ኣቡነ ሲኖዳ ኣብ ጉባኤ ጳጳሳት ተሳቲፎም
ትማሊ 5 ነሓሰ 2024 ቀዋሚ ኮሚተ ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያን ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ዝተጋብአ ክኸውን ከሎ፡ ኣብቲ ጉባኤ፡ ክልተ ግብጻውያን ጳጳሳት፡ ብጹእ ኣቡነ ዳዊትን ብጹእ ኣቡነ ገብርኤልን፡ ሶርያዊ ጳጳስ ማር ኣቡነ ዲዮናስዮስ፡ ኤርትራዊ ጳጳስ፡ ብጹእ ኣቡነ ሲኖዳ፡ ህንዳዊ ጳጳስ ብጹእ ኣቡነ ቲቶስ፡ ከምኡ’ውን ኣርመናዊ ጳጳስ ብጹእ ኣቡነ መስሮፕ ከም ዝተሳተፉ ገሊጾም ኣለው። መበቈል ዜና ንምክትታል ኣብዚ ምጥዋቕ ይከኣል’ዩ።
ገለ ካብቲ ተዘራሪቦሙሉ ዝብሃል ዘሎ ዛዕባታት፡ ሓባራዊ ዕዮን ምይይጥን ምስ ኣብያተ ክርስቲያን ምብራቕ ኦርቶዶክስ፡ ሓባራዊ ጸሎተ ቅዳሴ፡ ጉባኤታትን ከምኡ ዝኣመሰሉን እዮም። ብዘይካ’ዚ ንምእመናን ኦርቶዶክስ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወጻእን ዝበጽሖም ዘሎ ብድሆታት ምዝታዮም ተፈሊጡ’ሎ።
ኣስተብህሎ
ኢትዮጵያዊ ኣቡነ ጴጥሮስ ኣይተሳተፉን
እቶም ብሲኖዶስ ኤርትራ ዝምእከሉ ንኤርትራ ወኪሎም ኣይተሳተፉን
ኣቡነ መቃርዮስ ከ ደኣ እንታይ ኰይኖም ዘይተሳተፉ ቢልካ’ውን ጠንቀምቀም ምባል ይከኣል’ዩ