መበል 19 መዓልቲ፡ መርበብ
ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ
25 ሕዳር 2023 ዝጀመርናዮ ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። ”መንግስተ ሰማያት፡ ኣብ ባሕሪ እተደርበየት እሞ ካብ ኵሉ ዓሳ ዝኣከበት መርበብ ትመስል። ምስ መልኤት፡ ናብ ደንደስ ኣውጽእዋ። ተቐሚጦም ድማ፡ ጸጽቡቑ ኣብ ኣቓሑኦም ኣከቡ፡ ነቲ ኸኽፉኡ ግና ንወጻኢ ደርበይዎ፡ (ማቴ 13.47-48)።
ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሓደ እዋን፡ ፈሪሳውያን “መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ ትመጽእ፧” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ ንሱ፥ "መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ኣብ ውሽጥኹም ኣላ” እዩ ዝበሎም፡ (ሉቃ 17.20)። ጉባኤ ምእመናን፡ ማሕበረ-ምእመናን፡ ቤተ ክርስቲያን ማለት ከም ዝዀነት ድማ፡ ከምዚ ክንነቦ ዝቐነና፡ መንግስተ ሰማያት፡ ከም ፍረ-ኣድሪ፡ ከም ማይ-ብሑቝ፡ ከም ክብርቲ ዑንቍ ወዘተ እናመሰለ ከረድኣና ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ኸኣ፡ መንግስተ ሰማያት ካብ ኵሉ ዓሳ ዝኣከበት መርበብ ትመስል፡ ብምባል የረድኣና ኣሎ።
ኣብታ መርበብ፡ ኵሉ ዓይነት ዓሳ’ዩ ዝግፈፍ። እዋን ምእካብ ምስ በጽሐ ግና፡ ኣብ ኣቓሑ ዝቕመጥን ንወጻኢ ዝድርበን፡ ”ጸጽቡቑ”ን ”ከክፉኡ” ን ናብ ዝብሃሉ ናብ ክልተ ጉጅለ ትምቀል። ብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ መላእኽቲ መጺኦም ነቶም ክፉኣት ካብ ካብ ማእከል ጻድቃን ኪፈልይዎም፡ ናብ እቶን ሓዊ ድማ ክድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።
ጐይታና ኢየሱስ፡ ብርግጽ ክምለስ’ዩ። “እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን” ዝብል ብስራት እተበሰረ ዘበለ፡ ሎሚ’ውን ብክርስቶስ ኢየሱስ ምህላዉ ርግጽ ክገብር ይግብኦ፡ (ሮሜ8.1)። ማራን ኣታ! ኣሜን ጐይታና ኢየሱስ ንዓ ንምባል ንቑሓት ክንከውን እንኽእል፡ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ምህላውና ርግጸኛታት ምስ እንኸውን እዩ። ንጐይታና፡ መዕቈብን እምባን ዶ ጌርናዮ ኣለና፧
ዝንበብ ክፍሊ:-
ማቴ 13.47-51
ንጸሊ፦
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ኣብታ መዓልቲ ሓተታ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዝፈሊ፡ ከምኡ ነቶም ዝስዓቡኻን ከም ቃልካ ብምስትውዓል ንዝተመላለሱን ብየማን፡ ነቶም ተጸዊዖም ከብቅዑ ግናኸ ነቲ ጽውዓ ብቑዓት ኰይኖም ዘይተመላለሱ ግና ብጸጋም ክትፈላሊ ኢኻ’ሞ፡ እዛ ሓቂ እዚኣ ከይትስወረኒ፡ ስለዚ ኸኣ ምስትውዓል ዘይብሉ ኰይነ ከይርከብሲ ወትሩ ንቑሕ ህይወት ክትህበኒ እጽሊ ኣለኹ፣ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!