ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ ስምኦን ተጸበየ

ሎሚ ቀዳም 25 ሕዳር 2023 እንጅምሮ ዘለና ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። ”ኣብ የሩሳሌም ስምኦን ዚብሃል ሰብኣይ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ፡ ምጽንናዕ እስራኤል ዝጽበ ነበረ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ነበሮ። ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ከይርኣዮ፡ ሞት ከም ዘይርኢ ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጹሉ ነበረ፡ (ሉቃ2.25-26)።

ስምኦን፡ ምጽንናዕ ህዝቡን ሃገሩን ይጽበ ነበረ። ከም ትጽቢቱ ድማ፡ ንቕድም ብመንፈስ ተገልጸሉ፡ ድሒሩ ኸኣ ነቲ መሲሕ፡ ብኣካል ክርእዮ ጥራይ ዘይኰነስ ክሓቝፎ’ውን በቕዐ። ጽድቂ፡ ንኣምላኽ ምፍራህ፡ ምጽንናዕ ህዝብኻ ምድላይን ምጽባይን፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ህይወት፡ ወዘተ፡ ገለ ካብቲ፡ ካብ ስምኦን ኣረጋዊ እንምሃሮ ባህርያት እዩ።

ምጽዋምናን ምጽላይናን ዘይተረፈ፡ ነቲ ንህዝብናን ሃገርናን ከጸናንዕ ዝከኣሎ እንኮ ጐይታና ንጸባበዮ፧! 

ንዝኽሪ ልደት ጐይታና እናማዕደና፡ “ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘልኣለምን ንሱ እዩ!” (እብ 13.8) ኣሜን!  

ዝንበብ ክፍሊ

ሉቃ 2. 25-35

ንጸሊ፦

ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤል’ውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳለኻዮ ምድሓንካ፡ ንወድኻ ንጐይታና ኢየሱስ፡ ልብና ኣርሒና ክንጸባበ፡ ኣዒንቲልቦናናክትከፍትንልምነካ፡ኣለና፡ብስምኣብንወልድንመንፈስቅዱስንሓደኣምላኽኣሜን!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ካልአይቲ መዓልቲ፡ ሃና ጓል ፋኑኤል ተጸበየት

Next
Next

ኣዋጅ ጾም ብኽልተ ማሕተም