ሮሜ 9-15 ተሳተፍቲ ዝሃብዎ መልሲ

ዝተዋህበ ዕዮ ገዛ

- ካብ ሮሜ 9 - 11 ዘሎ ምዕራፋት፡ ስለምንታይ እስራኤልብዝብል ፈሊናዮ፧

ለ- ካብ ሮሜ 12 - 15 ዘሎ ምዕራፋት፡ ስለምንታይ ክርስቲያንብዝብል ፈሊናዮ፧

ጉጅለ 1 ዝመለስዎ

ሮሜ ( 9-11 )  ”እስራኤል” ብዝብል ዝተፈለየሉ ምኽንያት፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳዉሎስ፡ ብዛዕባ ህዝቢ እስራኤል እናጐሃየ፡ እዩ ነዘን ምዕራፋት እዚአን ጽሒፍወን። ህዝቢ እስራኤል ኣብ እምነቶም ቀናኣት ከም ዝነበሩ፥ ይኹን ደኣ እምበር፡ እቲ ቕንኢ ግና ብዘይ ፍልጠት ምንባሩ፥ ጽድቂ ርእሶም ክተኽሉ ይደልዩ ከም ዝነበሩ፣ ነቲ ንስለ ድሕነቶምን፣ ድሕነት ኣህዛብን፣ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተኸፍለ መስዋእቲ፡ ብዘይ ምርዶኦምን፣ ኣብ ምሕላዉ ሕጊ ጥራይ ኣትኲሮም ብምንባሮምን፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ከምዚ ስለ ዝገልጽ፡ ነዚ ኽፍሊ እዚ ብቐሊሉ ንምዝካርን፣ ንምጽንዕ ምእንቲ ክሕግዝ ተባሂሉ፡ ”እስራኤል” ብዝብል ሰሚናዮ።  

ሮሜ (12- 15 ) "ክርስቲያን" ብዝብል ዝተፈለየሉ ምኽንያት ድማ፡ እተን ምዕራፋት ብፍሉይ ብዛዕባ ኣናባብራ ክርስቲያን፥ መንፈሳዊ ህይወት ሓደ ክርስቲያን፣ ኣገልግሎት፣ ሕብረት ኣሕዋት፡ ከመይ ክኸዉን ከም ዝግቦኦ ብሰፊሑ ኣብዚ ኽፍሊ እዚ ስለ ዝተገልጸ፡ ”ክርስቲያን” ብዝብል ፈሊናዮ።

ጉጅለ 2 ዝመለስዎ

ካብ ሮሜ 9 –11፡ ኣብዘን 3ተ ምዕራፋት፡ ሓዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ሕርየትን፡ ምሕረትን ህዝቢ እስራኤል ስለ ዝዛረብ፡ “እስራኤል” ዝብል ስያሜ ሂብና ፈሊናዮ።

ምዕራፍ 9፡- 

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዝተስምዖ ጓህን ስቓይን ይጅምር።

ሀ. ነቶም ብስጋ ኣሕዋቱን ኣዝማዱን ዝኾኑ ንምድሓን፡ ዋላ ንሱ ዉጉዝ ኮይኑ ካብ ክርስቶስ ክፍለ ከም ዝደሊ ብምጥቃስ ይነግር (ሮሜ 9፡3)። እዚ ከኣ እቲ ማዕረ ክንደይ ንዓኣቶም ብክርስቶስ ከእምኖምን ድሌት ከም ዘለዎ ስለ ዝነግር’ዩ።

ለ. ኣብ ሮሜ 9፡4-5 ኢልዎ ከም ዘሎ፡ “ውልድነትን፡ ክብርን፡ ኪዳንን፡ ተስፋን፡ ሕጊን” ናቶም ከም ዝኾነ፡ ክርስቶስ ባዕሉ ካባታቶም ምዃኑ ሓቢሩ፡

ሐ. ኣምላኽ ከም ዝሓረዮም ከኣ ኣብ ሮሜ 9:11 ”ንኤሳው ጸላእኩ፡ ንያዕቆብ ፈተኹ” ኢሉ ከም

ዝሓረዮም ይነግር።

መ. ኣብ ሮሜ 9:16 -18 “ ካብቲ ዝምሕር ኣምላኽ እምበር፡ ካብቲ ዝደልን ዝጎይን ኣይኮነን” ኢሉ ትምኒት ምሕረቱ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይነግር።

ሰ. ኣብ ሮሜ 9:27-መወዳእታ፡ “እቲ ተረፍ(ኣማኒ) ጥራሕ ኢዩ ዝድሕን” ብምባል፡ እስራኤል ግና ብእምነት ዘይኮኑስ፡ ብሕጊ ክጸድቁ ስለ ዝደለዩ፡ ስለዚ ኸኣ ነቲ ጽድቂ ኣምላኽ ክረኽብዎ ከም ዘየኽኣሎም፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ጓሂኡ ይገልጽ።

ምዕራፍ 10፦

ሀ. ብሰኣን ፍልጠት ደኣ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎም” ገሊጹ፡ (ሮሜ10.1-2)

ለ.  “እቲ እምነት ክርስቶስ ኣብ ልብናን ኣብ ኣፍናን” ከም ዘሎን ሰብ፡ “ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ኣሚኑ’ውን ይድሕን” ኢሉ እቲ ክኣምንዎ ዘለዎ ዋና ነገር ይዝርዝር እሞ፡ እስራኤል ግና ነዚ ነገር እዚ ተቐቢሎም ክሳዕ ዝኣምኑ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ክሳዕ መወዳእታ ዝርግሕቲ ምዃና ይሕብር፡ (ሮሜ10.8-11)

ምዕራፍ 11፡-

ሀ. እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል ከም ዝራሕራሓሎምን፡ ከም ዘይደርበዮምን ይነግር።

ለ. ናይ እስራኤልውያን ምውዳቕ፡ ንዓና(ኣህዛብ) ምድሓን ከም ዝኾነን፡ ንዓኣቶም ድማ ምእንቲ ከቕንኦም ምዃኑ፡

ሐ. “ እግዚኣብሔር ብሕርየቱ ከም ዘይጠዓስን፡ ንእስራኤላውያን ናብ ድሕነት ከምጽኦም ምዃኑ ድማ፡ ንሕና ብዘይ ንፈልጦ ሓሳብ ኣምላኽን፡ ጥበቡን ክፍጸም ምኻኑ  ገሊጽዎ ኣሎ (ሮሜ 11.28-መወዳእታ)

እምበኣርከስ፡ እዘን ብዛዕባ ሕርየት፡ ምሕረትን፡ ምድሓንን እስራኤል ኣመልኪተን ዝተጻሕፋ ሰለስተ ምዕራፋት፡ ብቐሊሉ ንምዝካረን ምእንቲ ክጥዕም፡ እስራኤልዝብል ስያሜ ሂብና ፈሊናየን።

ካብ ሮሜ 12 - 15 ሓደ ክርስቲያን ክነብሮ ዘለዎ ናብራ ስለ ዝነግር’ዩ “ክርስቲያን” ኢልና ሰሚናዮ ዘለና።

ምዕራፍ 12፦

ሀ. ኣብ ሮሜ 12፡1- 2 ንስጋና “ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርና ከነቕርቦ” ከም ዘለና ይምዕደና። እዚ ከኣ ቀንዲ ከም ዝደሓንና እንምስክረሉ ናብራ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ክንነብሮ ዘለና ናብራ ክርስትና ምዃኑ ይሕብር። ምስኡ ኣስዕብ ኣቢሉ’ውን፡ “ሰናይ ፍቓድን ሓሳብን ኣምላኽ ክንርዳእ” እንተ ዄንና፡ “ኣእምሮና ብምሕዳስ ክንልወጥ እምበር፡ ናይ ዓለም ናብራ ከም ዘየዐውተና” ይነግር።

ለ. ካብ ፍቕዲ 9- መወዳእታ፡ ነታ ጠማሪት ኩሉ ዝኾነት “ፍቕሪ” ክንለብሳ ከም ዘለና ይገልጽ።

ምዕራፍ 13፦

ሀ. ክርስቲያን ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝኾነ በዓል ስልጣን(መንግስቲ) ከመይ ጌርና ክንእዘዝ ከም ዘለና ይሕብር። ከምቲ ኣቦና ዮሴፍ ወዲ ያዕቆብ ኣብ ትሕቲ ፈርኦን ብፍርሃት ኣምላኽን ትሕትናን ተመሪሑ፡ ነቲ በዓል ስልጣን ዝእዘዞ ዝነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ከኣ ዓቢ ጥበብን ጸጋን ዝዓደሎ፡ ከምኡ ከኣ ብክርስቶስ ኢየሱስ ስለ ሕልና ኢልና፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ዝመልኦ ክርስትያናዊ ባህሪ እንዳ ኣርኣና ክንእዘዞም ከም ዘለና ይሕብር።

ለ. ኣብ መወዳእታ ክፋል ናይ ምዕራፍ 13 ውን፡ ንሓድሕና ክንፋቐር ከም ዘለናን፡ ንጐይታ ለቢስና፡ ብሓልዮትን ልግንስ ክንመላለስ ከም ዘሎናን ይምዕድ።

ምዕራፍ 14፦

ከም ተወሳኺ ናይ ክርስቲያናዊ ህይወት ዝኾነ ኣነባብራ፡ “ነቲ ብእምነት ድኹም ዝኾነ፡ ከይተከራኸርኩም ተቐበልዎ” ዝብል፡ ብዘይ ዝኾነ ፍርድን፡ ንዕቀትን ክንቅበሎምን፡ ቀስ ኢልና ከነበራትዖምን ከም ዝግባእ ኣጥቢቑ ይነግር።

ሀ. ንሰብ በረኣእያኡ ዘይምፍራድ

ለ. እቲ እንገብሮ ንጐይታ ኢልና ከም እንገብሮ(ሓጢኣት ዲዩ ኣይኮነን ኢልና) ምስትብሃል ከም ዝግብኣና

ሐ. ንሓድሕድና ብዘለና ርድኢት ምቕብባል

መ. ንገለ እኳ መዐንቀፊ ከይንኸውን ምጥንቃቅ

ሰ. “መንግስቲ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጎስን እምበር ብብልዕል መስተን ኣይኮነትን” ከም ዝብሎ፡ ብብልዕን መስተን ዘይምፍርራድ (ሮሜ14.7)

ረ. እቲ ዋና ነገር ንጐይታ ምእማን ምዃኑ ምስትብሃል

ምዕራፍ 15፦

ተማሳሳሊ መልእኽቲ ከም ምዕ 14 ኰይኑ፡ “ንሕና እቶም ብርቱዓት ዝኾንና፡ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር” ከም ዘለናን “ንርእስና ውን ባህ ከይነብል” ናይ ካልኦት ሓልዮት ኣብሊጽና ክንገድስ እናሓበረ፡ ”ከምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ እተቐበለኩም፡ ንሓድሕድኩም ተቐባበሉ” ኢሉ ይድምድም (ሮሜ15፡7-8)።

እምበኣርከስ፡ እዘን 4 ምዕራፋት፡ ሓደ ክርስትያን፡ ብንጽህና ስጋን፡ ብምልኣት መንፈስ ቅዱስን፡ ቅድም ምስ ክርስቶስ ከመይ ኢሉ ይነብር፡ ቀጺሉ ኸኣ ምስ ብጾቱ፡ ቀጺሉ ምስ መንግስቲ፡ ቀጺሉ’ውን ምስቶም ብእምነት ድኹማት ከመይ ጌሩ ሓድሕድ እናተቐባበለ ክነብር ከም ዝግብኦ፡ ነቲ ክርትያናዊ ህይወት ኣጒሊሑ ዘረድእ ክፍሊ ብምዃኑ፡ “ክርስትያን” ኢልና ፈሊናዮ።

ጉጅለ 3

ቀዳማይ መንገዲ፥ ሕጽር ዝበለ

ሮሜ 9-11 እስራኤል

ቅዱስ ጳውሎስ ንመልእኽቲ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፈሉ፡ እቲ ስለ እቶም ብስጋ ወገናቱ ዝኾኑ እስራኤል ዘለዎ ዘየባትኽ ሓዘን ኣብ ዝገለጸሉ ክፍሊ፡ ብዛዕባ መደብ ኣምላኽን እስራኤልን ብስፍሓት ዝትንትን ምዕራፋት ዝሓዘ ብምዃኑ እዩ።

እስራኤል ዘርኢ እቶም ሕሩያትን ህዝቢ ኣምላኽን ምስቲ ምዱብ ምኽሪ ኣምላኽ፡ ከም ዝተመሓላለፉ በቲ ክቡር እምኒ ከም ዝተዓንቀፉ፡ እዚ ኸኣ ንኣህዛብ ረብሓ ከም ዝኾነ፡ ማለት እስራኤል ጽድቂ ርእሶም ክሰርሑ  ክብሉ ካብ ጽድቂ ኣምላኽ ከም ዝወደቑ፡ ብሕርየት ግና፡ ሕጂ’ውን ተረፍ ዘርኢ ከም ዘለዎም፡ ኣምላኽ ከኣ ነቶም ብሓቂ እስራኤል ዝዀኑ ከድሕኖም ምዃኑ ዝነግር፡ ስለ ዝኾነ፡ ”እስራኤል” ኢልናዮ።

ሮሜ 12-16 ክርስቲያን

ነቲ ካብ ምዕራፍ 1 ክሳዕ 8 ዝተመሃርናዮ ሓቂ፡ ከመይ ጌርካ ብግብሪ ክትነብሮ ከም ዘለካ ዝዛረብ ክፍሊ እዩ። ንኣምላኽ፡ ኩለንትናና ሕያው መስዋእቲ ጌርና ከነቕርበሉ፡ ማለት

ሀ. በተሓሳስባና ክንሕደስ፡

ለ. ሓሳብ ኣምላኽ ክህልወና፡

ሐ. ምስ ኣሕዋትና ብፍቕሪ ክንነብር፡

መ. ጥቕሚ ካልኦት ከነቐድም፡

ሰ. ምስቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ብዝከኣለና ብሰላም ክንነብር፣

ረ. ንመራሕትን መኳንንትን ገጽ ኣምላኽ እና ረኣና፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ከነኽብሮም፡

ሸ. ንኹሉ ዘዝግብኦ ክንህቦ፣

ብሓፈሻ እታ ብተበጃውነት ክርስቶስ፡ ብማሕተም መንፈስ ቅዱስ፡ ካብ ኣምላኽ ዝረኸብናያ ህይወት፡ ከመይ ቢልና ንነብራ ዜርኢ ትሕዝቶ ዘሎዎ ምዕራፋት እዩ እሞ፡ ”ክርስቲያን” ቢልና ኣጽኒዕናዮ።

ካልኣይ መንገዲ፥ ንውሕ ዝበለ

ሮሜ 9-11 “እስራኤል”

1. ጳውሎስ ብዛዕባ እስራኤል ዓሚቝ ሓዘኑ ገሊጹ፡ ንፍሉይ ሓለፋታቶም፡ ንክርስቶስ ብስጋ ካብኦም ምውላዱ ሓዊሱ ስለ ዘብርህ። (ሮሜ 9፡1-5)

2. ሓቀኛ እስራኤል ብመብጽዓ ኣምላኽ እምበር ብስጋ ስለ እተውልደ ጥራይ ከም ዘይኮነ ስለ ዝገልጽ። (ሮሜ 9፡6-8

 3. ኢሳይያስ፥ እስራኤል ብዙሓት እኻ እንተኮኑ፡ ተረፍ ጥራይ ከም ዝድሕን ትንቢቱ ምፍጻሙ ስለ ዝነግር። (ሮሜ 9፡27-29)

4. እስራኤል ንሕጊ ጽድቂ እንዳደለዩ ብእምኒ መዓንቀፊ (ክርስቶስ) ምዕንቃፎም ስለ ዝነግር። (ሮሜ 9፥32-33)

5. እስራኤል ስኣን ፍልጠት ኣብ ክንዲ ብክርስቶስ ዝጸድቁ፥ ጽድቂ ገዛእ ርእሶም ብምድላዮም ጳውሎስ ስሊኦም ስለ ዝጽሊ። (ሮሜ 10፡1-4)

6. እስራኤል ንወንጌል ሰሚዖም ዘይምእዛዞም፥ ትንቢት ኢሳይያስ ዝፍጽም ምዃኑ ስለ ንርዳእ። (ሮሜ 10፡16-21)

7. ብእሙንነት እግዚኣብሔር ፥ ንእስራኤል ብጸጋ ዝተመርጸ ተረፍ ምህላዉ ስለ ዝጠቅስ። (ሮሜ 11፡1-5)

8. እስራኤል ብዘይካ ሕሩያት፥ ተሪ ልቢ ብመሰረት ትንቢት ምፍጻሙ ስለ ንርዳእ። ሮሜ (11፡7-10)

9. በደል እስራኤ። ብኣህዛብ ንከቅንኦምን ንህዝቢ ንምድሓንን ኮይኑ፥  መወዳእትኡ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ክባርኽ መደብ ምህላዉ ስለ ንርዳእ። (ሮሜ 11፡11-12

10. እስራኤል ብኣውሊዕ ተመሲሎም ስለ ዘለዉ። (ሮሜ 11፡16-24)

11. እስራኤል፥ ኣህዛብ ብምልኣት ድሕሪ ናብ ድሕነት ምጽንባሮም ከም ዝድሕኑ ምስጢር ብምግላጹ። (ሮሜ 11፡25-26)

12. እስራኤል ብወንጌል ጸላእቲ ንኣቦታቶም ብዝተኣትወ መብጽዓ ግና እግዚኣብሔር ከም ዘፍቅሮም ስለ ንርዳእ። (ሮሜ 11፡28-29)

13. ዘይምእዛዝ እስራኤል፥ ኣምላክ ንኣህዛብን እስራኤልን ምእንቲ ምሕረቱ ኼርኢ ምኻኑ ስለ ዘብርሕ። (ሮሜ 11፡30-32)

ብሓፈሻ ሮሜ 9-11 ንፍሉይ ተራ እስራኤል ኣብ መደብ ድሕነት ኣምላኽ፥ ፍሉይ መሰላቶም፥ ውድቀቶም፥ ብኸፊል ምትራሮም፥ ኣብ መወዳእታኡ ግን ከም ዚምለሱ፥ ኣጉሊሑ ስለ ዝምህረና፡ ”እስራኤል” ኢልናዮ።

ሮሜ 12-16 “ክርስቲያን”

1. ክርስትያናት ንስጋኦም ከም ህያው መስዋእቲ ከቕርቡን ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍላጥ ኣእምሮኦም ብምሕዳስ ክቕየሩን ስለ ዝምሕጸን (ሮሜ 12፡1-2)። 

2. ክርስትያናት ከም ኣካል ክርስቶስ ንዝተፈላለዩ መንፈሳዊ ውህበታት ብኣድማዒ መንገዲ ንኽጥቀሙን፥ ነፍሲ ወከፍ ንረብሓ ካልኦት ከበርክት ስለ ዝመክር።(ሮሜ 12፡3-8)

3. ክርስትያናት ብሓቀኛ ፍቕሪ ንሓድሕዶም ክውፈዩ፥ ክኽባበሩ፡ ክሕጐሱ፡ ንጸበባ ክዕገሱ፡ ብጸሎት እሙናት ክኾኑ ስለ ዝጽውዕ።(ሮሜ 12፡9-13)

4. ክርስትያናት ምስ ዘሳድድዎም ብስኒት ክነብሩ፥ ኣብ ክንዲ ሕነ ምፍዳይ ንእከይ ብሰናይ ክስዕሩን መምርሒ ስለ ዝህብ። (ሮሜ 12፡14-21)

5. ክርስትያናትን ምስ ሰበስልጣን ዘሎ ርክብ ገሊጹ። ከም ግብሪ ምኽፋል ዝኣመሰለ ግቡኦም ክፍጽሙ ስለ ዝእዝዝ። (ሮሜ 13፡1-7)

6. ክርስትያናት ንፍቅሪ ከም ንሕጊ ትፍጽም ብምርዳእ፥ ብሞራል፥ ቅኑዕ ህይወት ክነብሩ፡ ግብሪ ጸልማት ገዲፎም ብርሃን ክለብሱ ስለ ዘተባብዕ። (ሮሜ 13፡8-14)

7. ክርስትያናት ብኣመጋግባን ምኽባር መዓልታትን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ከይካትዑ፥ ንፍልልዮም ክቅበሉ፥ ንሓድሕዶም ከይፈረዱን ብኹሉ ንጐይታ ኣክቢሮም፥ እምነቶም ምሉእ ክከውን ስለ ዝምዕድ። (ሮሜ 14፡1-9)። 

8. ኩሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክብል ምዃኑ ስለ ዝሕብሮም። (ሮሜ 14፡10-12) 

9. ንሰላምን ሓድሕድ ምህናጽን ብምጽዋዕ፡ ንኻልኦት ከይዕንቀፉ ስለ ዘጠንቅቕዝ። (ሮሜ 14፡13-23)

10. ብርቱዓት ክርስትያናት ንድኹማት ክጸሩን ሓድነት ክህልዎምን ስለ ዘተባብዕ። (ሮሜ 15፡1-6)።

11. ክርስትያናት ከምቲ ክርስቶስ ዝተቐበሎም ንሓድሕዶም ኣይሁድ ኮነ ኣህዛብ ክሰማምዑ ስለ ዘተባብዕ።(ሮሜ 15፡7-13)።

12. ካብ ሮማውያን ክርስትያናት ናይ ጸሎት ደገፍ ስለ ዝሓትት (ሮሜ 15፡14-33)።።

13. ኣብ ሮማ ንዝርከቡ ክርስትያናት ብውልቂ ሰላምታ ብምሃብ፥ ንኣገልግለቶምን ዘለዎም ኣበርክቶን ኣፍልጦ ስለ ዝህብ (ሮሜ 16፡1-16)።

14. ክርስትያናት ካብ ዝፈላልዩ ናይ ሓሶት ሰባት ተጠንቂቆም፥  ሰናይን ንጽህናን ክደልዩ ስለ ዘተባብዕ። (ሮሜ 16፡17-20)

ብሓፈሻ ሮሜ 12-16 ንክርስትያናት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ብኸመይ ብተኣማንነትን ብስኒትን ክንነብሩ ከም ዝኽእሉ ሰፊሕ መምርሒ ዝህባ ኮይነን፡ ፍቕሪ፡ ሓድነት፡ ትሕትና፡ ትጉህ ኣገልግሎት ስለ ዘጉልሕ፡ ”ክርስትያን” ኢልና ሰሚናዮ።

ጒጅለ 4

ሮሜ 9-11 - እስራኤል ኢልና ዝኸፈልናሉ ምኽንያት፡ እዚ ኽፍሊ እዚ ብዛዕባ መደብ ኣምላኽ ኣብ ድሕነት እስራኤል ጸቒጡ ዚዛረብ ብምዃኑ ኢዩ።

-        ኣብ ምዕራፍ 9 ኣብ ሕሉፍ ተስፋን፡ ኪዳንን ሕግን ከም ዚሃቦም፡ (9፡4-5፣ 9፡11) ንሳቶም ግና ንጽድቂ ካብ ግብሪ እምበር ካብ እምነት ስለ ዘይደለይዎ ከም እተዓንቀፉ (9:31-33)  

-        ኣብ ምዕራፍ 10 ክርስቶስ መደምደምታ ሕጊ ንጽድቂ ብምዃን ንዚኣምን ዘበለ ድሕነት እኳ እንተዀነ፡ እስራኤል ግና ዘይእዙዝን ተቓዋምን ህዝቢ ምዃኑ (10፡21)

-        ኣብ ምዕራፍ 11 ድማ ኣህዛብ ብዘይምእዛዝ እስራኤል ከም ዚተማሕሩ፡ ዋላኳ ሕጂ ጸላእቲ ወንጌል እንተዀኑ ንመጻኢ ኵሎም እስራኤል ከም ዚድሕኑ ይዛረብ።

እምበኣርከስ፡ በዚ ዝተቕሰ ምኽንያት፡ ቀንዲ ዛዕባ ናይዘን ሰለስተ ምዕራፋት “እስራኤል” ብምዃኑ፡ ነዚ ኽፍሊ እዚ ኸኣ፡ “እስራኤል” ኢልና ከፊልናዮ። ብተወሳኺ “እስራኤል” ዚብል ቃል ኣብ ምሉእ እቲ መልእኽቲ 10 ሳዕ ዚተደጋገመ ኪኸውን ከሎ፡ ዓሰርቲኡ ኣብዘን ሰለስተ ምዕራፋት (ሮሜ 9, 10, 11) ኢዩ ዚርከብ። በቲ ድማ “እስራኤል” ዚብል ቃል ሓደ ካብቶም “ቁልፊ ቓላት” ብምዃኑ፡ እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ናይዘን ምዕራፋት ብዛዕባ እስራኤል ምዃኑ የረድእ።

ሮሜ 12-15 - ነዚ ኽፍሊ ክርስትያን ኢልና ዚፈለናሉ ምኽንያት፡ ሓደ ክርስትያን ከመይ ኪነብር ከም ዘለዎ ብዝርዝር ዚዛረብ ብምዃኑ ኢዩ።  

ሀ. ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ብምዃንና (12፡4-5)

ለ. ከከም ጸጋና ክንዓዪ (12፡6-8)፡

ሐ. ንዅሉ ብፍቕሪ ክንገብሮ (12፡9-21)፡

መ. ንሰብ ስልጣን ክንእዘዝ (13፡1)፡

ሰ. ንሓድሕድና ክንፋቐር (13፡8)

ረ. ከይንፈርድን (14፡1-23)

ሸ. ንብጻይና ክንሃንጾን ( 15፡1-6) ከም ክርስትያን ከመይ ኢልና ክንነብር ከም ዘለና ይምዕድ

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ዘቄሳር ለእግዚአብሔር

Next
Next

ንቡር ክርስትና፡ ሃዲምናዮ ዲና ሃዲሙና