄር፡ ጽዮን ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ኢሎም ክሰምዩኺ እዮም” ብምባል ጽሒፉ ዝነበረ፡ (ኢሳ 60:14)፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ፡ ”ከተማ ህያው ኣምላኽ፡ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም” ብዝብል፡ ተሰምያ ንረኽባ፡ (እብ 12:22)። ከተማ ጽዮን፡ ታቦት ኪዳን ዝተቐመጠላ ከተማ ነበረት፡ (2 ሳሙ 6:12; 2 ሳሙ 6:16; 1 ነገ 8:1; 1 ዜና 15:1; 1 ዜና 15:29; 2 ዜና 5:2)።
ድሕሪ ጉባኤ ኤፌሶን ዝመጹ ኣቦታት፡ ንቕድስት ድንግል ማርያም ”በመኑ ወበኣምሳለ መኑ ናስተማስለኪ” ማለት፡ ብመን ወይስ ብምስሊ መን ክንምስለኪ ኢና፧” እናበሉ ክገልጽዋ ጀመሩ። ከተማ ጽዮን ንቕድስቲ ድንግል ማርያም እያ እትውክል ዝብል ርድኢት ድማ፡ እናዓብለለ ከደ።
ውዳሴ ማርያም ዝደረሰ ቅዱስ ኤፍረም ሶርያዊ፡ ኣብቲ ናይ ዕለተ ሰንበት ድርሰቱ፦
- እቲ ብወርቂ ዝተለበጠ ታቦት
- እታ መላእኽቲ ዝኽልልዋ መቕደስ
- እቲ ንጹህ መሶብ ወርቂ
- ጸዳል ብርሃን ዝጾርኪ ቀዋሚት ቀንዴል
- ወርቃዊ መሰውኢ ዕጣን ንስኺ ኢኺ፡
ወዘተ እናበለ፡ ንቤተ መቕደስን ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝርከብን ኵሉ፡ ብቕድስቲ ድንግል ጌሩ መሰሎ።
እታ ኣብ እስራኤል እትርከብ ከተማ ጽዮን ከ፡ ከመይ ኣቢላ እያ ኣብ ኣኽሱምን ኣስመራን ዝተጸምበለት፧ ንዝብል ሕቶ ድማ፡ ቀዳማዊ ምንሊክ (ንግስቲ ደቡብ (ሳባ) ካብ ሰሎሞን ዝወለደቶ) ያኢ፡ ነቲ ታቦተ ኪዳን ጸይሩ፡ ናብ ኣዅሱም ዝኣተወሉ ዕለት፡ 21 ሕዳር ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ብ900 ዓመተ ዓለም፡ እዩ ዝነበረ። ንግስቲ ሳባ ድማ፡ ኣብቲ ዕለት እቲ፡ ብዓብዪ ክብሪ ተቐበለቶ። ስለዚ፡ ብዘይካ እቲ ዘካርያስ ዝርኣየሉ ዕለት ምዃኑ፡ እዚ’ውን ሓደ ካልእ ምኽንያት ንሕዳር-ጼን ኰነ።
ሳልሳይ ምኽንያት’ውን ኣሎ። ኣብርሃ ወኣጽብሃ ዝብሃሉ ነገስታት ኣኽሱም፡ 12 ቤተ መቕደስ ዘሎዎ ህንጻ ቤተ ክርስቲያን ኣስሪሖም ምስ ወድኡ፡ በዚ ዕለት እዚ እዮም ኣመሪቖምዎ። ራብዓይን ናይ መወዳእታን ዝጥቀስ ከኣ፡ ኣብ ታሽዓይ ሚእቲ ዓመት ዝተላዕለት፡ ዮዲት፡ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን መከራ ምስ ኣልዓለት፡ እቲ ታቦተ ኪዳን፡ ኣብ ከባቢ ዙዋይ ናብ ዝብሃል ቦታ ተፈናቒሉ ኔሩስ፡ ሰላም ምስ ኰነ፡ ብ21 ሕዳር ናብ ቦታኡ ስለ ዝተመልሰ እዩ ዝብል’ዩ።
ንሕዳር-ጼን፡ ሕዳር-ጼን ዘብላ ኣርባዕተ ምኽንያታት ኣቕሪብና። ደጊም እቲ ጽዋ ናባኹም’ዩ።
መጽሓፍ ኣንፊ ብልሒ ኣብዘን ዝስዕባ ኣብያተ ምዝርጋሕ መጽሓፍቲ፡ ክትረኽብዋ ትኽእሉ፦