“ስነ ጥበባዊ፡ ብስርሑ ተቐያማይ’ዩ” ሙሴ፡ ኬክያ፡ ባባ-ሓሊብ
እዚ ጽሑፍ እዚ፡ 28 ነሓሰ 2016 ወጺኡ ዝነበረ እዩ።
”ንስነ ጥበባዊ ብስርሑ ኣይትበድልዎ: ብስርሑ ተቐያማይ’ዩ” ክብል እደሊ” በለ፡ ባባ ሓሊብ። ”ኣነ ዝሰኣልክዎ ወይ ዝጸሓፍክዎ: ዓበይቲ መካይን ተሓንጊጠንኦ ካብ ሃገር ንሃገር ክስንጥቓ ከለዋ፣ ኣብ ናይ ገለ ገለ መናድቕ ባር፡ ወይ ቤት መግቢ: ስእሊ ኬክያ ክርኢ ከለኹ: ንእሽተይ ኣስተዋጽኦስ እባ እገብር ኣለኹ’የ እብል:” ብምባል ከኣ ወሲኹኒ። ለካ ባባ ሓሊብሲ እቲ ጽውጽዋይ ዝነግር ሰብኣይ ጥራይ ኣይነበረን። ”ሓንቲ ነገር ግን ክነግረካ” ኢሉ ድማ ኣስዒቡለይ: ”ኣብቲ መልሰይ ዝጅሃር ዘለኹ ክመስል ይኽእል’ዩ: ጃህራ ግና ኣይኰነን” ኢሉ ኸኣ ተላብዩኒ፥ ለበዋይ ኣሕሊፈ ኣለኹ። ክመስለኩም ድዩ ከይመስለኩም ግና ብርግጽ ናባኹም ጥራይ’ዩ ዝግደፍ።
ን ባባ ሓሊብ ኣይፈልጦን’የ እንተይለ: ክሕሱ’የ፣ ኪንዮ መስኮት ተለቪዥን: እንዳዜና ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ: ከም ሰቡ ኣብ ጣውላ ዓጊጕና ሓሚናዮ ንፈልጥ ኢና፣ ብዙሕ ግዜ ብብዙሕ ኣርእስቲ። ሞራላዊ ሰረት ኣብ ተካእቲ ወለዶ ከም ዝሰርጽ ኣብ ምግባር: ሓደ ካብቶም ብሉጻት ኣማራጺታት: ጽውጽዋይ ምንባሩን ምዃኑን: እምነተይ ስለ ዝነበረን ስለ ዝኾነን ከኣ፡ ንስርሓት ሙሴ ከም ባባ ሓሊብ ወትሩ አድንቕ ነበርኩ። ንባባ ሓሊብ: ”እፈልጦ’የ” እንተኢለ ግና ኸኣ ክሕሱ’የ፥ ኪንዮ ናይ ብማዕዶ ምምምዕዳው ሓሊፈ: ኣብ ሓንቲ ጣውላ ምስኡ ኮፍ ኢለ ዘዕለልኩላ: እንኮ መዓልቲ’ውን ትኹን ኣይዝክርን። ሕጂ ግና፡ ኣዕሊለዮ ኣለኹ- ጥዑም ዕላል እኳ ደኣ!
ሰላም ንዓኻ ሙሴ ከምቲ ልሙድ እቲ ምስ ኣንበብቲ ከላልየካ ዝኽእል ዝበልካዮ ክፋል ድሕረ ባይታኻ ኣሕጽር ኣቢልካ ክትነግረኒ እሞ ናብተን ሽውዓተ ፍረ ሕቶታት ክሰግር:-
ብሓጺሩ: ኬክያ: ሙሴ: ባባ ሓሊብ ብዝብሉ ስም እየ ዝፍለጥ። ሰለስቲኦም: ሙሴ: ኬክያን ባባ ሓሊብን ነንበይኖም’ዮም። ሙሴ ኣብ 1974 ኣብ ዕዳጋ ዓርቢ ተወሊዱ: ባባ ሓሊብ ኣብ 1992 ኣብ ካፒቶል እንዳ ዜና ነበር ተወሊዱ፤ ኬክያ ድማ ኣብ ሰማንያታት እኳ እንተተወለደ: ዝተጠምቀሉ ግን ኣብ 1992 ኣብ ሲነማ ኣዝመራ እዩ።
ሰለስቲኦም: ሙሴ: ኬክያን ባባ ሓሊብን: ነናቶም ስራሕን ህይወትን ይመርሑ። ሙሴ: ዕላል: ጸወታ ዝፈቱ: ምስ ሰብ ቀልጢፉ ዝላለን ምስ ሰብ ክፈላለ እንከሎ: ነብሱ ብናፍቖት ዝሃሲ ሰብን እዩ፡፡ ሙሴ ሓፋር’’ዩ፤ ሕፍረቱ ግን ኣይንበብን።
”ኬክያ:” ተዋሳኣይ: ጸሓፊ ሓጺር ዛንታ: ኮታ ብዙሕ ሞያ ዝውንን ስነ-ጥበባዊ’ዩ። ተባዕ: ዝመሰሎ ዝገብር: ዝተራእዮ ዝዛረብ: ኣብ ስርሑ ህርኩት: ብዝገበሮ ዘይጠዓስ ድማ’ዩ።
ባባ ሓሊብ ካብ ሙሴን ኬክያን ኣብ ጠባዩ ብብዙሕ ይፍለ፤ ዓቃል’ዩ: ምስ ህጻናት ምዕላል: ምስ ህጻናት ምጽዋት ይፈቱ፤ ኩሉ ሓሳባቱ ድማ ንህጻናት ዝወፈየ’ዩ። ባባ ሓሊብ: ሓድሽ ነገር ምቕራብ ይጽዕር: ንኣብነት ተንቀሳቓሲ ስእሊ Animation ብዝምልከት: ካብ መላእ ኣፍሪቃ ንህጻናት ብ cartoon ጌረ ዘቕረብኩ ኣነ’የ እንተበለ: ኣብ መኽዘን ቲቪ ኤረ Archive ስኑድ ስለዝኾነ: ኣይኮንካን ኢሉ ን ባባ ሓሊብ ክካትዖ ዝኽእል ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን።
1. ስለምንታይ እዩ ባባ ሓሊብ: ”ባባ ሓሊብ” ክበሃል ተመሪጹ (እቲ” ባባ” ናይ ጣልያን: እቲ ”ሓሊብ” ናይ ትግረ ወይ ዓረብ: እቲ መደብ ድማ ንተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ዝኾኑ ቈልዑ: ስለ ዝኾነ’የ)
ስነ ጥበባዊ ሽፋ ዝመረጾ ስም’ዩ። ኣብ መደብ ህጻናት; ጽውጽዋይ ምጽዋይ ኣብ ዝጀመርኩሉ: ስመይ እነግር ኣይነበርኩን። ኣብቲ ጊዜ እቲ ድማ: ሽምካ መን’ዩ ዝብል: ካብ ተኸታተልቲ ብዙሕ ደብዳቤ ክውሕዝ ጀሚሩ ነበረ። ሓደ መዓልቲ: ”ሌላ ምስ ባርካ” ዝብል መደብ እናቕረብኩ: ስነ ጥበባዊ ሽፋ፡ ”ባባ ሓሊብ ኢልካ ተላለዮም” ኢሉኒ። ተፈታዊት ሽም ድማ ኰይና።
2. ብቕንዕና ክትምልሰለይ’የ ጽጽበየካ: - ቀሺ ክበሃል ከሎ ናብ ኣእምሮኻ ዝጐዪ ነገር እንታይ እዩ፧
ኢዱ ወይ መስቀሉ ተሳሊመ፡ ጸሎተይ ናብ ማርያም ኣደይ ዘብጽሓለይ ወኪል ወይ ኣምባሳደር: ዝብል’ዩ ኣብ ኣእምሮይ ዝሰኣል።
3. ባባ ሓሊብ ኣብ ምህናጽ ሞራላዊ ህይወት ህጻናት: ብዝገበሮ ኣበርክቶ: ብማሕበር: ወይ ውልቀሰብ ወይ’ውን ምናልባሽ ብመንግስቲ: ወግዓዊ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ይፈልጥ ዶ፧
ባባ ሓሊብ ዋኒን ህዝቢ እምበር ዋኒን ሙሴ ኣይኮነን። ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ድማ ህዝቢ ብጽቡቕ’ዩ ዝቕበሎ ነይሩ፤ ኣብ ዝኸዶ’ውን ሃናጺ ርእይቶ ይልገሰሉ ነይሩ’ዩ። ገለ ገለ ቤት ትምህርትታት: ኣብ መዕጸዊ ትምህርቲ: ንህጻናት ጽውጽዋይ ክነግረለን ይዕድማኒ ነይረን። መምሃራን ይኹኑ ወለዲ ድማ…. ምሽ ኣለካ: ምስቶም ህጻናት ፈፈው ክብል ስለ ዝውዕል: መሕጸቢ ክዳን ዶ ክንብሎ ወይስ ከምዞም ደረፍቲ ድሕሪ መርዓ kkkkkkk መተባብዒ ይህቡኒ ኔሮም። ብመንግስቲ ደረጃ’ውን ሓደ እዋን ብማህደረ ትምህርቲ ንሆላንድ ክጉዓዝ ተበጊሰ ነይረ’የ። ንዓይ ጽብቕቲ ትምህርቲ’ያ ነይራ: ኣብቲ ንህጻናት ዘዳልዎ መደብ ድማ ብዙሕ ክትሕግዘኒ ትኽእል ዝነበረትን ዝተማሃርክዎ ንህጻናት ክውርሶም ዝኽእል ዝነበርኩን ትምህርቲ ድማ’ያ ኔራ። ዎዮ ንሆላንድ ዝገዛእክዎ ክዳውንቲ ግና: ኣብ ጐደና ሓርነት’ዩ መዋጽኢ ኰይኑኒ። ነቲ ”ዘይናትካ ኣይናትካን’ዩ” ዝብል ኣበሃህላ ኸኣ፡ ሽዑ’የ ዘስተማቐርክዎ። ባባ ሓሊብ ብህዝቢ ተፈታዊ ምንባሩ ዝያዳ ዘረግገጽኩ ግና: ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ምስ ህገራዊት ጋንታ ግብጺ ትጻወተሉ ኣብ ዝነበረት ግዜ’ዩ። ሽዑ ኣነ: ነቲ ዝነበረ ጸወታ: ክስእል’የ ከይደ ዝነበርኩ። ናብ ናይ ጸሓይ ተኸድኩ: እቲ ተዓዛቢ ህዝቢ: ”ባባ ሓሊብ: ባባ ሓሊብ” ጥራይ ይብል፤ ናብ ናይ ጽላል እንተኸድኩ ኸኣ እቲ ተዓዛቢ ህዝቢ: ካን ከምዛ ናይ ሊቨርፑል መዝሙር ጌርዋ ”ባባ ሓሊብ:” ጥራይ ኮይና መሬት። ሽዑ ግብጻውያን ተዳሂሎም: ስለዚ ባባ ሓሊብ ናይ ህዝቢ’ዩ ነይሩ: መሳርሕቱ’ውን ዘድልዮ ይተሓባበርዎ እዮም ነይሮም።
4. ጽውጽዋያት ትግርኛ: ንብዙሕ ገጸ ባህርያት ብእንስሳ እዩ ዝገልጾ: ካብ ጽውጽዋያት ብምብጋስ እተድንቖ እንስሳ እንተሎስ: ብምንታይ ምኽንያት ከም እተድንቖ ክፈልጦ ምደለኹ፧
ኣብ ጽውጽዋይ ዘድንቓ እንስሳ: ወኻርያ’ያ፤ ወኻርያ እንተዘየላ ዋሕዚ እቲ ዛንታ መቐረት የብሉን። ንሳ ሓሳዊት: ተንኮለኛ መዳናገሪት: ኮይና’ያ ትቐርብ። ብፍላይ ኤዞብ ክገልጻ ከሎ ኸኣ: ንዛንታ አቐረት ዝህቦ እቲ ናይ ወኻርያ ክፍኣት’ዩ: እዩ ዝብል። ኣብ ሃገርና ማለት ካብ ኣቦታት ዝጸንሓና ዛንታ’ውን ወኻርያ’ያ ነቲ ጽዋ እተመቅሮ። ስለዚ እታ ዘድንቓ እንስሳ: ወኻርያ እያ። ዝፈትዎ እንስሳ ግን ነብሪ’ዩ፤ እንተስ ብሕብሪ ቈርበቱ: እንተስ ብሓይሉ: ንነብሪ ካብ ህጻንነተይ እየ ዝፈትዎ።
5. ኣብ መገዲ ህይወት ኣለና’ሞ: ህይወት ማለት ንዓኻ እንታይ ማለት’ዩ እንተዝብለካ እንታይ መበልካኒ፧
ህይወት ጀበና’ያ፤ ኣወል: ካልኣይቲ: በረካ። ትውለድ: ትዘምድ: ትመውት: ግናኸ ንዓለም ብ ከም ቱሪስቲ’የ መጺአያ ዘለኹ። ጽባሕ ክገድፋ ስለ ዝኾንኩ ኸኣ፡ እቲ ጽቡቓ ክርእዮ ኣለኒ። ምስቶም ከምዚ ኸማይ ገያሾ: ክረዳዳእ: ክፋቐር: ብሓጺሩ ከስተማቕራ ኣለኒ።
6. ንስእሊ ዝኸውን ሓሳብ ኣብ ከመይ ኩነት እዩ ዝመጻካ፧
ኣእምሮይ ሰኣል ሰኣል ኢሉ እንተ ረብሽኒ ንኸብደይ ገዲፈ ሕብሪ ይገዝእ: ሽዑ ኣይጠምን’የ። ስእሊ፡ እቲ ዘይፈልጦ ረዳኢ ሽግረይ ኮይኑ ጸኒሕኒ ድማ ኣብ መደብ ህጻናት ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ጊዜ፡ ህጻናት ንዝነበሩ ስእሊ ይትንክፈሎም ነይረ ሕጂ መንእሰያት ኮይኖም ኣብ ቅድሚኦም ሰኣላይ ኣይኮንኩን።
7. ንስነጥበባዊ ስራሓትካ ብዝምልከት: ኣብዚ እዋን እዚ እንታይ ትገብር ከም ዘለኻን: ካባኻ እንታይ ክንጸበ ከም ዘለናን ክትሕብረኒ።
ሕልሚ ኮይኑ ከይተርፍ እፈርሕ እምበር፡ ኣእምሮይ ብስነ ጥበብ ክትኮስ’ዩ ደልዩ ዘሎ። ገለ ውሑድ እሰርሕ ኣለኹ። እዋኑ ኣንፈት ዘስሕት’ዩ። ዝመጸ ይምጻእ ግና ከም ማዕጾ ኣብሻይ ሓረጉ ዓጠጥ ኢለ ኣይወድቕን’የ። ኣነ ዝሰኣልክዎ ወይ ዝጸሓፍክዎ: ዓበይቲ መካይን ተሓንጊጠንኦ ካብ ሃገር ንሃገር ክስንጥቓ ከለዋ፣ ኣብ ናይ ገለ ገለ መናድቕ ባር ወይ ቤት መግቢ: ስእሊ ኬክያ ክርኢ ከለኹ: ኣብዚ መንገዲ ህይወተይ ንእሽተይ ኣስተዋጽኦ እባ እገብር ኣለኹ’የ እብል። እቲ ናይ ጽሑፍ ግና ማርያም ትሓግዝካ በሉኒ።
ሓንቲ ነገር ግን ክነግረካ ኣብቲ መልሰይ ዝጅሃር ዘለኹ’ዩ ዝመስል። ጃህራ ኣይኰነን። ንዝሰራሕካዮ ከምዚ ሰሪሔ ምባል፡ ኣብ ባህልና ስለ ዘይጸንሐ’ዩ እምበር፡ ሕማቕ ኣይኮነን። ንተቐዳደምቲ ኣብ ዙር ኤርትራ ከምዚ ክንገብር ኢና በሉ ደጋፊኩም ክመጺእ ኢለዮም ግን በየን ትምጻእ። ንዮናስ ዘካርያስን ንራእሱን ኣባኢሰ፡ ደገፍቲ ብሽግለታ ጽቕጥቅጥ ከም ዝብል ኮይኑ: ብዓል ዮናስ ሓላባይ ስሒቖም፡ ተሓጒሶም’ውን።