Megedihywet

View Original

ጾመ ፍረታት፡ ለውሃትን ሕያውነትን

ብምኽንያት እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረን ኣብዚ ሰሙን እዚ’ውን ዝቕጽልን ጾመ ፍልሰታ፡ ንቐዳም 19 ነሓሰ 2023 ደጊምና እነስተንትኖም፡ እቶም ለውሃትን ሕያውነትን ዝብሉ ፍረታት መንፈስ እዮም።

ነጻጺልካ ክትርእዮም ኣጸጋሚ ምዃኑ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ርኢናዮ ኔርና። ጥዑም ጠባይ፡ ሕያውነት ክኸውን ከሎ፡ ኣእዳውካ ንረድኤት ምዝርጋሕ ድማ፡ ለውሃት’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፡ ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እንታይ ምዃኑ ክነግር ከሎ፡ ”ርእስኻ ካብ ርኽሰት ዓለም እናሓሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ” ምዃኑ’ዩ ኣረዲኡ፡ (ያእ1.27)። ለውሃትን ሕያውነትን ዘይንጸባረቐሉ ክርስትና፡ ክርስትና’ዩ ክትብሎ ዝከኣል ኣይኰነን።

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንሰብ ሮሜ፡ ”ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ” በለ፡ (ሮሜ 12.10)። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ከኣ፡ ”ኣቱም ደቀየ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር” በለ፡ (1ዮሃ3.18)። ሃዋርያ ያዕቆብ ድማ፡ ”ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዓረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢ’ውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሃብኩምዎምሲ፡ ሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቅም፧” ብምባል ኣጒሊሑ መልእኽቱ ኣሕለፈ፡ (ያእ2.15-16)።

”እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። ክፉእ ሰብ ከኣ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ” ብምባል ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንትርጉም ሕያውነት ግልጽ ኣቢሉ ኣረድኣና (ማቴ12.35)። ኣብ ካልእ ስፍራ ኸኣ፡ ካብቲ ክፉእ መዝገብ ልቢ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ምስክር ሓሶት፡ ጸርፊ፡ ወዘተ ከም ዝወጽእ ነጊሩና’ሎ (ማቴ 15.9)። ኣብ ሕያውነት እንተለኻ፡ ኣብ ቅትለትን ዝሙትን፡ ኣብ ስርቅን ሓሶትን ክትርከብ ኣይኰነልካን’ዩ ማለት’ዩ። ህይወተይን ህይወት መላእ ቤተ ክርስቲያንን፡ ሕያውነትን ለውሃትን ዝመለለይኡ ዶ ኰይኑ’ሎ፧!

ዚንበብ፡ ሮሜ 12

ካብዚ ብፍሉይ ከነስተብህለሉ ተደልዩ ዘሎ ኽፍሊ፡ ”ብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉ፡ ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ” ዝብል’ዩ።

ጸሎት

ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ለውሃትካ ካብ ህይወት ይበልጽ’ዩ’ሞ፡ ነቲ ቕዱስ ስምካ እባርኽ ኣለኹ። ኣርኣያ ለውሃትካን ሕያውነትካን ሰኒቐ፡ ከምቲ ዝግባእ፡ ጨው ኰይነ ምእንቲ ከመቅር፡ ብርሃን ኰይነ’ውን ምእንቲ ከብርህ ክከኣለንስ፡ ጸጋኻ ከተብዝሓለይ እጽሊ’ለኹ፡ ስለ ዝሰማዕካኒ ድማ አመስግን፡ ይእዜኒ ወዘልፈኒ፡ ወለዓለመ-ዓለም ኣሜን!

ለቡ

እግዚኣብሄር እንተፈቐዶ፡ ብህይወት ድማ እንተጸኒሕና፡ ጽባሕ ሰንበት ከኣ ”እምነት” ንዝብል ፍረ፡ ደጊምና ከነስተንትኖ ኢና።