መበል 15 መዓልቲ፡ ክንዲ ፍረ-ኣድሪ
ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ
25 ሕዳር 2023 ዝጀመርናዮ ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። ”ካልእ ምስላ ከምዚ ኢሉ መሰለሎም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰብ ወሲዱ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። (ማቴ13.31-32)።
ፍረ-ኣድሪ፡ ካብ ኵሉ ካልእ ኣዝርእቲ ብምንኣሳ’ያ፡ ንምስላ ተመሪጻ። ንእሽቶ እንብሎ፡ ጸሎት፡ ንባብ ቃል ኣምላኽ፡ ምርዳእ ጽጉማት፡ ምብጻሕ ሕሙማት፡ ወዘተ ንዘክር። እወ፡ ንእሽቶ እንብሎ፡ ሕምየት፡ ጸርፊ፡ ብምርኣይን ብምስማዕን ዝፍጸም ዝሙት፡ ወዘተ’ውን ንዘክር። ሎሚ እነስተንትኖ ሓሳብ፡ እዚ’ዩ።
ሓደ እዋን ጐይታና፡ ”ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን ድማ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ፡ ትብልዎ፡ ንሱ ኸኣ የግልስ፡ ዚሰኣነኩም’ውን የልቦን” በለ፡ (ማቴ17.20)። ክንዲ ፍረ-ኣድሪ እትኣክል እምነትሲ፡ ንኸረን (እምባ፡ ጎቦ) ካብ ሱሩ በርቍቛ፡ ካብን ናብን ከም እተንቀሳቕሶ’ዩ ዝነግር ዘሎ። ኣብ ካልእ ስፍራ’ውን፡ ”ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ሳግላ ተመንቍስካ ኣብ ባሕሪ ተተኸል ምበልክምዎ እሞ ምተኣዘዘኩም ነይሩ፡” ይብል’ዩ፡ (ሉቃ 17.6)።
ሃዋርያ ያእቆብ’ውን፡ ”ልሳን ንእሽቶ ኣካል እያ እሞ” ብምባል፡ ብቓላት ክስዕብ ዝኽእል ዕንወት ይገልጽ’ዩ፡ (ያእ3.5)። ”እንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ” ድማ ይብል።
እቲ ንዘልኣለም ምስኡ ከረስትየና ተስፋ ዝሃበና የሱስ፡ ብርግጽ ክምለስ’ዩ። ግናኸ ማራን ኣታ! ኣሜን ጐይታና ኢየሱስ ንዓ ንምባል ንቑሓት ዶ ኴንና ንህሉ፧!
ዝንበብ ክፍሊ:-
ማቴ13.31-32
ንጸሊ፦
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ነንመዓልቱ ንእሽቶ ዝብሎ ነገር ከይንዕቕ፡ ነቲ ክገብሮ ዘይግብኣኒ ከቋርጾ፡ ነቲ ክገብሮ ዝግብኣኒ ድማ ብጊዜኡ ክገብሮ፡ ርድኣኒ። ሒደት ማይ ብሑቕ፡ ንብዘሎ እቲ ሓርጭ ከም ዘብኵዖ፡ እዚ ግሁድ ክስተት እዚ ክርድኣኒ፡ ንሓጢኣት ዝጽየን፡ ንጽድቂ ሃረር ዝብል፡ ብቓልካ ዝርዕድን ንቓልካ ዝእዘዝን ህይወት ሃበኒ፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!