ክምህሩኒ ዕድል ክረክብ ከለኹ፡ ከሕርሮ ኣይደልን- ግርማይ ደበሳይ

  1. 1. ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታትን ኣብ መጽሓፍትኻን፡ ንወለድኻ ብኽብሪ ትዝክር ኢኻ’ሞ፡ ፍልይ ዝበለ ምኽንያት ኣሎዎ ድዩ፧

ኣደይ፡ ናብዚ ዓለም ክትመጽእ ከላ፡ ጸባ ወላዲታ፡ (ሮማ ተኽለ)፡ ኣይለኸፈትን። ነዚ ከቢድ ዓለም፡ ምስ ክንድዚ ዝዕብየቱ ፈተነ፡ እያ ኣትያቶ። ብፍቓድ እግዚኣብሔር ትዕበ፡ ዝበሉ፡ ለዋሃት እንዳ ኣባሓጎኣ ስለ ዝረኸበት ግና፡ ነቲ ስም ለቢሳ፡ ዓብያ። ኣደይ፡ ጸጋን ሓይሊን ዝመልኦ፡ ፍቕሪ ሰብ፡ ዘለዋ ብርኽቲ እያ። ኣብ ምሉእ ህይወተይ፡ ነደይ ዝጸልኣ ሰብ ርእየ ኣይፈልጥን። ምስ ኣደይ ክጻላእ፡ ሰብ: ዕድል ክረክብ ኣይክእልን እዩ። ንዓና ንደቃ ኸኣ እሞ፡ ክሳባ እታ ታኒካ ማይ፡ ኣብ ኣፍና ኣምጺኣ ኣስትያ፡ እዚ ኢለ ዘይገልጾ፡ ለውሃትን ቅብጥሮትን ሂባትና። ኣብ ነዊሕ ጉዕዞ ህይወታ፡ ብዙሕ ጥዕና ኣይረኸበትን። በዚ ኸኣ ብዙሕ ተሃሲና ኢና: ንሳን ንሕናን። ጓል እዝግሄር ስለ ዝኾነት ግና፡ ንኹሉ ኣስጊሩ ሎሚ፡ ንዝሓለፈ ቐይሩ፡ ጥዕና ሂቡ፡ ደቂ ደቃ ኣሕቊፉ፡ ምልእቲ ዓለም ከም ትርኢ ኣብቂዕዋ፡ ክብሪ ንዕኡ ይኹን። ኣብ መሪር ጉዕዞ ህይወታ፡ ብዋጋ ንእስነተይ ዓቕመይ ዝፈቐዶ ደኺመ፡ ሎሚ ኣብ ከምዚ ደረጃ በጺሓ ክርእያ ከለኹ፡ ዕረፍቲ ይስምዓኒ።

ናብ ኣቦይ እንተሰጊረ ኸኣ፡ ከምቲ ኣብታ፡ ”ላዛ ስድራ”፡ ዘርእስታ መጽሓፈይ ገሊጸዮ ዘለኹ፡ ኣቦይ ማለት ስራሕ ማለት እዩ። ብስራሕ እዩ ዝዛረብ፡ ስራሕ እዩ ቋንቋኡ። ኣብ ነዊሕ ጉዕዞ ህይወቱ፡ ንብዙሕ፡ ኣዝዩ ብዙሕ መድረኻት፡ ብስራሕን ዘይምሕላልን ጥራይ እናሰዓረ፡ ኣብ ዝበረኸን ጻጋ ዝመልኦን ህይወት፡ በጺሑ ኣሎ። ኣቦይ ንትምህርቲ ብጽምኣት እዩ ዝፈትዎ። ስራሕን ትምህርትን ብዝብሃላ: ናውቲ ህይወት: ኣሚኑ ኸኣ፡ ኣብ ዝወፈርካዮ ነገር: ቀዳማይ ክትከውን ኣሎካ ይብል፡ ይነብረሉ ኸኣ። ናብ ኣመሪካ ዕድመ ደፊኡ ኣትዩ ክንሱ፡ ብርእሱን ብብስለትን፡ ከም መንእሰይ እናጎየየ ህይወቱ ይመርሕ ኣሎ። እዚ፡ መለክዒ ዘይብሉ ሓበን ይፈጥረለይ። ንኹሉ ስብእነት ኣቦይ ግሕጥ ኣቢለ ክወርስ፡ እጋደል፡ ዝክኣል ግን ኣይመስለንን። ስለዚ፡ ወለደይ ብፍቕርን ስራሕን ከም ኣርኣያ ስለ ዝርእዮም አየ፡ ኣብዚ ዝተላዕለ ሓሳብ ብቐጻሊ ዝጠቕሶም።

  1. 2. ኣብ ጋዜጠኝነታዊ ኰነ፡ ኣብ ካልኦት ርክባትካ፡ ሓደ ዝዓይነቱ መስመር ህይወት ሒዝካ ዘለኻ ኮይኑ ይስምዓኒ፡ ብዛዕባ’ዚ እንታይ ትብል፧

ኣነ፡ ክሰርሕ፡ ምስ ነብሰይ ክተሃላለኽ፡ ከምኡ’ውን ካብ ዝኽእሉ ሰባት ክምሃር፡ ዝተሞኮርኩዎ ህይወት ከኣ ምስ ዝኸማይ ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ኤርትራውያን ኣሕዋተይ ክማቐል እፍትን። ዝበዝሐ ኣነ ዝፍትኖ ነገር፡ ቍጽሪ ካብ ዘይብሎም ኣሕዋትን ኣሓትን እየ ተማሂረዮ። ስለዚ ካብ ሰብን ካብ ከባቢየን ክምሃር እቃለስ። ተፋቒርካ፡ ደም እናሸንካ ሰሪሕካ፡ ንኹሉ ኸኣ፡ እናተማቐልካስ፡ ፍረን ሰላምን ዘሎዎ መገዲ ምኻድ፡ ይክኣል እዩ፡ ኢለ እኣምን።

  1. 3. ምስ ቋንቋ ፍሉይ ፍቕሪ ዘሎካ ትመስል፡ ብዛዕባ’ዚ ኸ፧

ከምቲ ክብሎ ዝጸናሕኩ’ዩ። ሰባት ክምህሩኒ ዕድል ክረክብ ከለኹ፡ ነቲ ዕድል ከሕርሮ ኣይደልን። ስለዚ ብኸምኡን ካልእ ንዕኡ ዝመስል ተመክሮታትን ዝመጸ እዩ። ኣብ ዓረብኛ ንኣብነት፡ ካብ ሓወይ ኣደም ዒቴል ኣትሕዝካ፡ ብምልኦም እቶም ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ክፍልታት ዓረብኛ ዝሰርሑ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ኣሕዋተይ፡ ንኽምሃር ሓጊዞምኒ እዮም። ብሳላ እዚ’ውን፡ ኣዝዩ ዓብዪ ሕውነት ረኺብና ኢና።

  1. 4. ራድዮ ሰገን ጀሚርካ፡ ሕጂ ኸኣ ናብ መስኮት ሰገን ትሰግር ኣሎኻ፡ እንታይ እዩ እቲ ዕላማ፧

ጽባቐ ሕብረተሰብና ንምንጽብራቕ። ካብቲ ሕብረተሰብ ወሰንቲ ምዕራፋት ህይወት ምውሳድ። ሓድሕዳዊ እሂን ምሂን ምብህሃል ከም ዝህሉ ጌርካ፡ ሓድሕድ ምትህንናጽ።

  1. 5. ሎሚ ኣብ ስደት ኣሎኻ፡ ንድሕሪትን ንቕድሚትን ተመላሊስካ ክትርኢ ከለኻ እንታይ ትሓስብ፧

እንታይ እሞ ክሓስብ እየ። ሕጂ እውን ከም ቀደም ድንን ኢለ ክሰርሕ፡ ቦታ ብዘየገድስ፡ ከምታ ዝነበርክዋ ክቕጽል፡ እሰርሕ። ስደት፡ ክትውስኖ ከቢድ፡ ክትቅጽሎ ከቢድ፡ ክትፋነዎ ኸኣ ከቢድ እዩ። ንመጻወድያ ስደት ብፍቓድ ኣምላኽ ክስዕር ግና፡ ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ ሓይለይ፡ እጋደል። ስለዚ ካብ ኣብ ሓሰብ (ሪፍለክሽን)፡ ስቕ ኢለ እየ ዝምሃር ዝሰርሕ። ወጽኢትን ጻማ እቲ ድኻምን ግን፡ ንዓይ ዝምልከት ኣይኮነን። ኩሉ ናይ ኣምላኽ’ዩ። ዛጊት ብዝሃበኒ በረኸት ከኣ፡ ደረት ዘይብሉ ምስጋና እዩ ዘሎኒ።

  1. 6. ቅድሜና ዝነበሩ፡ ንሕናን እዞም ካባና ዝንእሱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኣብ ሓደ መስመር ህይወት ዘለና ዶ ይመስለካ፧

ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ነናቱ መዚ እዩ ዝገብር፡ ዓበይቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ብዋጋ ህይወቶም፡ ዘወፈይዎ ነገር ኣሎ። ንሕናን ደቅናን ከኣ ነናትና ግደ ክንገብር ኢና። እታ መስመር ገግዴኻ እናገበርካ እያ መመሊሳ ንቕድሚት ክትሕንጸጽ እትኽእል፡ ከምዚኣ እየ ክብል ዝኽእል።

  1. 7.ዝለዓለ ኣርኣያ ህይወትካ መን እዩ፧

ማእለያ የብሎምን። ንታሪኻዊ ተቐዳዳማይ ብሽግሌታ ኤርትራ፡ የማነ ተኸስተ (ገበል) ዝዳረግ ኣርኣያ ግና የብለይን። ኣነ ዝሓለፍክዎን: ዘለኽዎን ህይወት: ዝያዳ ምስ ትምህርቲ እዩ ዝተኣሳሰር። ህይወት የማነ ግና፡ ኣብ ስፖርት እዩ ነይሩ። እንተኾነ፡ ህዝቡ ዘፍቅር፡ ክዕወት ከሎ ዝስሕቕ፡ክወድቕ ከሎ እውን ከምኡ እናስሓቐ ዝትስእ፡ ንዝተጻብእዎ፡ ከም ዘይተጻብእዎ ቈጺሩ መገዱ ዝቕጽል ሰብ ብምንባሩ፡ ካብ ግዜ ቁልዕነተይ፡ ኣብ ትምህርተይ፡ ሎሚ ኸኣ ኣብ ግብራዊት ዓለም፡ ብልቢ ዘፍቕሮ ምልክታዊ ኣርኣያይ ኰይኑ፡ የሳልየኒ እዩ። እዚ ሎሚ ብቕድድም ብሽግሌታ ንረኸቦ ዘለና ደስታን ኣብነት፡ ምንጩ፡ የማነ ተኸስተ እዩ። ኣብነት ክህበካ፡ የማነ ተኸስተ ንዮናስ ዘካርያስ (ሓላባይ) ኣሰልጢኑ፡ ዮናስ ከኣ እንሆ፡ ነዚ ኣብ ዝበረኸ ደረጃታት ዓለም "ክሕስ" ኣቢሉና ንዘሎ፡ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፡ ፈጢሩ። ሓደ ኣርኣያ ጥቐስ ስለ ዝበልካኒ፡ ኣብ: "እቲ ፈላሚ: ስም ኮኾብ ኣፍሪቃ": ዝዀነ: ዓብዪ ታሪኻዊ ሰብ፡ የማነ ተኸስተ፡ደው ክብል። ኣብ ካልእ ህይወትን ዓውድታትን ዘለዉ ኣርኣያታተይ ግና ቍጽሪ የብሎምን።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ገጣሚ ሃይለ ቢዘን

Next
Next

ንኣካሉ ኣድመቖም “ዘሪጋ” ሰምየዮ፦ ይስሓቕ ኣብርሃም