“አእምሮተ መለኮት”፡ እንታይ ማለት’ዩ፧
ትማሊ 20 ታሕሳስ 2023፡ ኣብ ቲቪ ተዋሕዶ፡ "ኮሌጅ አእምሮተ መለኮት ተዋሕዶ ምዝገባ ጀሚሩ" ብዝብል ኣርእስቲ ሓደ መደብ ቀሪቡ ኔሩ። ”ኮሌጅ ስነ-መለኮት ተዋሕዶ” ዝብል ዝለመደ ርእሰይ፡ "ኮሌጅ አእምሮተ መለኮት” ንዝብል ስያሜ፡ ብቐሊሉ ክቕበሎ ኣይከኣለን። ከምኡ ምግባር ይብርሃኒ’ዩ’ሞ፡ ደጋጊመ ሓሲበሉ። እቲ ኮሌጅ፡ ስም ቀይሩ ከይከውን ብምባል፡ ናብቲ ወግዓዊ መርበብ ኣትየ ተመልከትኩ። ኣብቲ መርበብ፡ ስም እቲ ኮሌጅ ኣይተቐየረን። ካልእ ሓድሽ ኮሌጅ ዶ ደኣ ተኸፊቱ ኰይኑ ቢለ ድማ፡ ነቲ ዝተዋህበ ሓበሬታ ክከታተሎ ነበረኒ። ብዛዕባ ሓድሽ ኮሌጅ ዘይኰነስ ንኮሌጅ ስነ-መለኮት ተዋሕዶ ዝምልከት ሓበሬታ ኰይኑ ረኸብክዎ።
አእምሮተ መለኮት ዶ ስነ-መለኮት፧
Theology ዝብል ኣምር ኣብ ቋንቋታት ትግርኛ ኮነ ኣምሓርኛ፡ ስነ-መለኮት (ሥነ-መለኮት) ብዝብል’ዩ ዝትርጐም። “ቲዮ” ማለት፡ ኣምላኽ ወይ መለኮት ተብሂሉ ክትርጐም ከሎ፡ “ሎጂ” ማለት ድማ ምህሮ፡ መጽናዕቲ፡ ምርምር ወዘተ ተባሂሉ ይትርጐም።
ክሪስቶሎጂ- ስነ-ክርስቶስ (ነገረ-ክርስቶስ)
ማርዮሎጂ- ስነ-ማርያም (ነገረ-ማርያም)
ንዩማቶሎጂ- ስነ መንፈስ ቅዱስ (ነገረ-መንፈስ ቅዱስ)
ኣንትሮፖሎጂ - ስነ-ሰብ (ነገረ-ሰብእ) ወዘተ
ንመለኮት ውሱን ጊዜን ድሩት ቦታን ስለ ዘይብሉ፡ ተማሂርካ፡ ኣጽኒዕካ፡ ተመራሚርካ ክትፈልጦ ዝከኣል ኣይኰነን። ስለዚ ድማ ”አእምሮተ መለኮት” ቢልካ ምስያም፡ ነቲ ”ስነ-መለኮት” ዝብል ኣምር ክትክእ ዝኽእል ኰይኑ ኣይንረኽቦን።
ስነ-መለኮት ዝብል ኣምር፡ ኣብ ውሁብ ጊዜን ውሱን ቦታን ተሓጺርካ፡ ብዛዕባ መንነት ኣምላኽ፡ ባህርይ ኣምላኽ፡ ተግባርን ርክባትን ኣምላኽ ምስ ፍጥረት፡ ብቐንዱ ድማ ብዛዕባ ርክብ ኣምላኽ ምስ ሰብ ንኽትርዳእ ዝሕግዝ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ማለት እዩ። አእምሮተ መለኮት ማለት ከ እንታይ ማለት ኮን ይኸውን፡ ቢልኩም ሕሰቡ።
ስነ-መለኮት፡ ብኣእምሮ ክብጻሕ ዘይከኣል ኣዝዩ ሰፊሕ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ሊቃውንትና፡ ኣብ ኣርባዕተ ጨናፍር መቒሎም’ዮም ክሕዝዎ ዝፍትኑ።
1. መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስነ-መለኮት
2. ታሪኻዊ ስነ-መለኮት
3. ስርዓታዊ (ዶግማዊ) ስነ-መለኮት
4. ግብራዊ (ተግባራዊ) ስነ-መለኮት
ነፍስ ወከፍ እዞም ኣርባዕተ ጨናፍር፡ ኣብ ውሽጦም ሓምቢስካ ዘይውዳእ ትሕዝቶ ዝሓዙ እዮም። ነዊሕ ዕድመን ረቂቕ ዘስተውዕል ልቦናን ተዓዲልካ፡ ንኹሎም ክትመልኮምን ከተጽንዖምን እንተኸኣልካ’ውን፡ ካብ ስፍሓት ርቀተ-መለኮት፡ ብጭልፋ’ውን ትኹን ከም ዘየልዓልካ’ዩ ዝቝጸር። ስለዚ ድማ “አእምሮተ መለኮት” ዝብሃል ከም ኣምር፡ ዕውቀት፡ ፍልጠት፡ ክእለት፡ ወዘተ ናብ ግጉይ መደምደምታ ከምርሕ ስለ ዝኽእል፡ ብኣጋኡ ክእረም ይግብኦ።