ሮሜ 16፡ ንመን፧ ስለምንታይ ከ ምምረጽኩሞም፧
ሕቶ - ኣብ ምዕራፍ 16 ካብ ዘለዉ ዝርዝራት፡ ንኽልተ ስም ጥራይ መሪጽኩም፡ ስለ ምንታይ ከም ዝመረጽኩሞም፡ ሓጺር ጽሑፍ ኣዳሊኹም ስደዱ
ጒጅለ 4 ዝመለስዎ
ጵርስኪላን ኣኪላስን (ሮሜ 16፡3-4) ከምኡውን ጋይዮስ ዝብሃሉ መሪጽና ኣለና።
ትርጉም ስሞም፦ ጵርስኪላ ማለት፡ “ወረጃ” ወይ “ጥንታዊ” ማለት ክኸውን ከሎ፡ ኣኪላስ ድማ “ንስሪ” ማለት እዩ። ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 18 ኢና እንረኽቦም። ኣብኡ ብመሰረት እቲ ኣይሁድ ካብ ሮማ ኺለቁ ብንጉስ ቅላውዴዎስ ዚወጸ ትእዛዝ፡ ኣኪላስ (በዓል ጶንጦስ) ካብ ኢጣልያ ሮማ ምስ ሰበይቱ ጵርስኪላ ናብ ቆሮንቶስ መጺኡ ነበረ፡ ይብል፡ (ግብ 18፡2)። ሽዑ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብኡ ነበረ እሞ፡ ብዕዮ ድማ ምስኣቶም ሓደ ስለ ዚነበረ (ምስፋይ ድንኳን) ኣገልግሎቱ እናፈጸመ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ምስኣቶም ተቐመጠ (ግብ 18፡3 ፣ ግብ18፡11)። ኣብ ኤፌሶን ቤተ ክርስቲያን ንምምስራት ካብ ቆሮንቶስ ናብ ኤፌሶን ምስ ከደ’ውን ጵርስስኪላን ኣኪላስን ኣብዚ ዕዮ እዚ ንኽሕግዙ ኣሰንዮምዎ ኢዮም (ግብ 18፡18)። ኣብ ኤፌሶን ሰፊሮም ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጢ ገዝኦም ኣአንጊዶም (1ቆሮ 16፡19)፡ ኣብ ዝተረፈ ኣገልግሎት ጳውሎስ ኣብኡ ጸንሑ (2ጢሞ 4፡19)።
ስለምንታይ ከም ዝመረጽናዮም፡
(ሀ) ኣብነታውያን ሰብ ሓዳር ብምዃኖም፡ ጵርስኪላን ኣኪላስን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ሽዱሽተ ጊዜ ኪጥቀሱ ከለዉ፡ ንሓንሳእ እኳ በበይኖም ኣይተጠቕሱን። እዚ ድማ ኵሉ ስርሖምን ኣገልግሎቶምን፡ ብሓባር ከም ዚነበረ ዘረድእ ኢዩ።
(ለ) ኣብነታውያን ኣገልገልቲ ብምንባሮም፡ ጵርስኪላን ኣኪላስን መዓይይቲ ሃዋርያ ጳውሎስን፡ ክሳዕ ኣብ ክንድኡ ክሳዶም ዘሕለፉ፡ ኣብ ብዘለዋ ማሕበራት ኣህዛብ ምስጉናት ዚነበሩ ኣገልገልቲ ነበሩ፡ (ሮሜ 16፡3-4)። እዞም መጻምድቲ እዚኣቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዘመናዊት ግሪኽን ቱርኪን ኣብ ምምስራት ቤተ ክርስቲያን ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም።
(ሐ) ዓሚቚ ርድኢት ወንጌል ርድኢት ነበሮም። በዚ ኸኣ ኣጵሎስ ኣብ ኤፌሶን ምሉእ ብዘይኰነ ፍልጠት ኪሰብኽ ምስ ጀመረ፡ ጵርስኪላን ኣኪላስን “ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ” (ግብ 18፡26)። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ድሕሪኡ ኣጵሎስ ናብ ኣካያ ተጓዒዙ ኣብኡ "ነቶም ኣመንቲ ብጸጋ ኣምላኽ ብዙሕ ጠቐሞም። የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብጽሑፋት እናኣርኣየ፡ ንኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ብግሁድ ኣጸቢቑ ይረትዖም ነበረ” (ግብ 18፡28)።
(መ)ንቤቶም ንመቐበል ኣጋይሽን፡ ንምእካብ እታ ኣብ ኤፌሶን ዚነበረት ማሕበርን ዚወፈዩ፡ ነበሩ (1ቆሮ 16፡19፣ ሮሜ 12፡13)።
ካልኣይ ዝመረጽናዮ፡ ጋይዮስ እዩ፡ (ሮሜ 16፡23)። ትርጒም ስሙ፡ ምሕጓስ ማለት’ዩ። “ጋይዮስ” ዚብል ስም 5 ጊዜ እኳ ተጠቒሱ እንተሎ፡ እዚ ጋግዮስ እዚ፡ እቲ ኣብ ቆሮንቶስ ዚነበረ፡ ሓደ ካብቶም ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ዜጥመቘም ተዛሪብሎም ዘሎ ኢዩ፡ (1ቆሮ 1፡1)ብተወሳኺ፡ እዚ ጋይዮስ እዚ፡ ምስቲ ኣብ 3ይ መልእኽቲ ዮሃንስ ብምቕባል ኣጋይሽ ተጠቒሱ ዘሎ ጋይዮስ ዝብሃል ኣገልጋሊ፡ ምስኡ ሓደ ኪኸውን ይኽእል ዚብሉ’ውን ኣለዉ፡ ዚዀነ መረጋገጺ ግና የለን።
ጋይዮስ ንሃዋርያ ጳውሎስ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነታ ኣብ ቆሮንቶስ ዚነበረት ማሕበር ኵላ ግሽነት ዚቕበል ኣገልጋሊ ስለ ዝነበረ፡ በቲ ኣብነታዊ ኣገልግሎቱ መሪጽናዮ፡ (ሮሜ 16፡23)።
ጉጅለ 3 ዝመለስዎ
ፌቤን፡ ከምኡን ንጵርስኪላን ኣኪላስን መሪጽና ኣለና።
ኣብ ሮሜ 16፡1-2 ንረክባ። ትርጉም ስማ፡ ጽሩይ ብርሃን ማለት እዩ። ኣብ ወደብ ክንክርኤስ (ኣስታት 15 ኪ.ሜ ካብ ቆሮንቶስ) ኣገልጋሊት፡ ወይ ብግሪኽ ድያኮኖስ (deaconess,) ዲያቆናዊት: ኮይና እተገልግል ዝነበረት ፌበን፡ ንመልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ ዘብጽሐት፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ክገልጻ ከሎ፡ ሓፍትና (ብክርስቶስ)፥ ኣገልጋሊት፥ ሓጋዚት እዩ ዝብላ። ንሳ ነቲ መልእኽቲ ሒዛ ናብ ሮሜ ምብጽሓ፡ ተኣማኒት ምንባራ ዘጉልሕ እዩ። ”ንቕዱሳን ከም ዝግባእ ጌርኩም ተቐበልዋ፡” ብምባል ድማ፡ ብፍቕሪ ክቕበልዋ ተላበዎም። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ”ብእትደልዮ ደግፍዋ” ምባሉ ኸኣ፡ ምናልባሽ ፌበን ኣብ ንግዲ ትነጥፍ ኔራ ትኸውን’ያ፡ ዝብል ግምት ኣሎ።
ትውልዳ ካብ ሃብታማት ነጋዶ ዝነበሩ ስድራ ክትከውን ከም እትኽእልን፡ ብሃብታን ጉልበታን ከኣ ንወንጌልን ንኣመንትን ብትግሃት ዘገልገለትን ንብዙሓት ድማ ዝሓገዘትን፡ ጸጋ ዝበዝሓላ ኣማኒት ምንባራ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ይኹን ኣብ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ፡ ንደቀንስትዮ ኣብነት ክትከውን ትኽእል’ያ ብምባል በዚ ምኽንያት እዚ መሪጽናያ።
ጵርስኪላን ኣኪላስን ዘደንቑን ኣብነታውያን ሰብ ሓዳር እዮም። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 18፡2-3 ብሰንኪ ሃጸይ ሮማ ቀላውድዮስ ንኣይሁድ ካብ ሮማ ንኽስጎጉ ዝሃቦ ኣዋጅ፡ ካብ ጣልያን መጺኦም ሰራሕቲ ድንኳን ምኻኖም ተገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ቆሮንቶስ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ተራኺቦም ኣብ ኣገልግሎቱ ናይ ቀረባ ሓገዝቱ ከም ዝኾኑ፥ ንጳውሎስ ኣሰንዮም ድማ ናብ ኤፌሶን ከም ዝኸዱ (ግ.ሃ 18፡18-19 )ንርዳእ። ኣጵሎስ ንእተባህለ፡ ንፉዕ ሰባኺ ወንጌል፡ ምሂሮም፡ መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ከም ዘረድእዎ፡ (ግ.ሃ 18፡24-26 ) ኣብ ምስፋሕ ወንጌል ዝነበሮም ተራ ጐሊሑ ኣሎ። ጵሪስክላን ኣኪላስን ብኣፍልጦን ብምምህርናን ብቑዓት ኮይኖም ኣብ መንፈሳዊ ዕብየት ኣጵሎስ ኣበርክቶ ብምግባር፡ ነታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምድልዳል፡ ዕዙዝ ተራ ዝነበሮም እዮም።
ኣብ ሮሜ 16፡3-4 ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንጵርስኪላን ኣኪላስን "ብክርስቶስ የሱስ መሳርሕተይ" ኢሉ ይንእዶም፡ ምእንታኡ ድማ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከም ዘእተዉ ይነግር። ንወንጌል ዝነበሮም ተወፋይነትን ምእንቲ ክርስቶስ ክብሉ ሽግራት ክጻወሩ ዝነበሮም ድልውነትን፡ ናይቲ ንእምነት ዝነበሮም ተወፋይነት፡ ኣብነት እዩ።
ኣብ ቀዳሞት ክርስትያናት ብማሕበር ኣብ ገዝኦም ምጥርናፍን ዝነበሮም ኣቀባብላን ተሳትፎን ብዝያዳ ኣብ 1ቆሮ 16፡19 ጎሊሑ ኣሎ፡። ሃዋርያ ጳውሎስ "ኣኪላን ንጵሪስኪላን ምስታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማሕበር ሰላም ይብልኩም" ብምባል ኣብ ቤቶም ማሕበር ምንባራ፡ ዘገርም ጸጋ ኣምላክ ዝበዝሖም ሰብ-ሓዳር ምንባሮም ንርዳእ።
ኣብ ናይ መወዳእታ ናይ ማእሰርቲ እዋኑ’ውን ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 4፡19፡ ንኽልቲኦም ጠቒሱ፡ ሰላምታኡ ብምምሕልላፉ፡ ጵርስኪላን ኣኪላስን ክሳብ መወዳእታ ህይወት ጳውሎስ፡ ትጉሃት ኣመንቲ ምንባሮም ንርዳእ።
ታሪኾም፡ ንኣገልግሎትና፥ ንኻልኦት ብፍቕሪ ክንሓቍፍ፡ ብእምነት ንሓድሕድና ክንደጋገፍ፡ ከምኡ’ውን ከም መጻምድቲ ንኻልኦት ኣብ እንገብሮ ትምህርትን ሓገዝን፥ ፍቕሪ ክርስቶስ ንኸነርኢ ስለ ዝምህሩና፡ በዚ ምኽንያት እዚ መሪጽናዮም።
ጉጅለ 2
ንፌበንን ንጋይዮስን መሪጽና ኣለና። ንፌበን ዝመረጽናሉ ምኽንያት፦ ፌበን ኣብ ማሕበር ክንክሬስ ኣገልጋሊት ከም ዝነበረት፡ ተነጊሩና ኣሎ። ኣብ ኣገልግሎት ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ማዕረ ክንደይ ኣገዳሲት ከም ዝነበረት ንግንዘብ። ከተማ ቆረንቶስ፡ ቅጥዒ ዘይብላን ውድቀት ስነ ምግባርን ብዝሒ ሃይማኖታትን፡ ምዝርናን ዝተባላሸወት ከተማ ብምንባራ፡ ፌበን ኣብዚ ኸባቢ’ዚ ኣገልጋሊት ኰይና ክትርከብ ምኽኣላ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኩሉ ቦታ፡ ንዕኡ ዝኾንዎ ቅዱሳን ከም ዘለውዎ ዘርኢ ዓቢ ትምህርቲ እዩ።
ድያቆን ማለት፡ ካብቲ diacons ዝብል ግሪኻዊ ቃል ዝመጸ ኮይኑ፡ ትርጉሙ ድማ ሓጋዚ ወይ ኣገልጋሊ(ኣብ ትሕቲ ካህን ዝሕግዝ) ማለት እዩ። ከምቲ ትርጉሙ ዝነግረና ኸኣ ፌበን፡ ክትሕግዝ፡ ከተገልግል፡ ትሕትናን ምእዛዝን ሓደ ካብቲ ድያቆናት ከማልእዎ ዘለዎም ባህሪ እዩ እሞ፡ ፌበን’ውን ንዕኡ ዘማልአት ኔራ ዝብል ግምት ምቕራብ ይከኣል። ኣብ 1ጢሞ3፥12-13 : እቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉ፡ ዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስን ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ ኢዮም……ከም መርኣያ ናይዚ ፌበን እቲ መልእክቲ ሒዛ ካብ ቆረንጦስ (ክንክሬስ) ናይ ሎሚ ግሪክ፡ ናብ ሮማ ከባቢ 1,087km ተጓዒዛ፡ መልእክቲ ከም ዘብጸሐት ንርዳእ። በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር፡ ንፌበን መረጽናያ። (መታሓሳሰቢ እዚ ኪ.ሜ መዐቀኒ ካብ ናይ ሎሚ ግሪኽ ክሳብ ሮማ ዘሎ ካብ google ዝተወስደ እዩ)።
ጋይዮስ፡ ብስብከት ሃዋርያ ጳውሎስ ኣሚኑ ከምዝተጠመቀ ኣብ (1ቆሮ1፥14) ንረክቦ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንጋይዮስ ከም ተቐባሊ ጋሻ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። ካብኡ ብዝሓለፈ’ውን ንቤተክርስትያን ኣብ ገዝኡ ክትእከብ ዝፈቐደ፡ በዓል ዓቢ ጸጋ ከም ዝኾነ የረድኣና። ከምቲ ኣብ(ዘፍ18፥2) ኣቦና ኣብርሃም ሰለስተ ስብኡት ከም ዝተቐበለ፡ ኣብ (ዕብ 13፥2)”"ገሊኦም ከይፈለጡ ብእኡ ንመልኣክቲ ከም ኣጋይሽ ተቀቢሎም ኣለዉ፡እሞ ምቅባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ"ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ናይ ጋይዮስ ኣገልግሎት ከኣ ንዓና፡ ከም ሕብረት ሰብ፡ ተቐበልቲ ጋሻ ምዃና መጠን፡ እዚ ኣገልግሎት ጸጋ ምዃኑ ፈሊጥና ሸለል ከይበልና ኣጥቢቕና ክንሕዞ ከም ዘለና ስለ ዘዛኻኽረና፡ ንጋይዮስ መሪጽናዮ።
ጉጅለ 1 ዝመለስዎ
ሰብ ሓዳር፡ ጵርስኪላን ኣኪሊስን ከምኡ’ዉን ጋይዮስን መሪጽና ኣለና።
ጵርስኪላን ኣኪሊስን ብክርስቶስ ዝኣምኑ ሰብ ሓዳር ኮይኖም፣ ሰፊይቲ ድንኳን ከም ዝነበሩ፣ ነቶም ኣመንቲ ኣብ ቤቶም ይእክብዋም ከም ዝነበሩ፤ ንሃዋርያ ጳዉሎስ ከኣ ቀንዲ መዓይይቱ፡ ካብ ሞት ከይተረፈ ከም ዘድሓንዎ፡ ኣብተን ማሕበራት ኣህዛብ’ዉን ፍቱዋት ከም ዝነበሩ ኣብ ሮሜ (16፥3-4)ነንብብ። ናይዞም ሰብ ሓዳር ደስ ዝብለካ ትብዓቶምን፣ ተውፋይነቶምን እዩ፡ ኣብነታዉያን ኮይኖም ድማ ረኺብናዮም።
ካልኣይ ዝመረጽናዮ ድማ ጋይዮስ እዩ። ጋይዮስ፡ ተቐባሊ ጋሻ ብምንባሩ፡ ኣድኒቕናዮ። ወላ እኳ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ ብዙሕ ኣይጻሓፍ እምበር፡ ኣብ ሮሜ 16፣23 ከም እነንብቦ ግና፡ ንሃዋርያ ጳዉሎስን፣ ነታ ማሕበርን ተቐባሊ ጋሻ ከም ዝነበረ፡ ስለ እንርዳእ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ መሪጽናዮ።