Megedihywet

View Original

ካልአይቲ መዓልቲ፡ ሃና ጓል ፋኑኤል ተጸበየት

ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾም

ትማሊ ቀዳም 25 ሕዳር 2023 ዝጀመርናዮ ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። ካብ ወገን ኣሴር ድማ ሃና፡ ጓል ፋኑኤል፡ ንሳ ኣዝያ ዝኣረገት ነብዪት ነበረት። ካብ ድንግልናኣ ሒዛ ምስ ሰብኣይ ሾብዓተ ዓመት ገበረት፡ (ሉቃ2.36)።

ሃና ጓል ፋኑኤል፡ ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት። ከም ትጽቢታ ድማ፡ ነቲ መሲሕ፡ ረኣየቶ። ሽዑ ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ። ነቶም ምድሓን የሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም።

ናብራ ቕድስና፡ ንኣምላኽ ምግልጋል፡ ብዛዕባ ጐይታ ተቢዕካ ምዝራብ፡ ወዘተ፡ ገለ ካብቲ፡ ካብ ሃና ጓል ፋኑኤል እንምሃሮ ባህርያት እዩ። ምጽዋምናን ምጽላይናን ዘይተረፈ፡ ነቶም ንሰናይሲ መን’ዩ ዜርእየና ዝብሉ ዘለዉ ኣካልና ዝዀኑ ደቂ ህዝብና፡ ብዛዕባ’ቲ ንህዝብን ሃገርን ከጸናንዕ ዝከኣሎ እንኮ ጐይታና እናነገርና፡ ነዚ ጐይታ ኽብሪ ንጸባበዮ፧!

ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘልኣለምን ንሱ እዩ!” (እብ 13.8) ኣሜን!  

ዝንበብ ክፍሊ፦

ሉቃ 2. 36-38

ንጸሊ፦

ዎ ጐይታይ፡ ከም ሃና ጓል ፋኑኤል፡ ለይትን መዓልትን ከገልግለካ ዘኽእለኒ ጸጋ ሃበኒ። ንልበይ ናባኻ ድኣ’ምበር ናብ ካልእ ክዘብል ኣይትሕደጎ። ምስክር ኰይነ ክቘመልካ፡ ጕይትነትካ እናኣወጅኩ፡ ኢየሱስ ጐይታ እዩ ክብል ዘኽእለኒ ትብዓትን ብቕዓትን ክትዕድለኒ ድማ እልምነካ፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!