ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ ስምኦን ተጸበየ
ሎሚ ቀዳም 25 ሕዳር 2023 እንጅምሮ ዘለና ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። ”ኣብ የሩሳሌም ስምኦን ዚብሃል ሰብኣይ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ፡ ምጽንናዕ እስራኤል ዝጽበ ነበረ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ነበሮ። ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ከይርኣዮ፡ ሞት ከም ዘይርኢ ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጹሉ ነበረ፡ (ሉቃ2.25-26)።
ስምኦን፡ ምጽንናዕ ህዝቡን ሃገሩን ይጽበ ነበረ። ከም ትጽቢቱ ድማ፡ ንቕድም ብመንፈስ ተገልጸሉ፡ ድሒሩ ኸኣ ነቲ መሲሕ፡ ብኣካል ክርእዮ ጥራይ ዘይኰነስ ክሓቝፎ’ውን በቕዐ። ጽድቂ፡ ንኣምላኽ ምፍራህ፡ ምጽንናዕ ህዝብኻ ምድላይን ምጽባይን፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ህይወት፡ ወዘተ፡ ገለ ካብቲ፡ ካብ ስምኦን ኣረጋዊ እንምሃሮ ባህርያት እዩ።
ምጽዋምናን ምጽላይናን ዘይተረፈ፡ ነቲ ንህዝብናን ሃገርናን ከጸናንዕ ዝከኣሎ እንኮ ጐይታና ንጸባበዮ፧!
ንዝኽሪ ልደት ጐይታና እናማዕደና፡ “ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘልኣለምን ንሱ እዩ!” (እብ 13.8) ኣሜን!
ዝንበብ ክፍሊ
ሉቃ 2. 25-35
ንጸሊ፦
ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤል’ውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳለኻዮ ምድሓንካ፡ ንወድኻ ንጐይታና ኢየሱስ፡ ልብና ኣርሒና ክንጸባበ፡ ኣዒንቲልቦናናክትከፍትንልምነካ፡ኣለና፡ብስምኣብንወልድንመንፈስቅዱስንሓደኣምላኽኣሜን!