ግጥሚ

ጻዕዳ እግሪ

”እንታይ ኰን ሓሲቡ ፈጣሪ

ብጸሊም ዘርገጾ፡

ነዚ ጻዕዳ እግሪ፧!”

ኣስተንኪሩ፡

ስእሊ ሚኪኤል ዘኪሩ፡

ወደ’ኮይ ጸሊማይ፡

ሰማይ ተዓዚሩ። 

09 ጥቅምቲ 2023

ናበይ ወዲቓ፧

ዳሜራ ስቓይ፡

ቃል-ቃል፡ ነዲዱ ሓዊ

መን’ዩ’ሞ ዘእዊ፧

ደሰቕቲ ከበሮ፡

ደፋኒ ኣእምሮ፡

ስሒሎም ጐረሮ

ይዘሉ፡ ይጭድሩ

ድማ . . .

መስቀል ከም ዝጾሩ

መስቀል የንጠልጥሉ

30 መስከረም 2023

መንከሽከሽ

ከሽካሺ ከይንብለካ

ዘይሞያኻ

መኸሽከሺ ከይንብለካ

  ዘይባህሪኻ

ሕምየት ከይተርፍ ድዩ

”መን” መምረጺኻ፧

22 መስከረም 2023

*ከሽካሺ-ንኽዳን ብደቂቕ ዓጻጺኡ ዝሰፊ
መኸሽከሺ- ዓለባ ዓጻጺካ ንምስፋይ ዚኸውን ነገር (ዘመናዊ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ብትግርኛ)

ዳዕሮ ኸ እንታይ በለት፧

ሰራዊተ መላእክቲሁ፡ የ፡ የ፡ የ
ዜማን ቍዝማን ተሓናፊጹ

እቲ ቕዱስ ቦታ፡ ምሒር ተናዊጹ

ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን

ኣሃዱ እናተባህለ፡ ብጥዑም ልሳን

ገስገሰት፡ ኣሃዱ ጥፍኣት፡

ኣይፋል ናብ ሰብ ብረት

ናብቶም ሰብ ኣስኬማ

ዓቀይቶት ክትገብሮም

ብረት ኣሰኪማ!

እንታይ በለት ዳዕሮ፡ ዳዕሮ ዓደ-’ቦና

ረኸበትሉ ዶ፡ መግለጺ ስኢና!

ሰራዊተ መላእክቲሁ፡ የ፡ የ፡ የ

4 መስከረም 2022

እኳን እኮን

ለለ ለለ ለለ

ኳ ዶ ውሒዱካ

ላል ተብለኒ

ኮ እናጸምበርካ

”ናትካ ኮ” ትብለኒ

”ናትካ’ኳ” እንከሎካ

ፍልልይ እኳን እኮን

”ንቐለብ’ኮ ገንዘብ ኣይረኸብናን” ምባልን ”ንቐለብ’ኳ ገንዘብ ኣይረኸብናን” ምባልን ፍልልይ እንተልይዎ እስከ ንሕሰብ።

”ንቐለብ’ኮ ገንዘብ ኣይረኸብናን” ማለት፡ ነቲ ክንረኽቦ ተጸቢናዮ ዝነበርና፡ ንቐለብ ዝኸውን ገንዘብ፡ ኣይረኸብናዮን ማለት ክኸውን ከሎ፣ ”ንቐለብ’ኳ ገንዘብ ኣይረኸብናን” ማለት ግና፡ ይትረፍ ዶ ንኻልእ ዝኸውንሲ፡ ንቐለብ ዝኸውን’ውን ገንዘብ ኣይረኸብናን ማለት’ዩ። ስለዚ ”ዘሎና የብልናን” ንምባል እንተተደልዩ፡ ኳ ደኣ’ምበር፡ ኮ ተጠቂምና ክንገልጾ ኣይግባእን። ”ንቐለብ’ኳ ገንዘብ ኣይረኸብናን” ድማ ንብል።

ጉባኤ ጸዊዕናን ዕዱማት ከኣ ክመጹ ምዃኖምን ርግጸኛታት ኴንና ኣብ እንጸባበየሉ፡”ሓደ’ኳ ኣይተቐልቀለን” ምባል፡ ፍጹም ዝተቐልቀለ ሰብ ከም ዘይነበረ ዝሕብር ክኸውን ከሎ፡ ናይ ዘይቕልቃል ወይ ናይ ዘይምምጻእ ሓበሬታ ደኣ እምበር፡ ትጽቢት ምንባሩን ዘይምንባሩን ዘንጸባርቕ ኣይኰነን። ”ሓደ’ኮ ኣይተቐልቀለን” ምባል ግና፡ ኣቐዲሙ ትጽቢት ከም ዝጸንሐ’ዩ ዘመልክት። ምግራም እተሓወሶ፡ ኣንጻር እቲ ትጽቢት ዝዀነ፡ ማንም ዝተቐልቀለ ከም ዘይነበረ ንምግላጽ ከኣ ንጥቀመሉ። ”ሓደ’ኮ ኣይተቐልቀለን!” ድማ ንብል።

መወከሲ

ተክአ ተስፋይ ዘመናዊ መዝገበ ቃላት ትግርኛ  (ኣሕተምቲ ሕድሪ 2011 ኣስመራ)    

ቂምታን ቀምታን

ዕምሪ ቂምታ፡

ክንዲ ዕምሪ ቀምታ

እንተዝዀነለይ፡

እወ እንተዝዀነለይ

ቂምታ-ኣልቦ ቀምታ፡

ድቃስ ክጥዕመለይ

11 ሰነ 2023

ሸይበ

ኢድ ከም ዝሓወስኩ

ክጕይተት ኣስተብሂሉ

“ወለል ሲ ብኹታኻ ደኣ

ጸረር ሲ ብጠስምኻ ደኣ”

ዘሚሩለይ ጸጕሪ

ንሱ ዝሸየቦ፡

ብውምሳደይ ክብሪ

ባሕቲ ሰነ 2021

ረፈረንደም

ካብቲ ብሉጽ ሲ፡ እቲ ዝበለጸ

እቲ ኽዑው ደም፡ ገና ከይነቐጸ

“ንዓ ጽነት” ዶ “ናጽነት” የ ኣድሚጸ፧!
20 ግንቦት 2023

ሓደርኪ ቅድስቲ

ሓደርኪ ቅድስቲ

ሓደርኪ ኸኣ ብጭር

ሓደርኪ’ውን ዋሽቲ

መጋብሮኽን እከይ

ግናኸ ጸወምቲ

እሞ ከመይ ኣሎ

ምቝጻር ሰናብቲ፧!

14 መጋቢት 2021

ዋዛ

ከምታ ብጊሓቱ

ዋዛ፡ ዋዛ’ምበር

ዋዛስ፡ ዋዛ ኣይኰነን

እንሆ’ኳ የስሕቐና

ምስ ጊዜ ኣይወገነን

20 ሓምለ 2023

ሞተ ነውሪ

እቶም ቀባሮ፡ ኰይኖም ደባሎ

ጸወርቲ ሬሳ

ሰብ ቅልጽም፡ ሰብ ብርኪ

ዕልል እናበሉ፡

ፍስሓ ሰላም ኣብ ገጾም ዓሲሉ

ኣብቲ ሓመድ-ድበ

ታሪኽ ህይወት እናተነበ

ነበረ’ያ ነበረ. . .

እቲ ዝሙት፡ ሓጢኣት ነበረ

እቲ ርኽሰት፡ ሓጢኣት ነበረ።

2 ጥቅምቲ 2020

መሽረፈት

ሰብኣይ፡ መሽረፈ

ሰበይቲ፡ መሽረፈት

ንሳቶም፡ መሽረፉ

ንሕና’ውን መሽረፍና

ርዝንዝን ከም ወርቂ

ትርንዕንዕ ከም ሓቂ

እንተዘይመሪጽና

2 ሰነ 2020