ኖኖ ወ፡ ንሓሶት ንየው በልዎ

ጽባሕ ሰኑይ 26 ለካቲት ክሳዕ ረቡዕ 28 ለካቲት 2024፡ ጾመ ነነዌ እዩ። ”ንሓሶት ንየው በልዎ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከኣ፡ ብጾምን ጸሎትን ክንነቅሕ ደልየ’ለኹ። ነታ ነነዌ እትብል ስም፡ ኖኖ ወ ብዝብል ጽሒፈያ ዘለኹ ብፍላጥ’የ።

ኣእጋር ሓሶት ኣብ ድርኵኺት መቕደስ ከይተረፈ ኣትየን ኣጠላቕየናናስ ፍጹም ተጠላቒና ከም ዘለና፡ ንቐባሪ ከም ምርዳእ’ዩ። ነብዪ ህዝቅኤል፡ ”ነብያት፣ ከንቱነት እናረአዩ፣ ሓሶት እናጠንቈሉሎም፣ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦስ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እናበሉ ብዘይጠቅም ጸብሪ ለቕለቑሎም” ብምባል፡ ኣስተንከረ፡ (ህዝ 22:28)። ነብያት ኢና በሃልቲ፡ ሃዋርያት ኢና በሃልቲ፡ ካህናት ኢና በሃልቲ፡ ዛቝኖት ኢና በሃልቲ፡ ኮታ ቃል ኣምላኽ ጠቂሱ ዝዛረብ ዘበለ ዘክሩ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ፡ ”ነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ” ምባሉ፡ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ዘንብባ ዘሎ ዘበለ፡ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘይፈልጥ ኣሎ ዝብል ግምት የብለይን፡ (ማቴዎስ 5:37)። ናብራና ክርአ ከሎ ግና፡ ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ፡ ካብ ቤተ ክህነት ክሳዕ ምእመን፡ ቅድሚ ቀትሪ ”ኖ ኖ” ንዝበልናዮ፡ ድሕሪ ቀትሪ ”እወ፡ እወ” ንምባል ድሕር ኣብ ዘይንብለሉ እዋን በጺሕና ኣለና።

ሃዋርያ ያእቆብ ኣብ መልእኽቱ፡ ”ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኸይትወድቁስ፡ እቲ እዌኹም እወ፡ እቲ ኣይኰነን ዝበልኩምዎ ኸኣ ኣይኰነን ይኹን” በለ፡ (ያእ5.2)።

እንታይ ንግበር፧

ኣብዘን ሰለስተ መዓልታት ጾምን ጸሎትን፡ ብዛዕባ’ዚ ንጸሊ። ሓሰውቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኣትውዋን እዮም እሞ፡ እምበኣርከስ ኣብ ፍርዲ ምእንቲ ከይንወድቕ፡ ኖ ንዝበልናዮ፡ ኖ፣ እወ ንዝበልናዮ ድማ፡ እወ ምባል ደኣ ባህርይና ጌርና ክንላበሶ እምበር፡ እዛ ተሞዅልያ ኣትያስ ግናኸ ተሰቢላትና ዘላ፡ ”ኖ ኖ ወ” እትብል ቅዲ ዓለማውነት፡ ቀዲድና ንደርብያ።

ኣምላኽ ይባርኽኩም!

ብሩኽ ምጅማር ጾመ ነነዌ

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ጾመ’ርብዓን መገዲ’ርብዓን

Next
Next

ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ፓትርያርክ