መገዲ ህይወት

ጻዕዳ እግሪ

”እንታይ ኰን ሓሲቡ ፈጣሪ

ብጸሊም ዘርገጾ፡

ነዚ ጻዕዳ እግሪ፧!”

ኣስተንኪሩ፡ ኣስተንኪሩ፡ 

ወደ’ኮይ ጸሊማይ፡

ስእሊ ሚካኤል

ዘኪሩ። 

09 ጥቅምቲ 2023

ናበይ ወዲቓ፧

ዳሜራ ስቓይ፡

ቃል-ቃል፡ ነዲዱ ሓዊ

መን’ዩ’ሞ ዘእዊ፧

ደሰቕቲ ከበሮ፡

ደፋኒ ኣእምሮ፡

ስሒሎም ጐረሮ

ይዘሉ፡ ይጭድሩ

ድማ . . .

መስቀል ከም ዝጾሩ

መስቀል የንጠልጥሉ

30 መስከረም 2023

ከረን፡ ቅዳሴ ድሕሪ 40 ዓመት፡

ብመንበረ ኣዅሱም ዘኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽ እትውነን፡ ኣብ ከረን እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ድሕሪ ናይ ኣስታት 40 ዓመታት ድስካለ፡ ትማሊ ረቡዕ 27 መስከረም 2023፡ በቶም ኣብ ኤርትራ ዑደት ዝፍጽሙ ዘለዉ ልኡኻት መንበረ እስክንድርያ፡ ቅዳሴ ከም ዝተኻየደላ፡ መንበረ ኣዅሱም ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ኣፍሊጡ።

መገዲ ህይወት

ዕለታዊ ናብራና፡ ብሶላ (ሓባሪ ኣንፈት፡ ኮምፓስ) እቲ እንጓዓዘሉ ዘለና፡ ህይወት እዩ። ናብ ዘልኣለም ህይወት፡ ወይስ ናብ ዘልኣለም ሞት ንግስግስ ምህላውና ድማ ይእንፍተልና። መገዲ ህይወት፡ ኣብ ስጋዊ፡ ነፍሳውን መንፈሳውን መዳያት፡ ዘሎኒ ኩርናዕ ጠመተ፡ ዝጽሕፈላ ጦማር (እተጻሕፈ መልእኽቲ) እያ።

መገዲ ህይወት ትሕብረኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፣ ኣብ የማናይካ’ውን ንዘለአለም ብጽእና አሎ

(መዝ 16.11)

You will show me the path of life; in Your presence is fullness of joy, at Your right hand there are pleasures forevermore.

(Ps 16:11)