ሻብዐይቲ መዓልቲ፡ ተጸበዮ
ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ
ትማሊ ቀዳም 25 ሕዳር 2023 ዝጀመርናዮ ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። “ብርግጽ ኪመጽእ ኣይክድንጕን ድማ እዩ እሞ፡ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ (እን2.2-3)።
ተጸበዮ፡ ጽሓፎ፡ ቅረጾ. . . ደጊምና ንበሎ፣ ተጸበዮ፡ ጽሓፎ፡ ቅረጾ። ብርግጽ ክመጽእ’ዩ፡ ክንጽበዮ ግና የድሊ። ስለዚ ድማ፡ እንተደንጐየ’ኳ፡ ምምጻኡ ግና ርግጽ ስለ ዝዀነ ካልእ ምርጫ የለን እሞ፡ ተጸበዮ። ስለዚ ብጉያ ክንበብ ከም ዝኽእል ጌርና ክንጽሕፎ፡ ከም ዘይሃስስ ጌርና ድማ ክንቀርጾ የድሊ። እቲ ተስፋ ዝሃበና የሱስ፡ ብርግጽ ክምለስ’ዩ፡ ማራን ኣታ!
ክንጽበዮ ምእንቲ ክከኣለና ግና፡ ነቲ ዝተቐበልናዮ ቃል ተስፋ፡ ብጉያ ምእንቲ ኽንበብ፡ ኣብ ልብና ክንጽሕፎ፡ አረ ንነሓዋሩ ብዘይርሳዕ መገዲ ምእንቲ ክንዕቅቦ ድማ፡ ኣብ ጽላት ልብና ክንቀርጾ የድልየና። ምስ ቃል ኣምላኽ ሕብረት ዘይገበረት ህይወት፡ ንምጽባይ ዝኸውን ዓቕሊ ክህልዋ ኣይክእልን’ዩ። እቶም ንቓሉ መዓልትን ለይትን ዘስተንትንዎ ግና፡ ክሳዕ መወዳእታ ተዓጊሶም ክጽበዩ ዘኽእሎም ጸጋ’ዮም ዝቕበሉ። ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘልኣለምን ንሱ እዩ! ኣሜን!
ዝንበብ ክፍሊ:-
ትንቢተ እንባቆም 2. 1-4
ንጸሊ፦
ዎ ጐይታይ፡ ከምቲ ኣብ ቃልካ ተጽሒፉ ዘሎ፡ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ እቲ ዝስማዕ ድማ፡ ቅዱስ ቃልካ እዩ’ሞ፡ ምስ ቃልካ ጥቡቕ ህይወት ክህልወኒ ርድኣኒ። እወ፡ ጐይታየ፡ ”ጻድቕ ግና ብእምነቱ ይነብር” እዩ ተባሂሉ ዘሎ፡ ንዘይምእማነይ ደግፍ፡ እምነተይ ምእንቲ ክትዓቢ ኸኣ፡ ብጸጋኻ ክትድግፈኒ እጽሊ’ለኹ፣ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!