ምሕጻር ቅዳሴ፡ ትሕዝቶኡ ከይነከየ
ቅዳሴ፡ እቲ መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ከይነከየ፡ ግን ከኣ ኣብ ሓጺር ንውሓት ጊዜ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ኣብ ሆስፒታል፡ ኣብ ላዕለዋይ ኣብያተ ትምህርቲ ወዘተ፡ ክፍጸም ዝከኣለሉ ኩነት ምፍጣር፡ ይጽንሓለይ ክብሃሎ ዘይግባእ ዕማም እዩ። ሓደ መረዳእታ ብምቕራብ፡ ቅዳሴ ብኸመይ ክሓጽር ከም ዝኽእል ንዘራረበሉ።
ሰለስተ ጊዜ “ንስግድ” ኣብ ክንዲ ምባል፡ እቲ ካህን ሓደ ጊዜ ጥራይ “ንስግድ” ምስ በለ፡ “ለኣብ ወወልድ፡ ወመንፈስ ቅዱስ፡ እንዘ ሠለስቱ ኣሐዱ” ቢልካ ነቶም “ሰላም ለኪ፡ ሰኣሊ ለነ፡ ኣንቲ ውእቱ” ዝብሉ፡ ምስቶም ዝስዕብዎም ዜማታት ሰጊርካ፡ ብቐጥታ ናብ ንባብ ቃል ኣምላኽ ምስጋር፡ ንመሰረታዊ ትሕዝቶ ቅዳሴ ዝቕይሮ ኣይኰነን።
ድሕሪ ነፍስ ወከፍ ንባብ ዝዝየም ድማ፡ ኣብ ክንዲ ነናቱ ዝተፈላለየ ዝኸውን፡ ነታ ድሕሪ ንባብ ግብረ ሓዋርያት እነዝይማ ጥራይ፡ ንሰለስቲኡ ንባባት መቓቒልና ብኸምዚ ዝስዕብ ክንጥቀመላ ንኽእል ኢና፦
ድሕሪ ንባብ ሰራዒ ዲያቆን፦ “ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ አንተ፡ ኣምላክ፡ ኣብ አሓዜ ኩሉ”
ድሕሪ ንባብ ንፍቅ ዲያቆን፡- “ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ አንተ፡ ወልድ ዋሕድ፡ ዘአንተ ቃለ-ኣብ ሕያው”
ድሕሪ ንባብ ንፍቅ ካህን ድማ፦ “ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ አንተ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ዘተአምር ኩሎ” ንብል።
እቲ ብባህርዩ ምስጉንን ቅዱስን ዝዀነ ኣምላኽ፡ ለይትን መዓልትን ብዘይ ምቍራጽ፡ ብቕዱሳን መላእኽቲ “ቅዱስ” እናተባህለ ዝምስገን እዩ። ንሕና’ውን ኣብዚ ምድሪ፡ ብማህሌት፡ ውዳሴ፡ መዝሙርን ቅዳሴን፡ ብዘይ ምቍራጽ ቅዱስ እናበልና ከነምልኾ፡ ንእግዚኣብሄር ይውሕዶ’ምበር ይነውሖን ይበዝሖን ዝብሃል ኣይኰነን።
ንቕዳሴ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፍልታት ክንመቕሎ ንኽእል ኢና። ምሉእ ኣድህቦ እቲ ቀዳማይ ክፋል፡ ኣብ ንባባት ቃለ እግዚኣብሄር ክኸውን ከሎ፡ ምሉእ ኣድህቦ እቲ ካልኣይ ክፋል ድማ፡ ኣብ መኣዲ ቅዱስ ቍርባን እዩ።
“ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓል’ውን ኣምላኽ ነበረ። . . . እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሓደረ” ከም ዝብል ቅዱስ ዮሃንስ (ዮሃ1.1-14)፡ ኣብቲ ቐዳማይ ክፋል ቅዳሴ ድማ፡ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብንባባት ቃል፡ ንቕበሎን፡ ብእምነት ከኣ ምሳና ነሕብሮን። ኣብቲ ካልኣይ ክፋል ቅዳሴ ድማ፡ ነቲ ስጋ ዝዀነ ቃል፡ ብመኣዲ ቅዱስ ቍርባን ኣቢልና፡ ስጋኡን ደሙን ንካፈል።
ቀዳማይ ክፋል ቅዳሴ
· ምስጋና፡ ስብሓት፡ ውዳሴ፡ ወዘተ
· ንባብ ካም መልእኽትታት ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ
· ንባብ ካብተን ሾብዓተ ሓፈሻዊ መልእኽትታት
· ንባብ ካብ ግብረ ሃዋርያት
· ምስባክ ካብ መዝሙረ ዳዊት
· ንባብ ካብ ወንጌላት
ካልኣይ ክፋል ቅዳሴ
· ምስጋና፡ ስብሓት፡ ውዳሴ፡ ወዘተ
· ነሥአ ሕብስተ (እንጌራ ኣልዓለ)
· ኣንቃዕደወ ሰማየ (ናብ ሰማይ ቍሊሕ በለ)
· ኣእኰተ (ኣመስገነ)
· ባረከ (ባረኸ)
· ፈተተ (ቈረሰ)
”እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ’ውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ፡ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም። ስለዚ ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ። ግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ከምኡኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ካብዛ ጽዋእ እዚኣ’ውን ይስተ፡ እቲ ዚበልዕን ዚሰትን፡ ንስጋ ጐይታ እንተ ዘየለለየ፡ ንርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን፡” (1ቈረ11.26-29)።