ኣስመራ፡ ምስ መናፍቓን ዶ ሓቢራ፧!

ጥፍኣተ ጸላም ቆቢዕ

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቀላያትን፡ ዓመታዊ ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣባል ሃገራት ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ ህሞት፡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተሳተፈቶ፡ ”ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ንናታ ኣከዳድናን ስርዓትን ብዝውክል ኣልባሳት ተሰንዩ፡ ብናይ ሓባር ጸሎትን ናይ ምስጋና መዛሙራትን ተኸፊቱ. . .” ዝብል ዜና’የ ዝነብብ ዘለኹ። እዚ ዜና’ዚ፡ ከምዚ ኸማይ፡ ሕልሚ ኰይኑ ክስምዓኩም እንተኸኣለ፡ ኣይክግረምን’የ። 
ኣባላት እዚ ሕብረት፡ ከም እኒ መን ዝኣመሰላ ኣብያተ ክርስቲያን’ዩ ሓቝፉ ከም ዝርከብ ኣብ ታሕቲ ኣለኩም። (ኣብዚ ጠዊቕኩም’ውን ከተረጋግጹ ትኽእሉ ኢኹም)
ኣብቲ ዓመታዊ ኣኼባ፡ ሓላፊ ዝምድናታት ወጻእን ፕሮቶኮላዊ ጉዳያትን ቅዱስ ሲኖዶስ ቀሺ በረኸት ኪዳነ፡ ሓላፊ ክፍሊ ርክበ ሕዝብ መንበረ ፓትርያርክ ቀሺ ኤፍሬም ጸጋይ፡ ንመንእሰያትን ንደቀንስትዮን ብምውካል ድማ ወ/ሮ ኣኽበረት ወልደኣብ ካብ ቤት ጽሕፈት ምምኅዳር መንበረ ፓትርያርክ፡ ከም ዝተሳተፉ፡ ኣብ ወግዓዊ ልሳን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ወጺኡ’ሎ። ዜና ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።  እቲ ጉባኤ፡ ከምቲ ብሓባራዊ መዝሙርን ጸሎትን ዝተኸፍተ፡ ከምኡ ድማ ድሕሪ ዝተኣንገደ ናይ ሓባር ድራር ከኣ ብጸሎትን ናይ ሓባር መዛሙርን ከም ዝተዛዘመ፡ ወግዓዊ መርበብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ይሕብር።
ኣባላት ሕብረት FECCLAHA ዝዀና እኒ መን እየን፧ ኣብ ወግዓዊ መርበቦም ዝተረኽበ ጸብጻብ ነዘን ዝስዕባ የጠቓልል፦

  1. ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ፡ ኮንጎ Church of Christ in Congo (ECC)

  2. ቤት ምኽሪ ክርስቲያን ታንዛንያ፡ Christian Council of Tanzania( CCT)

  3. ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ፡ Eritrea Orthodox Church

  4. ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊት መካነ ኢየሱስ ኢትዮጵያ Ethiopia Evangelical Church Mekane Yesus ( EECMY)

  5. ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊት ሉተራን ኤርትራ፡ Evangelical Lutheran Church of Eritrea (ELCE)

  6. ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ብሩንዲ፡ National Council of Churches of Burundi (CNEB)

  7. ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ኬንያ፡ National Council of Churches of Kenya ( NCCK)

  8. ቤት ምኽሪ ፕሮተስታንት ሩዋንዳ፡ Protestant Council of Rwanda (CPR)

  9. ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ደቡብ ሱዳን፡ South Sudan Council of Churches (SSCC)

  10. ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ሱዳን፡ Sudan Council of Churches ( SCC)

  11. ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ክርስቲያን ኡጋንዳ፡ Uganda Joint Christian Council (UJCC)

ጠንቀምቀም

ሀ. ንኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝርዝር ረኺብኩማ ዶ፧ እህምም!

ለ. ካህናተ ኣስመራ፡ ኦርቶዶክሳውያን ምስ ዘይኰኑ ዘሚሮምን ጸልዮምን ኣለዉ። ልክዕ ከምዚኣ ብትግርኛ ክደግምዋ ምኸኣሉ ዶ፧

ሐ. እታ ጻሕሊ እትመስል ጸላም ቆቢዕ፡ (ካህናተ ግብጺ ዝወድይዋ)፣ ኣባና ከም መፈስሒት፡ ከም ምልክት ዘመናውነትን ከም ምልክት ነገረ መለኮት ዝተማህረ ካህንን ኰይና ከተገልግል ግዲ ጸኒሓ፡ ሕጂ፡ ምህሮ ግብጺ ኣይንቕበልን፡ ብገዳማት ዓድና ኢና ንምራሕ ዝብል መዝሙር ምስ ተቓነየ፡ ግዜኣ ዘብቅዐ ትመስል። ከየስተብሃልኩም እንተጸኒሕኩም፡ ድሕሪ ዕርቂ ምስ ኣቡነ ሲኖዳ፡ ዋላ እቶም ብሰሜን ኣመሪካ ዝመሓደሩ ካህናት ክጽየንዋ ምጅማሮም፡ ኣብ ዘዝወጸ ስእሊ ቍሊሕ ምባል ኣይትሕመቑ ኢኹም። ኣቡነ ሲኖዳ ኣብ ስቶክሆልም ሃገረ ስዊድን መጺኦሙሉ ኣብ ዝነበሩ ጊዜ፡ ጥር ትብል ጸላም ቈቢዕ ዘይምንባራ፡ ከም ሓደ ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል ኰይኑ፡ ኣብ ካናዳ ዝተራእየ’ውን ንሱ’ዩ። እቲ ጉዕዞ ይቕጽል፡ ትዕዝብትና’ውን ከምኡ ሓቢሩ ይቕጽል።
ብሰላም የቐንየና!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ታፈቅረኒኑ ፈድፋደ- ኣብሊጽካ ዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧

Next
Next

ሃገራዊ ጸሎት ብሕብረት ኣብያተ ክርስቲያን