ንእምነት፡ ትኣምኖ ወይ ትኽሕዶ እምበር: ከተሐድሶ ኣይትኽእልን ኢኻ- ቀሺ ሙሴ ሺሻይ
እዚ ጽሑፍ እዚ መስከረም 2016 ወጺኡ ዝነበረ እዩ።
ንቐሺ ሙሴ ሺሻይን ኣባ ሙሴ ዘርኣይን ፈላልዩ ዘይፈልጥ ሰብ ሒደት ኣይኰነን። ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፡ እቶም ንሽልማት ኖበል ተሓጽዮም ዝነበሩ ካቶሊካዊ ካህንን ኣቦን እዮም። ቀሺ ሙሴ ሽሻይ ግና ብዙሕ ግዜ ብፈይስቡክ ሳሕቲ ኸኣ ኣብ ገለ መርበባት ሓበሬታ ናይ ቪድዮን ጽሑፍን መልእኽቲ ዝጽሕፉ ኦርቶዶክሳዊ ካህንን ኣቦን እዮም። ብ1983 እምባ ባርያ ኣብ ዝበሃል ዓዲ: ወረዳ ደጊዐን ዞባ ደቡብ ተወሊዶም። ዲቁናን ክህህነትን ካብ ኢድ ኣቡነ ቄርሎስ ኣብ ዓድ ቐይሕ ተቐቢሎም፥ ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ኣብ ሃገረ ስዊትዘርላንድ ይነብሩ ኣለው።
1. ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ: ጥንቂ ምፍልልይ ቤተክርስቲያን ኮይኑ ዘሎ እንታይ’ዩ ትብሉ፧
እቲ ጠንቂ: መንግስቲ ኢዱ ኣብ ጉዳይ ቤተክርስቲያን ስለ ዘእተወ እዩ። ብድሕሪኡ ገለ ካብቶም ቤተክህነትን ምእመናንን ንግዝያዊ ረብሓን ስምን ክረኽቡ ክብሉ: እቶም ካልኦት ግና ምእንቲ ሓቂ ኣብ ሓቂ ደው ክብሉ ስለ ዝመረጹን: እቲ ምፍልልላይ በዚ ምኽንያት እዚ ክገሃድ ክኢሉ።
2. ካህናተ ተዋህዶ ዘኦርቶዶክስ: ገሌኹም ጻዕዳ ገሌኹም ጸሊም ትኽደኑ’ሞ: እቲ ሕብሪ ገለ ዘስምዖ ፍልልይ ኣሎ ዶ፧
ዘስምዖ ፍልልይ እኳ የብሉን። እቲ ጸሊም ንዓለምን ፍትወታን እኹንኖ ኣለኹ ዘስምዕ ክኸውን ከሎ: እቲ ጻዕዳ ድማ እቲ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ጽድቅን ቅድስናን ዘመልክት እዩ።
3. ንስኹም ቀሺ ኴንኩም ንሰብ ኣቦ ነፍሲ ትኾንዎ ኢኹም: ንቐሺ ኸ ኣቦ ነፍሲ ዝኾኖ ቀሺ ኣለዎ ዶ፧
እወ: ከምቲ ግቡእ ግና ንሓደ ቀሺ ኣቦ ነፍሲ ከኾኖ ዝግባእ ሓደ ጳጳስ እዩ። ኣቦ-ነፍሲ ክህልወካ ሰናይ እዩ: ዝጽልየካ: ዝድግፈካ: ዘበርትዓካ: ዝገንሓካ ማለት እኳ’ዩ። ስለዚ ንካህን ከምዚ ክገብረሉ ዝኽእልን ዝግባእን ጳጳስ ስለ ዝኾነ: ናይ ካህን ኣበ-ነብሲ ጳጳስ እዩ ክኸውን ዘለዎ።
4. ”ተሃድሶ” ”መናፍቕ” ዝብሉ ቃላት ተደጋጊምም ክጸሓፉ ንነብብ ኢና’ሞ: እንታይ ማለት’ዩ ተሃድሶ፧ እንታይ ማለት ከ እዩ መናፍቕ፧
ካቶሊክ ማለት እንታይ ማለት’ዩ፧ ፕሮተስታንት ማለት እንታይ ማለት’ዩ፧ እንተበልካ: መልሲ ክህበካ እኽእል’የ። ”ተሃድሶ” ኢልካ ዘረባ ግና ”ሓደ’ኳ ብክርስቶስ እንተልዩ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት’ዩ” ዝብል ጽሑፍ ኣሎና። ከምቲ ብዩ-ትዩብ ኣቢሎም ተሓድሶ ዝበሃል ሓድሽ ሃይማኖት እናበሉ ብቪድዮ ዘመሓላልፍዎ ዘለው: ከምኡ ክኸውን ግና ኣይክእልን። ንሓደ እምነት: ወይ ትኣምኖ፡ ወይ ድማ ትኽሕዶ እምበር፡ ከተሐድሶ ኣይትኽእልን ኢኻ። ህይወትካ ግና ብርግጽ በብግዚኡ ከተሐድሶ ትኽእልን ይግባእን ከኣ’ዩ።
መናፍቕ ማለት፡ ንምህሮ ምስጢራተ እምነትን ምስጢራተ ቤተክርስቲያንን፡ ነቲ ፍርቁ ተቐቢሉ ንፍርቁ ዝኽሕድ ማለት’ዩ። ክርስቶስ በይኑ ክንሱ መድሓኒ: ክርስቶስ መድሓኒ እዩ: ግናኸ ካልእ መድሓኒ ድማ ኣሎኒ ኢልካ ኣብ ካልእ ምውካል: ክርስቶስ በይኑ ክንሱ ረዳኢ: ካልእ ረዳኢ ድማ ኣለኒ ኣሎኒ ኢልካ ኣብ ካልእ ምውካል: ወዘተ መናፍቕነት ዝብሃል ከምዚ እዩ። ተጠራጣሪ: ተዋላዋሊ: ኣብ እምነቱ ጽኑዕ ዘይኰነ ማለት ድማ እዩ። ናይ ግብጽን ኣርመንን ስርዓተ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ: ናይ ኤርትራን ሶርያን’ውን ከምኡ። ኣብ ስርዓት ስለ ዘይመሰሉና ወይ ስለ ዘይመሰልናዮን ግና፡ መናፍቕነት ኣሎዎም ወይ ኣሎና ዘብል ኣይኰነን። መናፍቕነትሲ ከምቲ ኣርዮስ ዝገበሮ፡ ንኣምላኽነት ክርስቶስ ምስ ዝኽሕድ: ወይ ከምቲ መቅዶንዮስ ዝገበሮ ን ኣምላኽነት መንፈስ ቅዱስ ምስ ዘይቅበል እዩ።
5. መንግስቲ ኢዱ ካብ ቤተ ክርስቲያን የውጽእ ኢልኩም ትምጉቱ ኢኹም። ግናኸ ንስኹም ከኣ ሓደው ደምበ ፍትሒ(እዚ ማለት ከኣ ተቓወምቲ መንግስቲ) ኣብ ዝወደብዎ ሰላማዊ ሰልፍን ካልእን ትሳተፉ ኢኹም: ኢድካ እንተዘይኣውጺእካ: ኢድና ከነእቱ ኢና ድዩ እቲ ሃቐና፧
እቲ ምጉት ኣነ ዘይኮንኩስ ቃል ኣምላኽ’ዩ ”ናይ ቄሳር ንቄሳር: ናይ ኣምላኽ ከኣ ንኣምላኽ ” ብምባል ዝምጕት። ኣብ 2ዜና 26.18 ከም እንርእዮ ድማ ንጉስ ዑዝያ፡ እቲ ካህናት ጥራይ ክገብርዎ ዝግባእ፡ ንሱ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ክዓጥን ምስ ጀመረ፡ ካህን ኣዛርያ፡ ምስኡ ሰማንያ ተብዓት ክህናት እግዚኣብሄር ሒዙ፡ ደድሕሪኡ ብምእታው እዩ ተቓዊምዎ። ስለዚ፡ መንግስቲ ኢዱ ኣብ ጉዳይ ቤተክርስቲያን ከእቱ ከም ዘይግባእ ቃል ኣምላኻዊ ሰረት ዘሎዎ እዩ።
ተቓወምቲ መንግስቲ ኢልካዮም ዘለኻ ግጉይ ኣበሃህላ’ዩ። እዚኦም ደለይቲ ፍትሒ: ጸግዒ ህዝቢ: እዮም። ተቓዋሚ መንግስቲ ዝበሃል: ክልተ ወይ ሰለስተ ፖለቲካውያን ፓርቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር ኮይኖም ንሓድሕዶም ብሕጋዊ መገዲ ክንሓንሑ ከለው እዩ። ስለዚ ንሕና ምስ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ጸግዒ የብልናን። እቶም ደገፍቲ ኢና ዝብሉ’ውን እኳ ኣብዚ ንሕና ዝወደብናዮ ሰልፊ ኮንኩም እቲ ዝመስለኩም ድምጺ ብነጻ ከተስምዑ ትኽእሉ ኢኹም እንተዝብሉና: ንሕና ወጽዓ ህዝብና ውጽዓና ስለዝኾነ ወጽዓኡ ክፍለጠሉ ዘኽእል ኣጋጣሚታት ጥራይ ኢና ንደሊ።
ብዝተረፈ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ከም እንርእዮ ከም በዓል ኣቡነ ያእቆብ ዝበሃሉ ግሪኻውያን ጳጳሳት ዝርከብዎም ኣገልገልቲ ካህናት፡ ኣብ ጐኒ ደለይቲ ፍትሒ ኰይኖም ስለ ስቅያት ህዝቦም ዝተቓለሱ፡ ብዙሓት ስለ ዘለዉስ እዚ ናትና ናይ መጀመርያ ኣይኰነን።
6. ኣብ ፈይስቡክ ሼር ካብ እትገብርዎ ገለ ስእልታት፡ ፍጹም ኣስካሕካሒ (ጥዕና ተዓዛቢኡ ክሃሲ ዝኽእል) እናዀነ ክንሱ፡ ግናኸ ስቕ ኢልኩም ሼር ምግባርኩም፡ ስለምንታይ እዩ፧
ግፍዒ እቶም ገፋዕቲ ንምንጽብራቕ እየ: ንኣብነት ከምዚ ኣብ ሶርያን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለምን ዝግበር ዘሎ: እቲ ግፍዒ እንተዘይርኢናዮ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ብዙሕ ክስምዓና ዝኽእል ኣይኮነን። እቶም ብክርስቶስ ኣሕዋትና ዝኾኑ: በቲ ኣብ ዝተፈላልለይ ቦታ ዝበጽሖም ዘሎ ግፍዒ: መከራ: ስደት: ብጸሎት ክንነቅሕ ስለዝሊ ነቲ ቪድዮ ከምዘለዎ እፍንዎ። ሞት ኣብ ጥቓና ከም ዘላ ስለዚ ድማ ክንዳሎ ከም ዝግብኣና ንምዝኽኻር ኢለ’ውን ነቲ ቪድዮ ከም ዘሎዎ እፍንዎ። ገድለ ሃዋርያት ደኣ’ሞ ንምንታይ ተጻሒፉ: ስለዚ ንሕና’ውን ኣብ ህይወት ካልኦት ይበጽሕ ብዘሎ ሽግርን ጸበባን ክንመሃረሉ ስለ ዘለና ብምባል እየ።
7. ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ክመጽእ ሲ ናብ ህዝቢ ክተሕልፍዎ እትደልዩ መልእኽቲ እንተሎ፧
እቲ ቐዲመ ዝበልክዎ፡ እኹል ይመስለኒ። ”ናይ ቄሳር ንቄሳር: ናይ ኣምላኽ ከኣ ንኣምላኽ ” ምሃብ ንልመድ፡ ንሓቂ ንፍትሒ ደው ንበል፡ ”ፍትሒ ጐደለ፡ ድኻ ተበደለ” ኣብ ዝብል እንተዓሲልና፡ እቶም ካልኦት ፍልልያት’ውን ንምፍትሖም ዘኽእለና ባይታ ክፍጠር ይኽእል’ዩ።