ስነ-መለኮታዊ ዘተ፡ ኦርቶ-ሉተራን
15 ወከልቲ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስን ከምኡውን 10 ወከልቲ፡ ዓለም ለኸ ሉተራዊት ፈደረሽንን፡ ሓባራዊ ስነ-መለኮታዊ ልዝብ ንምክያድ፡ ትማሊ 25 ግንቦት 2024፡ ኣብ ጥንታዊ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ገዳም ቅዱስ ጊዮርጊስ ተጋቢኦም ምውዓሎምን፡ እቲ ርክብ ድማ ክሳዕ 31 ግንቦት 2024 ክቕጽል ምዃኑን፡ ኦርቶዶክስ ታይምስ ኣፍሊጡ።
ንፓትርያርክ መንበረ እስክንድርያ ብምውካል ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ እታ ቤተ ክርስቲያን፡ ሊቀ-ጳጳስ ኣቡነ ጴንጠሌሞን ኣብቲ ጉባኤ ይሳተፉ’ለዉ።
ሓባራዊ ስነ-መለኮታዊ ዘተ ኦርቶ- ሉተራን ንኽካየድ ኣብ ዓመተ 1967 ስምምዕ ምስ ተበጽሐ፡ ንመጀመርያ እዋን ኣብ ፊንላንድ እዩ ብ1981 ኣብ ከተማ ኤስፑ ተጋቢኡ። ዛጊት ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምልዛብ፡ “ድሕነት፡ ጸጋ፡ ጽድቅን ሓጢኣትን” ዝብል፡ ኣብ ዓመተ 1998፣ “ጥምቀትን፡ ሜሮንን ከም ምስጢራት ደገ ኣባልነት ንቤተ ክርስቲያን” ዝብል ኣብ ዓመተ 2004፣ ኣብ ዓመተ 2019 ዝጀመረ ኸኣ፡ ምድላው መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ዝብል፡ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም ኣለዉ።