Megedihywet

View Original

ጾመ ፍረታት፡ ፍቕርን ዕርቅን

ብምኽንያት እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረን ኣብዚ ሰሙን እዚ’ውን ዝቕጽልን ዘሎ፡ ጾመ ፍልሰታ፡ ንረቡዕ 16 ነሓሰ 2023 ብፍሉይ ደጊምና ብምስትንታን እንጽልዮ፡ ፍቕርን ዕርቅን ዝብሉ ፍረታት መንፈስ እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ከም ዝረአናዮ፡ እዚ ”ዕርቂ” ብዝብል ተተርጒሙ ዘሎ፡ ኣብቲ መበቈላዊ ጽሑፍ ኰነ ኣብ ቋንቋ ግእዝ’ውን እንተዀነ፡ ”ሰላም” ብዝብል’ዩ ቀሪቡ ዘሎ። ትእዛዝ ኣምላኹ ሰሚዑ ዝነብር ኣማኒ፡ ሰላሙ  ከም ወሓዚ፡ ጽድቁ ድማ ከም ማዕበል ባሕሪ ከም ዝኸውን ተነጊሩና’ሎ፡ (ኢሳ48.18) ዓርስናን መላእ ክርስቲያናዊ ቤተ ሰብን፡ ሰላም ምስ ኣምላኽ፡ ሰላም ምስ ዓርሲ፡ ሰላም ድማ ምስ ብጾት፡ ክህልወና፡ ስለ ገዛእ ርእስናን ስለ ቤተክርስቲያንናን ጸሊና ኔርና። ሎሚ ድማ፡ ገበርቲ ሰላም ኴንና ክንርከብ፡ እግዚኣብሄር ክድግፈና ኢና ክንጽሊ። “ገበርቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ክብሃሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም” በለ ጐይታና፡ ኣብቲ ኣንቀጸ-ብፁዓን እንብሎ ናይ ከረን ሰብከት፡ (ማቴ5.9)።

ብዘይ ፍቕሪ ዝቐርብ ጸሎት፡ ብዘይ ፍቕሪ ዝቐርብ ኣገልግሎት፡ ብዘይ ፍቕሪ ዝቐርብ መዝሙር፡ ብዘይ ፍቕሪ ዝካየድ ምርዳእ ጽጉማት፡ ወዘተ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል፡ ከንቱ ምዃኑ፡ ዝሓለፈ እዋን ድሕሪ ምጥቃስ፡ ፍቕሪ እግዚኣብሄርን ፍቕሪ ብጻይን ኣብ ልብና ሃል-ሃል ክብል ጸሊና ኔርና።  ሎሚ ድማ፡ ፍቕሪ ኣብ ዘይብሉ ቤት፡ ፍቕሪ ኣብ ዘይብሉ ጉባኤ፡ ፍቕሪ ኣብ ዘይብሉ ጉርብትና፡ ወዘተ፡ ንሕና እቶም ውሉድ ኣምላኽ ዘበልና፡ፍቕርን ስምምዕን ከም ዝህሉ ንምግባር፡ ከም ውልቂ ብግለ-ሰብ፡  ከም ሕብረት ድማ ብደረጃ ቤተ ክርስቲያንን ክንነቕሕ፡ እግዚኣብሄር ክረድኣና፡ ንጸሊ!

ዚንበብ፡ ቈሎሴ 3

ካብዚ እቲ ብፍሉይ ከነስተብህለሉ ተደልዩ ዘሎ፡ “ከም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ” ዝብል’ዩ።

ጸሎት

ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣነን መላእ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን፡ ኣብቲ ግቡእ ቦታና ክንርከብ እሞ፡ ልኡኻት ፍቕርን ሰላምን ኴንና ክንርከብ ክትድግፈና እጽሊ ኣለኹ። ”እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ” ዝብል ቅዱስ ቃልካ እናነበብናዮ፡ ግናኸ ኣብቲ ቕዱስ ቦታ’ኳ ከይተረፈ፡ ምፍልላይን ጽልእን ነጊሱ እናረአና፡ ምስቃጥና ይቕረ በል። ከምቲ ኣብ ቅዱሳን ሃዋርያት ዘሕደርካዮ ጸዓት፡ ንሕና’ውን ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኴንና፡ ካብ ኢየሩሳሌም ክሳዕ ወሰን ዓለም ንዘለዉ፡ ህዝብን ኣሕዛብን፡ ከይፈላለና፡ ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ እናበልና ክንልምን፡ ጸጋ ከተብዝሓልና፡ እጽሊ ኣለኹ። ስለ እትሰምዓና ድማ ደጋጊመ አመስግን፡ ሎምን ኩሉ ሳዕን ንዘልኣለመ ኣለምን ኣሜን!

ለቡ

እግዚኣብሄር እንተፈቐዶ፡ ብህይወት ድማ እንተጸኒሕና፡ ጽባሕ ሓሙስ ከኣ ”ዓቕልን ህድኣትን” ንዝብሉ ፍረታት ደጊምና ከነስተንትኖምን ክንጽልን ኢና።