ቦኽሪ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን፡ ድሕረ ባይታ ኤፌሶን

ዝተዋህበ ዕዮ፡ ሌላ ምስ ኤፌሶን

•ግብ 18 ክሳዕ ምዕራፍ 20 ምዕራፍ •መልእኽቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን (ሽዱሽቲኡ ይነበብ) •ራእ 2፡1-7 (ተሓቢሩ ዘሎ ጥቕሲ ጥራይ ይነበብ) ካብዘን ዝነበብኩመን ጽሑፋት፡ ንሰብ ኤፌሶን ከላሊ ይኽእል'ዩ ዝበልኩሞ፡ ሓጺር ጽሑፍ (ካብ ፍርቂ ገጽ ዘይበዝሕ)፣  ኣብተን ተጠቒሰን ዘለዋ ምዕራፋት ጥራይ ዝርከብ፡ ማሕበራዊ፡ ቍጠባዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ፍልስፍናዊ ወዘተ፡ ንሰብ ኤፌሶን ዘላሊ ትሕዝቶ፡ ጽሓፉ።

ጉጅለ ሓደ ዝጸሓፍዎ

ከተማ ኤፌሶን ኣብ ንእሽቶ እስያ (ኣብዛ ሕጂ ቱርኪ እትብሃል ሃገር) ኣብ ኣፍ ፈለግ ከይስተር፡ ጥቓ ባሕሪ ኤጅያን እትርከብ፡ ዓባይ ወደባዊት ከተማ እያ ነይራ። ኤፌሶን፡ ርእሲ ኸተማ ናይቲ ዞባ ኤስያ ዝብሃል ዝነበረ ክሊ ምሕደራ ነበረት። ማእከል እቲ ዓብዪ መስመር ንግዲ ብምንባራ ኸኣ፡ ልዳት ቤታ "ናብ እስያ ዚወስድ ደገ" ጌርካ እዩ ዚርአ ዝነበረ። ኤፌሶን፡ ዓባይ ናይ ንግዲ ከተማ ብምንባራ፡ ህዝቢ እታ ከተማ፡ ብንግድን ምስኡ ኣብ ዝተኣሳሰርን ሕይወት ይነባበር ምንባሩ ክንርዳእ ንኽእል።

ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ኤፌሶን፡ ነተን ካብን ናብን ዝጓዓዛ መራኽብ፡ ዕሙር ቦታ ንግዲ ብምንባሩ፡ ነበርታ፡ ብርኩት ቁጠባዊ ትሕዝቶ ክህልዎም ኣኽኢልዎም ነበረ። ምግፋፍ ዓሳን ምስኡ ኣብ ዝተኣሳሰር ካልእ ንጥፈታትን ድማ፡ ንቝጠባዊ ሕውየት ሰብ ኤፌሶን ባይታ ዘንጸፉ፡ ነበሩ።

ብመሰረት እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት እንረኽቦ ሓበሬታ፡ ብዙሓት ካብ ህዝቢ ኤፌሶን፡ ሰዓብቲ ጣኦታት ምንባሮም ይበርሃልና። ኣብቲ ንማሕበር ኤፌሶን ተባሂሉ ዝተጻሕፈ፡ ”ግናኸ ነቲ ኣነ’ውን ዝጸልኦ ዘሎኹ ግብሪ ኒቆላውያን ንስኻ ትጸልኦ ኢኻ እሞ እዚ ግዳ አሎካ” ዝብል፡ መልእኽቲ፡ ኣብ ኤፌሶን፡ ግብሪ ኒቆላውያን ዝስዕቡ ምንባሮም ክንርዳእ የኽእለና፡ (ራእ ዮሃንስ 2,1-7)።

ኤፌሶን ማእከል ትምህርትን መበቈል ብዙሕ ፍልስፍናን ምንባራ ክግመት ይከኣል’ዩ። ኣብ መጽሓፍ ግብረ ሃዋርያት ከም እንርእዮ፡ ኣስማተኛታት፡ ጠንቈልቲ፡ መምለኽቲ ዓባይ ኣርጤምስ ወዘተ ምንባሮም፡ ኣብ ስነ ማሕበራውን፣ ስነ ፍልጠታዉን፣ ቁጠባውን ከምኡውን ኣብ ስነ ጥበብን ልዑል ፍልጠትን ዓቕምን ዝነበሮም ህዝቢ ምንባሮም ክንግምት የኽእለና እዩ።

ጉጅለ ኽልተ ዝጸሓፍዎ

ኤፈሶን ብመንጽር ባህልን ንግድን፡ ካብታ ርእሰ ከተማ ናይቲ ዳርጋ ኣብ ዓለም ሙሉእ ዝገዝእ ዝነበረ ሃጸይነት ሮማ፡ ብኻልኣይ ደረጃ እትስራዕ ነበረት።

ኤፌሶን፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ እተደኰነት ብምንባራ፡ ማሕበራዊ ሕይወት ሰብ ኤፌሶን፡ ብንግድን ምስኡ ዝተኣሳሰርን ዝተዓብለለ ምንባሩ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ብምግፋፍ ዓሳ ይኹን፡ በተን ካብን ናብን ዝጐዓዛ መራኽብ’ውን እናተራኸቡ፡ ብርኩት ቊጠባዊ እቶት ከም ዝነበሮም ክንግንዘብ ንኽእል።

ኣብ ኣፌሶን፡ ኣይሁድነት (ግብ 19፥2 ) ጣኦትን ጥንቁልናን (ግብ 18፥24) ከምኡ’ውን፡ ነቲ ጐይታ  ዝጸልኦ፡  ግብሪ ኒቆላውያን ዝስዕቡ ከም ዝነበርዎምን፡ መወዳእታኡ ኸኣ ነታ ቀዳመይቲ ፍቕሪ ከም ዝገደፍዋን ከኣ ንርኢ (ራኢ 2፡1-7)።  

ኣብ ኤፌሶን ልዕሊ 50 ሽሕ ዝኣኽሉ ሰባት ክሕዝ ዝኽእል መድረኽ "theater" ካብ ነበረ፡ ብዙሕ ፍልስፍናዊ ስርሓት  ሙዚቃ ይኹን ካልእ ባህላውን ፍልስፍናውን ህይወት ከም ዝነበረ’ውን ክንግንዘብ ንኽእል ኢና።

ጉጅለ ሰለስተ ዝጸሓፍዎ

ኣብ ንእሽቶ ኤስያ፡ ዕሙር ወደባዊ ንግዲ ዝግበረላ ዝነበረት ዓባይ ከተማ ኤፌሶን፡ ብቤተ መቕደስ ኣርጤምስ (ብላቲን ዲያና) ፍልጥቲ፣ ብንግድን ብስርሓት ጣኦታት ብሩርን ከኣ ንቝጠባኣ እትድረኽ ከተማ እያ ዝነበረት፡ (ግብ 19፡24-27)። 

ኣምልኾ ኣርጤምስ፡ ኣብ ባህሊ ኤፌሶን፡ ኣዝዩ ሱር ዝሰደደ ብምንባሩ፡ ነቲ ጳውሎስ ዝሰብኮ ዝነበረ ወንጌል፡ ከቢድ ተቓውሞ ኣጋጠሞ። ብሰራሕ ብሩር ዲሜጥሮስ ዝምራሕ ዝተላዕለ ናዕቢ ከም ንመረዳእታ እንተጠቐስና፣ ትምህርቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንንግዶምን ንኽብሪ ኣርጤምስ ዘለዎም ተወፋይነትን ከይጐድእ ብምስግኦም ምንባሩ፡ ኣብ ግብረ ሃዋርያት ንረኽቦ፡ (ግብ 19፡23-29)።

ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ንዝነበሩ ኣይሁድ፡ ኣብ ቤተ መቕደሶም መሃረ፥ ኣምላኽ ብጳውሎስ ጌሩ ብዙሕ ተኣምራት ብምግባሩ ኸኣ፡ ኣብ ኤፌሶን ወንጌል ኣስፋሕፍሐ፡ (ግብ 18፡19፤ 19፡1-7)።  ብኸም ብዓል ኣጵሎስ፡ ጵርስኪላን ኣኪላን ዝኣመሰሉ ኣገልገልቲ’ውን እቲ ኣገልግሎት ተደገፈ። እምነት ክርስትና ኣብ ኤፌሶን ዓበየ፡ ብዙሓት ኣረማውያን ካብ ጥንቈላኦም ተነሲሖም፡ ብዙሕ መጻሕፍቶም ከኣ ኣቃጸሉ፡ (ግብ 18፡24-28፤ 19፡18-19)።

ኤፌሶን ጽቡቕ ሕጋዊ ስርዓተ ምሕደራ ነበራ። ኣብ ግብረ ሃዋርያት ከም እንርእዮ፡ ጸሓፊ እታ ከተማ፡ በቲ ዝተፈጥረ ናዕቢ፡ ነቲ ህዝቢ ኣህዲኡ፥ እቲ ጉዳይ፡ ሕጋዊ ውሳነ ክወሃቦን ኣብ መጋባእያ ክቐርብን ምስ ተማሕጸነ፡ ብዘይካ እቲ ህላወ ሕጋዊ መስርሕ ፍትሒ፡ ብወገን እቲ ህዝቢ’ውን ዝተራእየ ምኽባር ቃል መራሒ፡ ኣብ ኤፌሶን ጽቡቕ ምሕደራ ምንባሩ ክንርዳእ ንኽእል፡ (ግብ 19፡35-40)። 

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ምስቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ኣመንቲ ዝነበሮ ምትእስሳር፡ ጽኑዕ ምንባሩ፣ በቲ ኣብ ሚሊጦስ ዝገበርዎ፡ ስምዒታዊ ስንብታኦም ይንጸባረቕ። ኣብኡ ብዛዕባ እቲ ንሰለስተ ዓመት ዝመሃሮም መዘኻኸሪ ዝሃቦም ምኽርን ምሕጽንታን፥  ብጸሎት፥ ብብኽያት፡ ሓቚፎም ብምስዓም ምፍናዎም፥ እቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ኣመንቲ፡ ፈቃራትን እሙናትን ምንባሮም የርእየና፡ (ግብ 20፡17-38)

ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፡ ካብ ሓጥኣን ናብ ኣመንቲ ብክርስቶስ ምቕያሮም ኣጕሊሑ፡ ነቲ ናይ ቀደም መገድታቶም ብምንጻግ፡ ብክርስትያናዊ ክብርታት ክነብሩ ይምሕጸኖም፡ (ኤፌ 2፡1-12፤ 4፡17-19፤ 5፡2-3, 8-10,15-16 ) ንመንፈሳዊ ኣቃውማ ስድራቤት (ሰብኣይ፥ ሰበይቲ፥ ውሉድ፥ ባርያ) ክኽተሉ ኸኣ ይሕብሮም፡ (ኤፌ 5፡22-23,28; 6፡ 1,4,9) 

ቤተ ክርስቲያን ኤፌሶን፡ ብግብርን ጽንዓትን፡ ብምስትውዓል ሓሰውቲ መምህራንን ትንኣድ ነበረት። ንመጀመርታ ፍቕሪ ክርስቶስ ስለ ዝሓደገት ግና፡ ክትንሳሕ ከም ዘለዋ  ከቢድ መጠንቀቕታ ከም ዝተዋህበት ከኣ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ተጻሒፉ ንረክብ፡ (ራእ 2፡2-6)።

ጉጅለ ኣርባዕተ ዝጸሓፍዎ

ኤፌሶን ማለት ትርጉሙ፡ “ጽብቕቲ” ወይ “ምልክዕቲ” ማለት እዩ። ዓባይ ጥንታዊት ከተማ ኰይና፡ ኣብ ምዕራባዊ ወገን ኤስያ ትርከብ። ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ኣስታት 250,000 ሽሕ ነበርቲ ከም ዝነበርዋ ይንገር። ናይ ንግድን ካልእ ቀንዲ ኣገደስቲ ነገራትን መዋፈሪትን ብባህላዊ ንጥፈታትን ንግድን ከኣ፡ ድሕሪ ሮማ፡ እትስራዕ ከም ዝነበረትን፡ ዋና ከተማ ናይቲ ግዜ 'ቲ ዞባ ኤስያ ዝብሃል ዘነበረ ከባቢ ዝነበረት ከተማ ድማ እያ።

ኣብ ኤፌሶን፡ 50 ዝኣኽሉ፡ ዝተፈላለዩ ተባዕታይን ኣንስታይን ኣማልኽቲ ወይ ከኣ ጣኦታት በብሕብሮም ይምለኹ ከም ዝነበሩ ይንገር። ካብ መንጎኦም ግና እታ ኣዝያ እትምለኽን ዝስገደላን ዝነበረት፡ ዓባይ ኣርጤምስ (ድያና) እትብሃል እያ። ብዙሓት ንዓዓ የምልኹ ከም ዝነበሩን ኣብ ግብ19፥23-27 ተጠቒሱ ንረኽቦ ኢና።

ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያንና "ጉባኤ ኤፌሶን" ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ኣብ 431 ዝተጋብአ፡ ሳልሳይ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ፡ ኣብዛ ከተማ ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ። ኣብ ትውፊት እውን፡ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያምን፡ ሃዋርያ የሃንስን፡ ኣብዛ ከተማ ይነብሩ ከም ዝነበሩ ተጻሒፉ ንረኽቦ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግና፡ ከተማ ኤፌሶን፡ ከም ዝዓነወትን ከም ዘየላን'ዩ ዝፍለጥ።

-ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሳልሳይ ሃዋርያዊ ጉዕዞኡ፡ ሰብ ኤፌሶን በቲ ዝሰብኮ ዝነበረን በቲ ጐይታ ድማ ዝሃቦ ጸጋን ንብዙሓት ካብ ሕማም ከናግፎም ከሎ ( ግብ19፥8-16) ብዙሓት ከም ዝኣመኑን፡ ናይ እምነቶም ምስክርነት ድማ ብዙሓት ጠንቆልቲ መጽሓፍቶም ከም ዘንደዱን ኣብ ግብ 19፥19 ንርኢ።

-ገለ ካብቶም ዘይኣመንቲ ሰብ ኤፌሶን ድሜጥሮስ ዝርከቦም ኣንጠረኛታትን ሰራሕቲ ጣኦትን ንሃዋርያ ጳውሎስ እዞም ብኢድ ዝስርሑ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን እናበለ ሰባት የስድዕ ኣሎ ብምባል ዓቢ ናዕቢ ከም ዘለዓዓልሉ ኣብ ግብ 19፥23- መወዳእታ ዘሎ ንግንዘብ።

-ቤተክርስትያን ኤፌሶን ነቲ ሓሶት ናይቶም ሓዋርያት ኢና በሃልቲ ግናኸ ሃዋርያት ዘይኮኑ ከተለልዮም ዘኽእል መንፈሳዊ ዕብየት እኳ እንተኣርኣየት፡ ነቲ ናይ ቀደም ፍቕራ ከም ዝሓደገት፡ በዚ ድማ ከም ዝተነቕፈት፡ እንተዘይተነሲሓ ድማ ካብቲ ናይ መጻኢ በረኸት ከም እትግለል ኣብ ራእ ዮሃንስ2፥2-5 ዘሎ ብንጹር ተጻሒፉ ንረኽቦ።

ጉጅለ ሽዱሽተ ዝጸሓፍዎ

እታ ኣብ ከተማ ኤፌሶን እትርከብ ማሕበር (ቤተ ክርስቲያን)፡ ካብተን ሃዋርያ ጳውሎስ መልእኽቲ ዚተጻሕፈለን ማሕበራት (ኣብያተ ክርስቲያን) ምዃናን፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ምጥቃሳን፡ ኣገዳሲት ማእኸል ክርስትናን፡ ኣብ ምስፍሕፋሕ ክርስትና ድማ ዓቢ ተራ ዚነበራ ማሕበር ምንባራ የረድእ። እዛ ማሕበር እዚኣ እታ እንኮ ክልተ ሳዕ (ካብ ሃዋርያ ጳውሎስን፡ ካብ ጐይታን) መልእኽቲ ዚተጻሕፋ ማሕበር ኢያ።

ኣብታ ኣምልኾ ጣኦት፡ ብፍላይ ድማ ናይታ “ኣርጤምስ” እትበሃል፡ ምስላ ካብ ሰማይ ከም ዚወረደ ዚኣምኑላ፡ ጣኦት ኣዝዩ ግኑን ዚዀነላ ከተማ ኤፌሶን፡ ዚነበረ ባህላውን ሃይማኖታውን ስሱንነት ነታ ኣብኡ ዚነበረት ማሕበር (ቤተ ክርስቲያን) ብብዙሕ መገዲ ይጸልዋ ከም ዚነበረ ምግማት ይከኣል ኢዩ። እቲ ሎሚ ሓደ ካብቶም ሾብዓተ ኣደነቕቲ ዓለም ዚዀነ ቤተ-መቕደስ ኣርጤምስ፡ ኣብ ኤፌሶን ዚርከብ ኰይኑ፡ ጐኒ ጐኒ እቲ ናይ ኣምልኾ ስፍራነቱ፡ ንብዙሓት ኣቓሑን ምስልታትን እቲ መቕደስ ዚሰርሑ ኣንጥረኛታትን ካልኦትን ምንጪ ኣታዊ ነበረ፡(ግብ 19፡25)። ብተወሳኺ፡ጥንቊልናን ኣስማትን ኣብቶም ህዝቢ ኣዝዩ ግኑን ልምምድ ከም ዚነበረን፡ ኣብኡ ይነብሩ ካብ ዚነበሩ ኣይሁድ ከይተረፈ፡ ኣብቲ ልምምድ ዚነጥፉ ከም ዚነበሩ ፡ተጻሒፉ እንረኽቦ ኢዩ (ግብ 19፡13)።

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብቲ ካልኣይ ጉዕዞኡ፡ ኣብዛ ከተማ እዚኣ ዚነበረ ስብከት እምበኣር፡ ካብዞም ዚተፈላለዩ ሰባት፡ ክሳዕ ናዕቢ ዚበጽሕ፡ ከቢድ ብድሆ የጋጥሞ እኳ እንተነበረ (ግብ 19፡21-41)፡ ብዙሓት ይኣምኑን፡ ካብ ጠንቈልቲ ከይተረፈ፡ መጻሕፍቶም ክሳዕ ምቅጻል እናወሰኑ ይንስሑን ነበሩ፡ (ግብ 19፡18-19)።

ኣብ ኤፌሶን ዚነበሩ ኣመንቲ፡ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ነበሩ (ግብ 19፡10, ኤፌ 2፡11-12)። ኣገልግሎት ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ካብ ኣይሁድውን (ዘይኣመኑ) ውዲት የጋጥሞ እኳ እንተነበረ (ግብ 19፡9, 20፡19) ሰለስተ ዓመት ደኣ ኣብታ ከተማ ጸንሐ እምበር፡ ካብ ምምሃሮም ኣይበዀረን። ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ከም እነንብቦ፡ ኣመንቲ ኤፌሶን፡ ጽኑዕ እምነትን ፍቕሪ ቅዱሳን ዝነበሮም (ኤፌ 1፡15)፣ ነበሩ። ይዅን ደኣ እምበር፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነቶም ኤጲስ ቆጶሳት ኣብ ዚገበሮ ናይ መፋነዊ ዘረባ፡ ብድሕሪኡ ቄናን ትምህርቲ ዚምህሩ፡ ካብኣቶም ከም ዚትንስኡ ነጊርዎም ነበረ። ከምቲ ዚበሎ ድማ፡ ሃዋርያት ኢና ዚብሉ፡ ግናኸ ዘይኰኑ ሓሰውቲ፡ ኣብታ ማሕበር ተላዒሎም ኢዮም (ራእ 2፡2)።

እዞም፡ ሓደ ጊዜ ነቐፋ ዘይብሉ መልእኽቲ ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ተላኢኽዎኦም ዚነበሩ ኣመንቲ፡ ደሓር ግና ነቲ ቐዳማይ ፍቕሮምን ግብሮምን ብምሕዳጎም ከም እተወቕሱን፡ ንንስሓ ከም እተጸውዑን ተጻሒፉ ንረኽቦ፡ (ራእ 2፡4-5)። ብተወሳኺ፡ ነቲ ጐይታ ዚጸልኦ ግብሪ ኒቆላውያን ዚገብሩ ኣብ ኤፌሶን ኔሮም እኳ እንተነበሩ፡ በታ ማሕበር ግን ጽሉኣት ብምንባሮም፡ ጐይታ ነታ ማሕበር በዚ ጉዳይ እዚ፡ ንኢድዋ ኢዩ፡ (ራእይ 2፡6)።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ካልኣይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን፡ ስላሴኣዊ ሱታፌ

Next
Next

ዓመት መጸ፡ ተግባር ኣልቦ ቃለ ቡራኬ እንታይ ይጠቅም፧