ሃገራዊ ጸሎት ብሕብረት ኣብያተ ክርስቲያን
መዝሙር ዳዊት 29 ሒዝና ኢና ንገጽ እግዚኣብሄር ክንደሊ። ኣብዚ መዝሙር’ዚ፡ ህዝቢ እግዚኣብሄር፡ ”ውሉድ ብርቱዓት” ተብሂሎም’ዮም ተጠቒሶም ዘለዉ። ንሳቶም፡ ንእግዚኣብሄር ብጌጽ ቅድስና ዝሰግዱሉ፡ ነቲ ንስሙ ዝግብኦ ክብርን ሓይልን ድማ ዝህብዎ እዮም። ገለ ሰብ ኣብ፡ “እንታይ ኢና ንገብሮ፧” ዝብል ሻቕሎትን ፍርሕን፡ ገለ ድማ ኣብ ምስባብን ምስዋርን ነገር፡ ገለ ኻልእ ድማ ኣብ ኣፍፍራስን ሰረገላታትን እናተኣመነ ዝጭድርን ዝፍክርን እዩ።
ሰሉስ 31 ጥቅምቲ 2023፡ ንሕና እቶም ሰራዊት ኣምላኽ፡ እወ ንሕና እቶም ውሉድ ብርቱዓት፡ ህዝብናን ሃገርናን ሒዝና፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብጸሎትን ምህልላን፡ ልዕሊ ኹሉ ግና ብሓደ ልብን ብንስሓን ክንቀርብ ኢና። ነዛ እትስዕብ መላግቦ ብምጥዋቕ https://us06web.zoom.us/j/6719945593... ንጸሎት ሕበሩና። ሰዓት 21.00-22.30 በቈጻጽራ በርሊን፡ (20.00-21.30 ሎንዶን)።
ኣብዚ መዝሙር እዚ፡ ”ድምጺ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማያት እዩ፡ ኣምላኽ ክብሪ የንጐድጕድ ኣሎ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ” እዩ ዝብል፡ (ፍቕዲ 3)። እቲ ማያት ተባሂሉ ዘሎ፡ ንዮሃንስ፡ ኣብ ራእይ፡ ከም ዝተነግሮ ”እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶ ዝርኤኻያ ማያትሲ፡ ኣህዛብን ብዙሕ ሰብን ህዝብታትን ቋንቋታትን እዮም” (ራእ17.15)። ኣብ ትንቢተ ኢሳይያስ’ውን፡ ንረሲኣን ክገልጾም ከሎ፡ ”እቶም ረሲኣን ግና ከምቲ ዝናወጽ ባሕሪ እዮም” እዩ ዝብሎም። ”ኪሃድእ ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ማያቱ ጭቃን ርስሓትን የውጽእ” ብምባል ድማ ይጠቕሶም፡ (ኢሳ57.20)።
መዝሙር 29፡ ክጅምር ከሎ፡ ”ኣቱም ውሉድ ብርቱዓት፣ ንእግዚኣብሄር ሃቡ፣ ንእግዚኣብሄር ክብርን ሓይልን ሃብዎ። ንእግዚኣብሄር እቲ ንስሙ ዝግብኦ ክብሪ ሃብዎ፡ ንእግዚኣብሄር ብጌጽ ቅድስና ስገዱሉ” ብምባል ዝጅምር ክኸውን ከሎ፡ ክውድእ ከሎ ግና፡ ” እግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሊ ይህቦ፣ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሰላም ይባርኾ” ብምባል እዩ ዝዓጹ።