ሳልሳይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን፡ መንፈሳውን ማተርያላውን

ዝተዋህበ ዕዮ

ሀ. ኤፌ 1.3-14 ”እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽን ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብሩኽ ይኹን” ኣብ ዝብል፡ ገለ ካብቲ ኣብቲ ኽፍሊ (ማለት ኣብ ኤፌ 1.3-14 ) ተጠቒሶም ካብ ዘለው፡ መንፈሳውያን በረኸት፡ እንተወሓደ ክልተ መረዳእታ ጥቐሱ።

ለ. ዘዳ 28፡2-14 ”ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ እዚ ዅሉ በረኸት ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ፡” ካብ ዝብል፡ ገለ ካብቲ ኣብቲ ክፍሊ’ቲ (ማለት ዘዳ 28.2-14) ተጠቒሶም ካብ ዘለዉ በረኸት፡   እንተወሓደ ክልተ መረዳእታ ጥቐሱ።

ሐ. ኣብ ሞንጎ እቲ ኣብ ኤፌሶን ዝነበብናዮን ኣብ ዘዳግም ዝነበብናዮን መሰረታዊ ፍልልይ ኣሎ ዶ፧ እወ እንተዀይኑ፡ ፍልልያቶም እንታይ እዩ፧

 ጉጅለ ሓደ ዝጸሓፍዎ

ኣብ ኤፌሶን ተጠቒሱ እንርእዮ በረኸት፦

  1. ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቕብ ዜብሎምን ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ከም ዝሐረየና፡

  2. በቲ ፍቁር ብእኡ (ብክርስቶስ) ከም ዝጸገወና፡

  3. ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም ከም ዝመደበና።

  4. ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጻጋኡ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዘሎና።  

  5. ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ፡ ነቲ ምስጢር ፍቓዱ ከም ዘፍለጠና፡

  6. ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ ብዅሉ ጥበብን ብዅሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ኣባና ከም ዘውሐዞ።  

  7. ንውዳሴ ክብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዅሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳቡ ዚገብር ቀደም ከም ዝተመደብና፡

  8. ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ከም ዝረኸብናዮ።

  9. ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተሐተምና  

ኣብ ዘዳግም እንርእዮ በረኸት፦

ዘዳ 28፡2-14   ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ እዚ ዅሉ በረኸት ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ፡ ካብ ዝብል ገለ ካብቲ ኣብቲ ክፍሊ (ማለት ዘዳ 28.2-14) ተዘርዚሮም ካብ ዘለዉ ንምጥቃስ ዝኣክል፦

  1. ኣብ ከተማ ብሩኽ ትኸውን፡ ኣብ መሮር ድማ ብሩኽ ትኸውን።

  2. ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ፍረ ማልካን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ከኣ ብሩኽ ይኸውን።

  3. መሶብካን መልወሲካን ብሩኽ ይኸውን።

  4. ነቶም ዚልዐሉኻ ጸላእትኻ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኻ ተሰዓርቲ ይገብሮም፡ ብሓንቲ መገዲ ይመጹኻ፡ ካብ ቅድሜኻ ድማ ብሾብዓተ መገዲ ይሃድሙ።

ፍልልይ

ኣብ ዘዳግም ተዘርዚሮም ዘለዉ በረኸታት፡ ናይዛ ምድርን፡ ሓለፍቲ ዝዀኑ ውህበታትን እዮም። ደሓር ከኣ ንእግዚኣብሄር ብምእዛዝ እትረኽቦ በረኸት’ዩ። ”ኪኸውን ድማ እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ተጠንቂቕካ እንተ ገበርካዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ኽብ ኬብለካ እዩ” ዝብል ከም ንመረዳእታ ክንጠቅስ ንኽእል።

እቲ ኣብ ኤፈሶን ተዘርዚሩ ዘሎ በረኸት ግና ምድራውን ሰመያውን ዘልኣለማውን ኣብታ እትመጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ዝቕጽል  በረኸት ኢዩ ። ገለ መረዳእታ ንምጥቃስ፡ ውሉድ ኣምላኽ ምዃን ዝብል ክንጠቅስ ንኽእል።

ጉጅለ 2 ዝጸሓፍዎ

ኣብ ኤፈሶን እንርእዮ በረኸት

ኣብ ምዕራፍ ሓደ ተጠቒሶም ዘለዉ መንፈሳዊ በረኸት፡ 6 ኰይኖም፦

1-    ቅዱሳን ክንከውን ሓረየና፦ 1፥4: ከምቲ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቕብ ዜብሎምን ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና፡

2-    ውሉዱ ክንከውን መደበና፦ 1 ፥5-6: በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና።

3-    ሕድገት ሓጥያት ኣሎና ፦ 1፥7 : ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጻጋኡ ሕድገት ሓጢኣት አሎና።

4-    ምስጢር ፍቓዱ ኣፍለጠና፦ 1፥ 8-10: ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ፡ ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና፡ ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ ብዅሉ ጥበብን ብዅሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ኣባና ኣውሐዞ።

5-    ዕድል ርስቲ ረኺብና፦ 1፥11-12: ንሕና ቐደም ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ክብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዅሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳቡ ዚገብር ቀደም እተመደብና፡ ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ።

6-    ብመንፈስ ቅዱስ ሓተመና፦ 1፥13-14 ንስኻትኩምውን ብእኡ ቓል ሓቂ፡ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል፡ ምስ ሰማዕኩም ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፡ ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሐተምኩም። ንሱ ንምድሓን ጥሪቱ፡ ንውዳሴ ኽብሩ፡ ዕርቡን ርስትና እዩ።

ኣብ ዘዳግም እንርዮ በረኸት

ኣብ ዘዳግም 28፡2-14 ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ እዚ ዅሉ በረኸት ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ፡ ካብ ዝብል ተጠቒሶም ዘለዉ በረኸት፡ ንእግዚኣብሄር ብምእዛዝ ዝርከብ በረኸት ኢዩ።

1. ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ኽብ ትብል

2. ኣብ ከተማ ብሩኽ ትኸውን፡ ኣብ መሮር ድማ ብሩኽ ትኸውን።

3. ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ፍረ ማልካን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ከኣ ብሩኽ ይኸውን።

4. መሶብካን መልወሲኻን ብሩኽ ይኸውን።

5. ጸላእትኻ፡ ኣብ ቅድሜኻ ተሰዓርቲ ይዀኑ

6. ኣብ ቆፎኻን ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካን እግዚኣብሄር በረኸት ይእዝዘልካ፡

ፍልልይ

ኣብ ሞንጎ እቲ ኣብ ኤፌሶን ዝነበብናዮን ኣብ ዘዳግም ዝነበብናዮን መሰረታዊ ፍልልይ ኣሎ። ኣብ ዘዳግም ዘሎ በረኸት ምድራዊ ኮይኑ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ምስ ሓለኻ ዝርከብ ኢዩ። ማለት፡ እቶም በረኸት ቅድመ ኩነት ኣለዎም። (እዚ ግበር’ሞ እዚ በረኸት ክስዕበካ ኢዩ)። ዝርአ ወይ ዝቝጸር በረኸት ድማ ኢዩ። ኣብ ጥሪትካ፡ እቶትካ፡ ውሉድካ፡ ኣብ ትገብሮ ውግእ እ/ር ዝህበካ ሞጎስ፡ ...ወዘተ። እቲ ኣብ ኤፌሶን ዘሎ በረኸት ግና ሰማያዊ ኢዩ። ነቲ እግዚኣብሄር ቅድሚ ምስራት ዓለም ዝመደበልና መደብ ፡ ብምኽንያት ውድቀትና ዘጥፋእናዮ ሕጂ ግና ብክርስቶስ ዝተገበረልና በረኸት፡ ምውራስ ኢዩ። እዚ ኣብ ኤፌሶን ዝተጠቕሰ መንፈሳዊ በረኸት፡ ምድራዊ በረኸት የብሉን ማለት ግና ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 6፥ 33: ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ኹሉ ድማ ይውሰኸልኩም ኢልና ዘሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ በቲ ዘድሌና ምድራዊ በረኸት’ውን ባሪኹና ኢዩ።

ንምጥቕላል፡ ኦሪት ዘዳግም፡ “ግበር’ሞ ክትባረኽ ኢኻ ክብል ከሎ፡ ኤፌሶን ግና፡ በረኸት ተዳልዩልካ ኣሎ'ሞ ንጐይታና ኢየሱስ ብምእማን እቶ ውረስ” ኢዩ ዝብለና።

ጉጅለ 3 ዝጸሓፍዎ

 ኣብ ዘዳግም እንርእዮ በረኸት

እስራኤላውያን ንሕጊ ከየጉደሉ እንተ ፈጺሞሞ ንክረክብዎ  ዝተሓበሮም 12 በረኸታት፡ ዘዳግም 28፡2-14

  1. ልዕሊ ኩሉ ክብ ክብሉ (28፥1)

  2. ኣብ ከተማን መሮርን ብሩኻት ክኾኑ።  (28፥3)

  3. ፍረ ከርሶም፥ መሬቶም፥ እንስሳታቶም ብሩኽ ክኸውን። (28፥ 4,11)

  4.  መሶቦም ምሉእን ዝተባረኸን ክኸውን። (28፥5)

  5. ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም (ምውጽኦምን ምእታዎምን) ብሩኻት ክኾኑ። (28፥6)

  6. ዓወት ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ክህቦም (28፥7)

  7. ኣብ ስርሖምን ምድሮምን ቆፍኦምን ብሩኻት ክኾኑ። (28፥8)

  8. ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ህዝቢ ኮይኖም ክቆሙ። (28፥9)

  9. ኹሎም ኣህዛብ ብእግዚኣብሄር ብምጽውዖም ንኽፈርህዎም። (28፥10)

  10. ዝናብ ኣብ ግዚኡ ክረክቡን ሕርሻኦም ንኽበዝሕን። (28፥12)

  11. ዘለቅሑ እምበር፥ ዘይልቅሑ ክኾኑ። (28፥12)

  12. ርእስን ልዕልን ካልኦት ኣህዛብን ክኾኑ። (28፥13-14)

 ኣብ ኤፌሶን እንርእዮ በረኸት 

 ኣብ ኤፌሶን 1፡3–14 ዘሎ ንኣመንቲ ብክርስቶስ ዝተውህቡ መንፈሳዊ በረኸት፦

  1. ብኣምላኽ ተሓረዩ (1፥4)

  2. ብክርስቶስ ንውሉድ ተመደቡ። (1፥5-6)

  3. ብክርስቶስ ጸጋ ተውሃቡ። (1፥5-6)

  4. ብደም ክርስቶስ ምድሓንን ሕድገት ሓጢኣትን ረኸቡ። (1፥7)

  5. ምስጢር ፍቓድ ኣምላኽ ተገልጸሎም፥ ጥበብን ኣእምሮን'ውን ሃቦም ። (1፥8-10)

  6. ብክርስቶስ ርስቲ ረኸቡ።(1፥11-12)

  7. ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሓተሙ። (1፥13)

  8. ናይ መንፈስ ቅዱስ ዕርቡን ውሕስነት ርስቲ ኣለዎም። (1፥13)

 ፍልልይ

7 ፍልልያት  ናይዞም ክልተ በረኸታት ንርኤ

1. ዘዳግም፥ ኣምላክ ብሙሴ ዝሃቦ ብሉይ ኪዳን፥ ኤፈሶን፥ ብክርስቶስ ዝመጸ ሓድሽ ኪዳን።

2. ዘዳግም፥ ምድራዊ ብልጽግና ንእስራኤላውያን ዝህብ፥ ኤፈሶን፥ ሰማያዊ ርስቲ፥ ንኩሉ ሰብ ዝተዋህበ።

3. ዘዳግም፥ ብግብሪ ንዅሉ ሕጊ ብዘይጎደሎ ብምፍጻም ከም ዓስቢ ዝርከብ፥ ኤፈሶን፥ ብዘይቅድመ ኩነት፥ ብእምነት ኣብ ክርስቶስ፥ ብጸጋ ዝተዋህበ።

4. ዘዳግም፥ ግዝያውን ብህይወት ክሳብ ዘለዉ ከም ሃገርን ውልቀሰባትን ይጠቅም፥ ኤፈሶን፥ ዘልኣለማውን (ድሕሪ ሞት'ወን) ይጠቅም።

5. ዘዳግም፥ ዘይተፈጸመ፥ ቅድመ ኩነት ዘለዎ፥ ኣብ ጻዕሪ ኩሉ ህዝቢ ማለት፥ እስራኤል ንትእዛዛት ብቐጻሊ ንዅሉ ብዘይጎደሎ ኣብ ምእዛዞም ይምርኰስ። ኤፈሶን፥ ብደም ክርስቶስ ዝተፈጸመ፥ ቅድመ ኩነት ዘይብሉ።

6. ዘዳግም፥ ንቁጠባውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ዓወት ዝህብ ንዋታውን ንስጋ ዝጠቅምን። ኤፈሶን፥ መንፈሳውን  ንህይወት ኣማኒ ምስ ኣምላኽ ብክርስቶስ ዘለዎ ርክብ ዝጠቅም።

7. ዘዳግም፥ ሕጊ እንተፍሪሶም ንክረክብዎ ውሕስነት ዘይብሉ፥ ኤፈሶን፥ ንኣማኒ ዕርቡን ውሕስነት ርስቲ፥ ብማሕተም መንፈስ ቅዱስ ኣለዎ።

ጉጅለ 4 ዝጸሓፍዎ

ኣብ ኤፌሶን እንርእዮ በረኸት

1፡ ሕድገት ሓጢኣት ተጌሩልና፡ ጐይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ብዝወዓለልና ውዕለት ንሓጢኣትና ዋጋ ብምኽፋል ብደሙ ሕድገት ረኺብና ኤፌ1፡7።

2፡ ከም ውሉዱ ተቐቢሉና

ተቐባልነት ክንረክብ ብምባል ብመገድና እንገብሮ ጻዕሪ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ኣይንረክብን ኢና እንታይ ደኣ ብጸጋኡ ግና ተቐባልነት ረኺብና ኢና፡ ኤፌ 1፡5-6።

ኣብ ዘዳግም እንርእዮ በረኸት

ኣብ ዘዳግም 28፥ 2-14 ዘሎ በረኸት ምስ እንርኢ ድማ

1፡ ኣብ ልዕሊ ጸላእትኻ ዓወት ትረክብ ዘዳ28፡7

2፡ ተግባር ኣእዳውካ ይባረኽ ዘዳ 28፥8

ፍልልይ

ኣብ ዘዳግም 28፡2–14 ዘሎ በረኸት፡ ብምእዛዝካ ጥራይ ዝስዕበካ ምዃኑ፡ እንተ ዘይተኣዚዝካ፡ እቲ በረኸት  ከም ዘይስዕበካ  ጥራይ ዘይኮነስ፡ መርገም ከም ዘምጻኣልካ ተጻሒፉ ንረኽቦ። ብተወሳኺ እዚ በረኸት እዚ ምድራውን ስጋውን ሓላፍን  ኣብ ምድሪ ጥራይ  ዝተደረተ ምዃኑን፡ ካብቲ መንፈሳዊ በረኸት ኣዝዩ ዝተፈለየ  ይኸውን።

ኣብ ኤፌሶን 1፡3-14 ዘሎ በረኸት ግና፡ ነቶም ብእምነት ኣብ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ዳግማይ ዝተወልዱ ዝወሃብ መንፈሳዊን ሰማያውን  በረኸት እዩ። ኣብ ምድሪ ጥራይ ዘይድረት ዘልኣለማዊ በረኸት እዩ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ራብዓይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን፡ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን

Next
Next

ካልኣይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን፡ ስላሴኣዊ ሱታፌ