Megedihywet

View Original

ግሉጽ ክንገብሮ፡- ቀሺ ዮናስ፡ መፋነዊ ደብዳበ ተቐቢሉ ድዩ፧

ቀራን ሰበይቲ ዝነበረቶ ሓደ ሰብኣይ፡ ኣርሒቑ ንስራሕ ምስ ወፈረ፡ ቤተ ሰብ ጸዊዓ፡ ስርዓተ ፍትሕ ፈጸመት ይብሃል። ንድሕሪ ቀትሩ ድማ፡ ነቲ ብሽማግለታት ዝተዋህባ ምቅሊታ ጽዒና፡ ንዓዳ ገጻ እናገስገሰት፡ ሰብኣይ ኸኣ ስራሕ ውዒሉ ንገዛ ክመጽእ፡ ኣብ መገዲ ኣርብዓ ይራኸቡ። ”ናበይ ኢልክዮ ደኣ እዚ ንብረት፧ ብሱሩ ኸ ናበይ ደሊኺ፧” ቢሉ ይሓትት፡ ጋን ዝዀኖ ሰብኣይ። ”ተፋቲሕና ኢና ተፋቲሕና” ብምባል ኣእዳዋ ጸግ ኣቢላትሉ ብግስ ትብል ሰበይቲ፣ ”ኣንቲ እንታይ ኢኺ ትብሊ፧! ኣነ ኣብ ዘይብሉስ ተፋቲሕና፧!” እንተበላ፡ ”ክላ ስቕ በሉ፡ ኣነ ኣይዘከርኩኹም፡ ሰብኩም’ውን ኣይዘከሩኹምን” በለቶ ይብሃል።

ሎም ምሸት፡ “ማኅቶት ዘተዋህዶ” ኣብ ዝተባህለ፡ ናይተን ብኣቡነ ሲኖዳ ዝምርሓ ኣብያተ ክርስቲያናትን ማሕበራትን ናይ ሕብረት ገጽ፡ ዲያቆን መድሃኔን ዲያቆን ሳሙኤልን ዝብሃሉ፡ ሓባራዊ ዕላል ሒዞም ኣምስዮም። ዲያቆን ሳሙኤል፡ ”እምበኣረይ ግሉጽ ክንገብሮ” ብምባል፡ ”ኣቦይ ቀሺ ዮናስ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ሰሜን ኣመሪካ ዘይምሕደሩ ምዃኖም፡ ካብኡ ዝተኣለዩ ምዃኖም፡ እቲ ኦተቤ’ውን እቲ ምሕደራ ዘይቅበሎ ምዃኑ፡ ብምሕደራዊ ደረጃ’ውን፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ሃገረ ስብከት ከም ዘየለዉ፡ መፋነዊ ደብዳበ ተጻሒፉሎም’ዩ። እቲ ኮፒ’ውን ንዓና ተሰዲዱልና’ዩ” በለ።

እቲ ዝበሎ፡ ቃል ንቓሉ እንሆ፦

1.01.48-1.02.36 እምበኣረይ ግሉጽ ክንገብሮ ኣብዚ ኣቦይ ቀሺ ዮናስ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ሰሜን ኣመሪካ ዘይምሕደሩ ምዃኖም፡ ካብኡ ዝተኣለዩ ምዃኖም፡ እቲ ኦተቤ’ውን እቲ ምሕደራ ዘይቅበሎ ምዃኑ፡ ብምሕደራ ደረጃ’ውን ኣብ ትሕቲ እቲ ሃገረ ስብከት ከም ዘየለዉ መፋነዊ ደብዳበ ተጻሒፉሎም’ዩ። እቲ ኮፒ’ውን ንዓና ተሰዲዱልና’ዩ። ስለዚ ኣቦይ ቀሺ ዮናስ ይኹኑ፡ ኣብታ ኦተቤ ዘገልግሉ ዘለዉ መንእሰያት ድዮም ዲያቆናት ኣብዚ ማዕቀፍ ናይዚ ዕርቂ’ዚ ዘይተሓቑፉ ምዃኖም፡ እቲ ዝነበረ ሃገረ ስብከት’ውን ዘይፈልጦም ምዃኖም እዚ ሕጂ ቈይሙ ዘሎ ውሁድ ሃገረ ስብከት’ውን ዘይፈልጦም ምዃኑ፡ በዚ ኣጋጣሚ ክንሕብር፡ ንዝዛረብዎ ዝዀነ ይኹን ከኣ ሓላፍነት ዘይንወስደሉ ምዃንና፡ ዘይኣባላትና ኸኣ ምዃኖም ክንገልጽ ከኣ ንደሊ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ።

መፋነዊ ደብዳቤ

ዲያቆን ሳሙኤል፡ ሚእቲ ሚእታዊት ርግጸኛ ኴንካ ክትዛረብ ሰሚዐካ’ሞ፡ እታ ”መፋነዊ” እትብሃል ዘላ ደብዳቤ፡ መዓስ’ያ ተጻሒፋ፧ መን ጽሒፍዋ፧ ብዛዕባኣ ክፈልጥ ምደለኹ። እታ ናባይ ዝመጸት መልእኽቲ፡ ኣብዚ ስእሊ ዘርጊሐያ ዘለኹ እያ። እቲ መእሰሪኣ ድማ ከምዚ’ዩ ዝብል፦

በዚ መሰረት፡ ንዅሎም ዝፈጸምካዮም ጌጋታት ኣሪምካን ብንጹር ይቕረታ ሓቲትካን ክሳብ እትምለስ፡ ኣብ ምምሕዳራዊ ማእከልነት ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ከም ዘየሎኻ እናሓበርና፡ ጉዳይካ ናብ ኣቦታት ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ኣመሓላሊፍናዮ ከም ዘሎና ንሕብር። ምሉእ መልእኽቲ ንምርኣይ  ስእሊ ርአ።

ፍቁር ዲያቆን ሳሙኤል፡ ሕቶታት ኣቃልል ኣቢልካ ክትምልስ ሰሚዐካ እሞ፡ ነዘን ከቢደናኒ ዘለዋ ሕቶታት ድማ፡ ከምዛ ሎሚ ምሸት ክትገብራ ዘምሰኻ እስከ ኣፋዅስ-ኣፋዅስ ኣብለለይ ኢኻ።

1.     ካብ ዕለት 3 መስከረም 2023 ኣትሒዙ፡ 7 ዝኣባላታ ሓባራዊ ምምሕዳር ከም ዘቖምኩም ተገሊጹ’ሎ። እዛ ናባይ ዝተጻሕፈት ደብዳበ ግና፡ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2023’ያ ተጻሒፋ። ሓባራዊ ምምሕዳር ቈይሙ እናተባህለስ፡ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ ግና፡ ድሕሪ ወርሕን ሰሙንን ኣቢሉ’ዩ ዝጽሕፈለይ ዘሎ። ኣብ ሓደ እዋን ዶ ክልተ ምምሕዳር ክህሉ ይኽእል’ዩ፧ እወ ክትብለኒ ኣይጽበን’የ፡ ግናኸ፡ በየናይ ስልጣን ደኣ’ሞ እቲ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና፡ ብውልቁ ክጽሕፍ ይኽእል ኣሎ፧ ሕድርኻ እስከ ነዚኣ ኣረድኣኒ። 

2.     ንስኻ ”መፋነዊ” ዝበልካዮ፡ ብቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ናባይ እተጻሕፈ መልእኽቲ፡ ካብዞም ዝስዕቡ ኣማራጺታት እንታይ ከም ዝተገብረ ወይ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ እዩ ዝሕብር ዘሎ፧

ሀ. ንኹሎም ዝፈጸምካዮም ጌጋታት ኣሪመ ብንጹር ይቕረታ ክሓትት
ለ. ኣብ ምምሕዳራዊ ማእከልነት ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ከም ዘየለኹ ክፈልጥ
ሐ. ጉዳየይ ናብ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ከም ዝተመሓላለፈ

እቲ ጉዳይ፡ ናብ ብፁዓን ኣቦታት ኣመሓላሊፍናዮ እናበለ፡ በቲ ሓደ መዳይ ድማ፡ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ከም ዘየሎኹ ድማ ይጠቅስ። ብቐንዱ ግና፡ ”ይቕረታ ሓቲትካ ክሳብ እትምለስ” ዝብል፡ ትሕዝቶ’ዩ ሓዚሉ ዘሎ። ደጊመ ሓደራ ክብለካ፡ እንታይ ይብል ከም ዘሎ እስከ ኣረድኣኒ። ከምቲ ዝበልካዮ፡ ”መፋነዊ” እንተዀይኑ፡ እቲ፡ ”ይቕረታ ክሳብ እትሓትት” ዝብል ቅድመ-ኩነት፡ ስለምንታይ ክጽሓፍ ኣድለየ፧ ከምቲ ዝበልካዮ፡ ”መፋነዊ” እንተዀይኑ ኸ፡ ”ጉዳይካ ናብ ኣቦታት ኣሕሊፍናዮ” ምባል፡ ስለምንታይ ኣድለየ፧ ከመይ ስለ ዝተረዳእካዮ ኢኻ፡ ”መፋነዊ” ዝብል ስም መሪጽካሉ፧

3.     ካብ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና፡ ኮፒ ከም ዝበጽሓኩም ገሊጽካ ኣለኻ። ብዛዕባ’ቲ ገና ብሕጂ፡ መልሲ (ውሳነ) ክወሃቦ ዝጽበ ዘሎ፡ ናብ ብፁዓን ኣቦታት ዝሰደድክዎ ግብረ መልሲ ግና ኣይጠቐስካን። ኣይበጽሓኩምን ድዩ ኰይኑ፧ ንዘይተወድአ ጉዳይ ከም ዝተወድአ ኣምሲልካ ምዝራብ፡ ስለምንታይ ኣድለየ፧ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብዚ ጉዳይ እንታይ ውሳነ ወሲኖም ትፈልጦ ኣለካ ዶ፧ መልስኻ ክጽበ’የ።

ጠጥዑሙ!