ፍልልይ ደርፍን መዝሙርን
ንደርፊ፡ ደርፊ ዘብሎ፡ ንመዝሙር ከኣ መዝሙር ዘብሎ ረቛሒ እንታይ እዩ፧ ሻሕ፡ ሻሕ፡ሻሕ… ትቈሎ እስከ እታ ቡን።
ኣወል፡
ቅዱስ ዳዊት፡ ሰበይቱ ሚካል ክሳዕ እትንዕቆ ኰይኑ፡ ብምሉእ ሓይሉ ንእግዚኣብሄር ይስዕስዕ ነበረ (2ሳሙ 6፡14-16)። ብምሉእ ሓይልኻ ዘሳዕስዕ መዝሙርሲ፡ እንታይ ዓይነት ዜማን እንታይ ዓይነት ትሕዝቶን ኮን ኔርዎ ይኸውን፧!
ኣብ መዝሙረ ዳዊት መበል 150፡ “ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል ኣመስግናዎ፡ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግናዎ” ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። ኣብ ሞንጐ እቲ ጭል-ጭል ዝብል ጸናጽልን፡ ኣብ ሞንጐ እቲ ጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽልን ዘሎ ፍልልይ ርዱእ ክንሱስ፡ እቲ ጽሑፍ ግና፡ ብኽልቲኡ ኣመስግናዎ በለ። ስለምንታይ’ዩ፡ እናበልኩ ክሓስብ ደልየ’ለኹ።
ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ “ዕያግ ርኽሰት” ብምባል ብዛዕባ ጓይላ ጽሒፍዎ ናብ ዘሎ ጥቕሲ እምበኣር ንስገር። “እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፡ ብስኽራን፡ ብጓይላ፡ ብመስተ፡ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸሎኹም፡ ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሐለፈ ዘመን ይኣክል፡” እዩ ዝብል እቲ ጽሑፍ፡ (1ጴጥ4፡3)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ ነዚ መልእኽቲ እዚ ብምድጋም፡ “ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ … እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዝገብሩ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም ኣሎኹ፡” ብምባል፡ ንሰብ ገላትያ ኣጠንቀቐ (ገላ5፡20)።
እቲ ምስ ቅትለትን ስኽራንን ተመዓራርዩ ዘሎ “ጓይላ፡” ኣየናይ ጓይላ ኾን ይኸውን፧! ንመንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምእታው ክኽልክል ብዛዕባ ዝኽእል ተግባር፡ ንዛረብ ምህላውና፡ ኣይትዝንግዑን ትዀኑ! (ገላ5፡20)።
ናብ ሳዕስዒት ዳዊት ንመለስ። “ዳዊት ከኣ ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይስዕስዕ ነበረ፡ … ዳዊትን ብዘላ ቤት እስራኤልን ከኣ ንታቦት እግዚኣብሄር ብእልልታን ብቓና መለኸትን ኣደየብዎ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ክአቱ ኸሎ፡ ሚካል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ፡ ንጉስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪሰርርን ኪስዕስዕን ከሎ ረአየቶ እሞ ብልባ ነዓቐቶ፡” እዩ ዝብል እቲ ጥቕሲ፡ (2ሳሙ 6፡14-16)።
ንጉስ ዳዊት፡ ሰበይቱ ክሳዕ እትንዕቆ ኰይኑ ክሰርርን ክስዕስዕን ከሎ እሞ ቅረጽዎ። “ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይስዕስዕ ነበረ” ብዝብል ሓሳብ እዩ እቲ ስእሊ ቀሪቡልና ዘሎ። ከመይ ዓይነት ዝላን ንጥራን ዝነበሮን ሳዕስዒት ኮን ኔሩ ይኸውን፧! ከምኡ እንተ ኾይኑስ፡ እዚኸ፡ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ “ጓይላ” ዝብል ቃል፡ ገለ ምትእስሳር ክህልዎ ይኽእል ዶ ይኸውን፧
“ኣብርሃም ብእምነቱ፡
ሙሴ ብድልውነቱ፡
ኢያሱ ብጽንዓቱ፡
ባረኹልና ብሩኽ’ዩ መዓልቱ”
ብምባል ዝዘመረ ኣይመስለንን። ኣብ ኩሉ መዛሙራቱ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣመስግናዎ፡.. እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡.. ምሕረቱ ንዘልኣለም ይነብር፡ ንኣምላኽ ነቲ ሓይልና ዕልል በሉሉ፡… እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ... እናበለ’ዩ ዝዝምር ዝነበረ።
ካልአይቲ፡
ቀሊል ትርጉም ደርፊ፡ ሙዚቃ ዘለዎ ግጥሚ፡ ወይ ግጥሚ ዘለዎ ሙዚቃ ክንብሎ ንኽእል ይመስለኒ። በዚ ትርጉም እዚ ንመዝሙር እንተ ረአናዮ’ውን፡ ካልእ ርእሱ ዝኸኣለ ትርጉም ክንረኽበሉ ንኽእል ኣይመስለንን። ንበገናን ከበሮን ከም መለክዒ ክትወስድዎ ትደልዩ እንተ ዄንኩም፡ ኣብ ግብጽን ሶርያን፡ ኣብ ህንድን ኣርመንን፡ ከምኡ ኣይክጸንሓኩምን እዩ’ሞ፡ ኣርኣእያኹም ብኣጋ ምእራም ከድልዮ እዩ። ደርፍን መዝሙርን ኣበይ ከም ዝራኸቡ እምበኣር ንጹር ይኹን። ክልቲኦም፡ ግጥምን ሙዚቃን ኣሎዎም።
እቶም ሾብዓተ ቅኒታት ሙዚቃ፡ ከመይ ተወዲቦምን ተሰሪዖምን ደርፊ ይፈጥሩ፡ ከመይ ተሰሪዖምን ተወዲቦምን ከ መዝሙር ይፈጥሩ፡ ናይቲ ዓውዲ ክኢላታት ጥራይ እዮም ክገልጽዎ ዝኽእሉ። ንሕና እቶም ተጠቀምቲ ግና ብኸመይ ንፍለዮ፡ እዩ እቲ ኣነ ዝግደሰሉ ዘለኹ ሕቶ።
ዳዊት ውግእ እግዚኣብሄር ተዋጊኡ ንጐልያድ ምስ ሰዓሮ፡ ኣንስቲ እስራኤል ደርፊ ከም ዝደረፋ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉልና ኣሎ። ትርጉም ደርፍን መዝሙርን ንምትንታን ስለ ዝሕግዘና፡ ነቲ ጥቕሲ ክንጠቕሶ፡- “ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመልሰ፡ ካብ ኲለን ከተማታት እስራኤል፡ ኣንስቲ ብኸበሮ፡ ብእልልታን ብመሰንቆን፡ እናደረፋን እናሳዕስዓን፡ ንንጉስ ሳኦል ክቕበላ ወጻ። “ሳኦል ሽሑ፡ ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ፡” እናበላ ድማ ደረፋ፡ (1ሳሙ18፡6-7)።
ንትሕዝቶ እዚ ደርፊ፡ ክንትንትኖ እንተ ጀመርና እምበኣር፡ ሕመረትን መደምደምታን እቲ ግጥሚ፡ ዳዊት ዝተባህለ ጅግና ኰይኑ ኢና እንረኽቦ። እቲ ውግእ ናይ እግዚኣብሄር ውግእ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣንስቲ እስራኤል ግና ኣድህቦአን ኣብ ዳዊት ገበራ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብንጹር ገሊጽዎ ከም ዘሎ ድማ፡ እዚ፡ “ደርፊ” እምበር፡ መዝሙር ተባሂሉ ኣይቀረበን።
ብዙሓት ዘመርትን ተቐነይትን ዝጋገይዎ ጌጋ’ውን እዚ እዩ። እግዚኣብሄር ንሰብ ተጠቒሙ ድንቂ እንተ ገበረ፡ እቲ መዝሙር፡ ኣብ ክንዲ ንእግዚኣብሄር፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝተጠቕመሉ ሰብ ይወሃብ። ሽሕ’ኳ በቶም ደረስቱ፡ “መዝሙር” እንተ ተሰምየ፡ ብግብሪ ግና ከምዚ ዝነበብናዮ፡ ኣብ መስርዕ ደርፊ እዩ ዝውዛዕ።
እምበኣርከስ፡ ደርፊ ማለት ካብ እግዚኣብሄር ወጻኢ፡ ኣድህቦኡ ኣብ ካልእ ዝገበረ ትሕዞ ዘሎዎ፡ ማለት ክኸውን ከሎ፡ መዝሙር ማለት ከኣ፡ ምሉእ ኣድህቦኡ ኣብ እግዚኣብሄር ጥራይ ዝገበረ ማለት እዩ። እቲ ካብ እግዚኣብሄር ወጻኢ ንብሎ ዘለና፡ ህልዉን ምዉትን ክኸውን ይኽእል እዩ። ፍቕራውን ማሕበራውን፡ ነገራውን ሓሳባውን፡ ምድራውን ሰማያውን፡ ከምኡ’ውን ፖለቲካውን ፍልስፍናውን ወዘተ ዘተኰረ ክኸውን ይኽእል።
ነዛ ኣንስቲ እስራኤል ዝተቐነያኣ፡ ብመዝሙር ዜማ ጌርና እንተ ንዝምራኸ ኢልኩም ሕሰቡ። እቲ ትሕዝቶ ግጥሚ ከም ዘሎዎ ኰይኑ፡ ዜማ ጥራይ እንተ ንቕይረላ ማለት’ዩ፡ (ከምኡ ጌርና ክንዝምራ ከም እንኽእል ርግጸኛ እየ)። ግናኸ ብሓቂ ዶ መዝሙር ክትኰነልና ምኸኣለት እዩ እቲ ሕቶ።
ብትሕዝቶኡ ደርፊ ክንሱ፡ ብዜማኡ መዝሙር ዝዀነ ብዙሕ ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። መዝሙር “ኤርትራ፡ ኤርትራ” ወይ እታ ንዘልኣለም ክትነብር ከም ዘይትኽእል እናፈለጥና፡ ኣብ ጊዜ ደርጊ “ለዘላለም ኑሪ!” ብምባል ጸጋማይ ኢድና ዓሚዅና፡ ዊጥ ነብለላ ዝነበርና “ኢትዮጵያ፡ ኢትዮጵያ” እትብል ካልእ ደርፊ ሃገር። ኣብ 20 ሰነ ዝድረፍ “ብደምና ብድምጽና፡ ናጽነት ህያው ኰይና” እትብል ደርፊ ሰማእታት ወዘተ።
እቲ ኣብ መሃልየ መሃልይ ዘሎ ምቁር መዝሙር ፍቑራት ከ ደኣ ናበይ ኢና ክንውዝዖ፧ ዝብል ሓታቲ’ውን ይርከብ ይኸውን’ዩ። መልሲ ቅድሚ ምሃብ፡ እቲ መጽሓፍ እቲ፡ ስለምንታይ ኮን ይኸውን ኣብ ክንዲ “መዝሙረ መዝሙራት” ዝብሃልሲ “መሃልየ መሃልይ” ዝተሰምየ ኢልኩም ክትሓስቡ ምደለኹ።
እቶም ኣብ መሃልየ መሃልይ ዘለው፡ መርዓውን መርዓትን፡ ንክርስቶስን ቤተክርስትያኑን ከም ዝውክሉ፡ መምህራነ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህሩና እዮም። ስለዚ “ትዌድሶ መርዓት ወትብሎ፡ ወልድ እኁየ ቃልከ ሰናይ” ዝብል ሓሳብ፡ እታ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ጐይታኣ ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እተቕርበሉ ናይ ምስጋና ቃላት ከም ዝዀነ እዩ ዝምሰል’ሞ፡ ንመሃልየ መሃልይ ከም መዝሙር እንቕበለሉ ምኽንያት ድማ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ። ካብዚ ብዝተፈልየ ብኻልእ መገዲ፡ ንኣብነት ከምቲ ዘሎዎ፡ እቲ ቃል ብጥሪኡ ክንወስዶ እንተ ደለና፡ ሓደው ንኻልእ ፍጡር ክንህቦ እንተ ደለና ግና፡ ከምቲ ስሙ፡ መሃልይ (ደርፊ) ይኸውን እምበር፡ መዝሙር ክብሃል ኣይበቅዕን ማለት እዩ። ኣሲርናያ መስለኒ። ትኽረር ደኣ’ወ!
በረካ
ንሓፈሻዊ ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ግምት ብምእታው ክንርእዮ ከለና’ውን፡ እቲ “መዝሙር” ተባሂሉ ተጻሒፉልና ዘሎ ኹሉ፡ ምስጋና ክኸውን ይኽእል፡ ልማኖ’ውን ክኸውን ይኽእል፡ ንስሓ ክኸውን ይኽእል፡ ኣምልኾ’ውን ክኸውን ይኽእል እዩ። መልክዓቱ እኳ ይፈላለ እምበር፡ ሕመረቱን ኣዳራሻኡን ግና ወትሩ፡ እግዚኣብሄርን ናብ እግዚኣብሄር ዝመልስን ጥራይ እዩ። ካብዚ ወጻኢ እንተ ዀነ ግና፡ ናብቲ ካልእ ደኣ ይውዛዕ እምበር፡ ሞንጐ-ሞንጐ ዝብሃል መጻንሒ ቦታ ከም ዘየልቦ ምፍላጥ፡ ልቦና እዩ። እቶም ንቡን ኣብ በረካ እትውድእዋ፡ እንሆ እታ ቡን ተወዲኣትልኩም ኣላ።
ደረጃ፡
“እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኹኑ። ዝርገት ኣለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን፡ ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩሙሉን፡ ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእ-ኩም” (ኤፌ 5፡15-19)። ኪንዮ ደረት ጽሑፍ ክንሰግር እንተ ዘይደፊርና፡ እቲ ብመዝሙርን ምስጋናን መንፈሳዊ ቅኔን ብልብና ክንቅነየሉን ክንደር-ሰሉን ተባሂሉልና ዘሎ፡ ንጐይታ ደኣ’ምበር፡ ንኻልእ ማንም ክንቅነን ክንደርስን ኣይተጻሕፈልናን።