ሸው-ሓሸው መንፈሳውነት

በየነ ሃይለማርያም ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኣለም-በቃኝ ኣብ ዝነበረሉ ብ 1985፦

ኣሎ እዋን ኣሎ ግዜ

ቢልካ ቢልካ ሓሸውየ

ወትሩ ቁዛም ወትሩ ወየ

. . .

ንስኻ ትነድቕ

ደድሕሬኻ ይወድቕ።

ቢሉ ገጠመ።

”መሲእካ ፈቲግካ፡ ኩሉ ይዝረገካ” ቢሉ ዘስተንተነ እቲ ገጣሚ፡ ”ሓሲብካ ዘቚቕካ፡ ከቶ ነይሰልጠካ” ብምባል’ውን ኣብታ ግጥሚ የስቈንቍን’ዩ።

ናብ ዝደለኹሞ ኣንፈትን ቤተ እምነትን ጠምቱ፡- ከምቲ ብነብዪ ኢሳይያስ ዝመጸ ቃል ዝብሎ፡ ”ኲሉ እቲ ርእሲ ሕሙም፡ ኲሉ እቲ ልቢ ሕሉል” ምዃኑ ንምስትብሃል፡ ጊዜ ኣይክወስደልኩምን እዩ። ”ካብ ከብዲ እግሪ ክሳዕ ርእሲ፡ ገለ ጥዑይ የብሉን። ዘይተጠወቐን ዘይተዘነነን ብቕብኢ ዘይለስለሰን፡ ኣቝሳልን ስምብራትን ሓድሽ መውቃዕትን ጥራይ እዩ። ሃገርኩም ባዲማ፡ ከተማታትኩም ብሓዉ ነዲደን፡ ንግርሁኹም ጓኖት ኣብ ቅድሜኹም ይውሕጥዎ፡ ጓኖት ከም ዘፍረስዋ ኸኣ ባደመት። ጓል ጽዮን ድማ ከም ዳስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ከም ጎጆ ኣብ ግራት ብርጭቕ፡ ከም እተኸበት ከተማ ዀይና ተሪፋ አላ፡ (ኢሳ1.5-8)።

ኣብቶም ሓደ ርድኢት ኣሎና እንብሃል’ውን ብሓደ ራእይ ክንሰምር ዘይንኽእል ምዃንና፡ ምስ እተስተብህል፡ ምስጢር እቲ ገጣሚ በየነ ”መሲእካ ፈቲግካ፡ ኩሉ ይዝረገካ” ዝብሎ፡ ብቐሊሉ ይስወጠካ።

ዓባቕ ማንቲለ፡ ኣይትልገብኒ

ብቕኑዕ ወንጌል ክንከይድ ኢና ቢሎም ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ርእሶም ዝገለሉ፡ ሓደው ብመራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ተገፊዖም ዝወጹ፡ ታእላው የብሎምን። ኵላቶም፡ ኣብ ሓደ ደምበ ጥርንፍ ቢሎም ከድምዑ ዘይከኣሉሉ ምኽንያት ግና፡ ኪንዮ ዘይተገዝረ ስጋውን ዓለማውን ድሌት እንተዘይኰይኑ፡ ካልእ እንታይ ትርጉምን እንታይ መመኽነይታን ክርከቦ ይኽእል፧! ኣብ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣሃዝ ናብ 40 ዝኣኽሉ ማሕበራት ተገማጊሙ ክትሰምዕ፡ ካብዚ ንላዕሊ ዘጕሂ ካልእ እንታይ ክህሉ ይኽእል፧! ሓደሕድ እናተፈናፈንካስ ያኢ፡ ንብዙሓት ንምድሓን ዝኸውን ልኡኽ ወንጌል’የ ክትብል፧! ኣንታ ሓኪም፡ ኪድ ቅድም ንርእስኻ ፈውስ!!

ካልእ ዘሕዝን ተርእዮ ድማ፡ ሰብ ታእላው ዘይብሉ ጸጋ ተቐቢሉ (ንዓመታት ቃል ኣምላኽ ተመጊቡን ራእይ ተሰኪሙን) ከብቅዕ፡ ኣብ ቤት ካልእ ከይዱ ጭንን ክብል ምርኣይ እዩ። እቲ ምኽንያት ቀሊልን ርዱእን እዩ። እቲ ብቓልን ጸሎትን ጽቡቕ ተሃኒጹ ዝጸንሐ መጓሰ፡ እቲ ዝለመዶን ዘዕበዮን ኣገባብ ኣጸላልያ፡ ቃል ኣምላኽ፡ መዝሙር ሕብረት ወዘተ፡ ኣብ ባይታ ምስ ሰኣኖ፡ ግድን ናብ እንዳ ጐረቤት ከይዱ ቈልመጽመጽ ይለምድ። ብደም ክርስቶስ ዝተጠርየ መጓሰ ኣምላኽ፡ ከምዚ ትኹል ቃል ኣምላኽ ጌሩ ብቕንዕና ዝጓስዮ ስለ ዝሰኣነ፡ መጻወቲ ተዃሉ ኰይኑ ካብ ምርኣይ ዘሳቒ፡ ካልእ እንታይ ክህሉ ይኽእል፧!

ሰብ፡ ነቲ ቃል ሓቂ እናፈለጦን፡ ክዛረብ ከሎ ምስጢራት ክገላልህ እናኸኣለን ክንሱስ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ግና፡ ኣብ ማይ ከም ዝኣተወት ኣንጭዋ ህጣሙ ዘጥፍእ፡ ከኣ ኣሎ። እዝን እትን ክንገብር ኢና ቢሉ ዕፍር ከም ዘይጸንሐ፡ ምልስ እንተበልካ ግና፡ ኣብ ቃሉ ዘይርከብ። ምሳኻ ካልእ ብድሕሬኻ ድማ ካልእ! ካምዚኣቶም ካብ ምርኣይ ዘጕሂ ኸ፡ ካልእ እንታይ ክህሉ ይኽእል፧!

ገለ ሰብ ከኣ፡ ንክርስቶስን ንዓለምን ብማዕረ ከሐጉስ ዝጽዕር’ዩ። ወንጌል ክሰብኽ ይደሊ፡ ግናኸ ”ሰብ ከይብለኒ” ብዝብል (ብቐንዱ ግና ተቐባልነት ምእንቲ ክረክብ) ጸረ ወንጌል ኣብ ዝዀነ’ውን ንምስታፍ ድሕር ዘይብል! ተውለ!!

ትርጉም ምንቕቓሕ

መብዝሕትኡ ሰብ፡ ንመንፈሳዊ ምንቕቓሕ፡ ብቐንዱ ብሓድሕዳዊ ፍቕሪ፡ ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ብምዃን ወዘተ ዘይኰነ፡ ብትእምርትን ተኣምራትን’ዩ ክልክዖ ዝፍትን። ምሕዋይ ሕሙማትን፡ ትእምርትን ተኣምራትን እንተሎ፡ ምንቕቓሕ ከም ዘሎ ጌሩ ዝርዳእ፡ ታእላው የብሉን። ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ግና ንምንቕቓሕ ስዒቦም ክገሃዱ ዝኽእሉ ደኣ እምበር ብሱሩ መለለዪ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ ኣይኰኑን። ኣብ በዓለ ሓምሳ (ግብረ ሃዋርያት 2) ምድሓን ነፍሳት ደኣ እምበር፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኣይንርእን ኢና።

ሓቀኛ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ፡ ኣብ ህይወት ዘልኣልም ዘተኰረ፡ ንጐይታ ኢየሱስ ዘማእከለ፡ ኣንነትን ፍትወትን ዓለምን ዝቐበረ ስብእና ዝንጸባረቐሉ’ዩ። ኣብኡ፡ ንበይነይ፡ ናተይ፡ ናይ ብሕተይ ዝብሃል መገዲ የልቦን። ልሉይ መፍለይኡ ድማ፡ ንስሓን ምምላስን ኰይኑ፡ ካብ ዓብዪ ክሳዕ ንእሽቶ፡ እንተድለየ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ብጾምን ጸሎትን፡ ብንስሓን ንብዓትን፡ ገጽ ኣምላኽ ዝደሊ፡ እወ ቅድም (ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን) መንግስቲ ኣምላኽ ዘቐድምን እዩ።

መደምደምታ

መንፈሳውነትን ምንቕቓሕን ንምርዳእ፡ ግብረ ሓዋርያት ምዕራፍ 2 ጥራይ ምንባብ ኣኻሊ'ዩ። ኣብኡ እቲ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ፡ ስዒቡ ዝመጸ ውጽኢት፡ ምስ ነበብካ፡ ትርጉም ሓቀኛ ምንቕቓሕ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣይክትስሕቶን ኢኻ።
ስብከትን ብዝሒ መዛሙርን፡ ብዝሒ ጉባኤታትን፡ መልከዒ ቅኑዕ መንፈሳውነት ክኸውን ኣይክእልን'ዩ። መዝሙርካ 7 ሚልዮን ርእየት ረኺባ ማለት፡ መንፈሳውነትካ ውሕስነት ረኺቡ ማለት ኣይምሰልካ!
ሕብረት ኣሕዋት ኣሎካ ዶ፧ ኣብታ ዘለኻያ ሕብረት ብቐጻሊ ኣብ ጸሎትን ቃል ኣምላኽን ትሳተፍ ዶ፧ ወይስ ዓባቕ ማንቲለ ኣይትልገብኒ ኢኻ እትጻወት፧! ጾር ምድሓን ነፍሳት ኣሎካ ዶ፧ ንንስሓን ምምላስን ድሉው ልቢ ኣሎካ ዶ፧ ዘሎኻዮ ሕብረት፡ ንስሓ ዘይብሉ፡ ምምላስ ዝብሃል ዘይብሉ፡ ወትሩ ብትዕቢትን ብንኺድን-ንኺድን ጥራይ ዝሃዝረጠ እንተዀይኑ፡ እንሆ እዚ መልእኽቲ እዚ ናብ ዓይነ እዝንኻ በጺሑ'ሎ።

እናስተንተንካ ዝስማዕ መዝሙር

ምንቕቓሕ ለኣኸልና፣ ምብጻሕካ ንጽበ’ሎና፡ እታ ሕያወይቲ እታ ትባርኽ፡ ኢድካ ዘርግሓያ ምርኮ ክትማርኽ!
እግዚኣብሄር ይባርኽኩም!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

“ሞት ክትመውት ኢኻ” “ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም”

Next
Next

ፍልልይ እኳን እኮን