ኣቡነ ሲኖዳን ኣቡነ መቃርዮስን፡ ሓደ ይዀኑ፡ ክልተ ይዀኑ

ትማሊ ዓርብን ቀዳምን 20-21 ጥቅምቲ 2023፡ ኣቡነ ሲኖዳ፡ ኣብ ሽወደን ዝገበርዎ ዑደት ተኸቲሉ፡ ውሉደ ክህነትን ሰበኽቲ ወንጌልን ንኡስ ሃገረ ስብከት ሽወደን፡ ኣኼባ ምክያዶም፡ ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓቢሮም ኣለው። ኣብቲ ኣኼባ፡ እቶም ቅድሚ ዕርቂ፡ ብወገን ኣቡነ መቃርዮስ ክንመሓደር ዝጸናሕና ቤተ ክህነት፡ ክንሳተፍ ኣይተፈቕደን ሓደው ከምኡ ኣይተገብረን።

 ዝኾነ ኾይኑ፡ ”ጉዳይ ቀሺ ዮናስ” ተባሂሉ ምስ ተላዕለ፡ ድሕሪ ብዙሕ ዘረባ፡ ኣቡነ ሽኖዳ ንሓደ ቐሺ ቴሎፎኖም ኣቐቢሎሞ። እቲ ቐሺ፡ ካብታ ቴሌፎን ከንብብ ጀመረ፦  ”17 ጥቅምቲ 2023፡ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን. . . ” ብምባል ድማ ነቲ ጽሑፍ ኣንጐድጎዶ። ክጠቓለል ከሎ፡ ትሕዝቶ እቲ ጽሑፍ፡ ”ቀሺ ዮናስ ምስ ምምሕዳር ኣቡነ መቃርዮስ የለን” እዩ ዘስምዕ፡ ቢሎም ሓበሩኒ፡ እቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ግዱሳት።

ከም ትራምፕ ኣብ ዘመነ ባይደን

ቀለልቲ፡ ግናኸ በዳህቲ ሕቶታት ንምቕራብ፡ ነዛ እትስዕብ መብርሂ ኣቕረብኩ። ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ መንበረ ስልጣን ተረኪቡ፡ ዕዮኡ ምስ ጀመረ፡ ነበር ፕረዚደንት፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ቀሊሙን ሓቲሙን መልእኽቲ ክሰድድ ዶ ይከኣሎ’ዩ፧ እሞ በዚ ኸምዚ’ስ፡ ዓለም’ውን ዶ ንቤተክርስቲያን ክትመርሓ እያ፧! 3 መስከረም 2023፡ ምምሕዳር ኣቡነ ሲኖዳ፡ ምምሕዳር ኣቡነ መቃርዮስ ምባል ተሪፉ፡ ሓደ ማእከላይ ምምሕዳር ከም ዝቖመን ስራሑ ከም ዝጀመረን፡ ብማዕከን ዜና፡ ራድዮ ኤስቢኤስ ተገሊጹልና እዩ። ”17 ጥቅምቲ 2023 ዝተጻሕፈ፡ ”ካብ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና” ዝብል ጽሑፍ፡ ከመይ ጌሩ ከም ቅቡል ክሕሰብ ይከኣል፧ ኣብ ስልጣን ዘየሎ ዶ፡ ስልጣን ከም ዘሎዎ ኣምሲሉ ይጽሕፍ’ዩ፧ ንሱ እንተጸሓፈ ኸ፡ እቲ ነባቢ፡ መን ጸሓፎ፡ መዓስ ጸሓፎ፡ ስለምንታይ ጸሓፎ፧ ወዘተ ቢልካ ናይ ምፍታሽ ዓቕሚ ዶ የብሉን’ዩ፧

ሕንቅልሕንቅሊተይ፡ ዕርቂ

ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን፡ ሓደ ድዮም ክልተ፧! ክልተ እዮም ከይንብል፡ ሰብን እዝግን ዝምስክሮ፡ “ሓቢርና” ቢሎም፡ ክቕድሱን መግለጺታት ክህቡን ተዓዚብናዮም ኣለና፣ ሓደ እዮም ከይንብል ከኣ፡ እንሆ “ኣቡነ ሲኖዳ፡ ቤቶም ከመሓድሩ’ዮም መጺኦም” ይብሃለና ኣሎ። እቲ ”ቀኖናዊ” ዝብሃል ዝነበረ’ውን፡ ሓድሽ ሓባራዊ ምምሕዳር ከም ዝቖመ እናሓበረስ፡ ግናኸ፡ ገና ስልጣነይ ኣይለቐቕኩን ንምባል ድማ፡ ደብዳበ ጽሒፉ፡ ክታምን ማሕተምን ንምንባር ኣይሓንኽን። ናበይ ገጽና ኢና ግና ንጸድፍ ዘለና፧!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ኣፍልጦን ማእከልነትን ሃገረ ስብከት ዘይብሉ፡ ሕብረት ኦ.ተ.ቤ.

Next
Next

ኦርቶዶክስ ሩስያ፡ ናበይ’ዩ እዚ ጉያ፧