”ተሓጒሰ: ሓጐስ እንድዩ ፍቕሪ” ገጣሚት ፎርቱና ገብረገርግሽ

እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ ቅድሚ 7 ዓመት ብዕለት 05 መስከረም 2016 ወጺኡ ዝነበረ እዩ።

ክእመነሉ ዘይደሊ ተባዕታዊ ትምክሕቲ ኔሩኒ እንተኾይኑ’ሞ ተሰቢሩ ድማ እንተኾይኑ: ሰባሪቱ: ፎርቱና ገብረገርግሽ እያ። ግጥምታታ ነቢበ ኣይጸግቦምን። ንደርፊ ዝኸውን ግጥምትታት ከም ዝሰርሐትን ከም እትሰርሕን ግና ኣይፈልጥን ኔረ: (ደርፊ ይመጻኒ እምበር ስለ ዘይከዶ)። ካብታ ስማ ኣብ ጋዜጣ ዘንበብኩላ ዕለት: ክሳዕ እታ ብኣካል ኣብ ማህጸን ስነ-ጥበብ መንደፈራ ዝረኽባ: ብናይ ብርዒ ስም ዝጽሕፍ ወዲ እምበር: ፎርቱና ገብረገርግሽ: ጓል ትመስለኒ ኣይነበረትን። ስለ ምንታይ ኢልኩም ኣይትሕተቱ። ግጥምታታ ምስ ኣስተማቐረ: እቲ ናይ ሽዑ ዛቝናይን ጀማሪ ጋዜጠኛን፡ ስለ ምንታይ ሽዑ ከምኡ ከም ዝኣመነ፡ ንባዕለይ’ውን ንጹር መልሲ የብለይን።  

ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት (ሕጂ ልዕሊ 10 ዓመት ምዃኑ’ዩ) ነዚ ቀጺልኩም እተንብብዎ 7ተ ፍረ ዕላል እናተሓታትና ”ንመንእሰይ ቀሺ ከም ዝኸማኻ: ኣቦይ ቀሺ ድየ ክብሎ ዘለኒ፧” ሓቲታትኒ። ”እዛ ሕቶ እዚኣስ በየነ ሰመረ ኣብ ራድዮ ኤስቢኤስ ቀዲሙኪ’ዩ” ብምባል ከኣ ነቲ ንበየነ ዝሃብኩዎ መልሲ ንፎርቱና’ውን ደገምኩላ። ”ንእግዚኣብሄር ዝኣክል ዓቢይን ክቡርን ኣምላኽ እኳ ኣዚና ስለእነቕርቦ: ’ኣንታ’ ካብ በልናዮስ… ’ቀሺ ዮናስ’ ደኣ በልኒ’ ኢለያ:” ተረዲኣትኒ። ድሕሪ’ዚ ቀዳመይቲ ሕቶይ ኣስዒበ:-

  1. 1. እተን በዓልቲ ሽምጁብሉቕ ኣደይ ጸሃይቱ: ብውሑዱ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ካብ ግጥምታትኪ ርእየን ኣለኹ። ግርም ጌርኪ ኣብ ርእስና ከም ዝሰኣላ ጌርክየን ኢኺ እሞ: ብአአን ዶ ክንጅምር፧

ኣደይ ጸሃይቱን፡ እቲ ዘይበልዎ ዝገብር መልክዕኛ ደርሆአንን፧ ክንድቲ ኣብ ኣንበብቲ ዝረኸብዎ ተቐባልነት ክረኽቡ እዮም ዝብል ግምት ኣይነበረንን። እታ ግጥሚ ምስ ተጻሕፈት’ውን ንነዊሕ ግዜ ተዓጺፋ’ያ ተቐሚጣ ኔራ፡፡ ሓደ መዓልቲ: ምስ ጋዜጣ መቓልሕ ይሰርሕ ዝነበረ ጋዜጠኛ የዕብዮ፡ ካብ መንደፈራ ንቦታኡ እናተበገሰ፡ “ንመገዲ ትኾነኒ’ባ ሓንቲ ግጥሚ ጸሓፍለይ” ኢሉ ኖት ቡኩ ሂቡኒ። ሽዑ ደርሆ ኣደይ ጸሃይቱ ካብቲ ተዓጺፋ ዝነበረትሉ ቦታ ናብ ናይ የዕብዮ ኖት-ቡክ ሰጊራ። ንሱ ድማ ወሲዱ ኣብ ዓዲ ቀይሕ: ”መኣዲ ስነ-ጥበብ” ኣብ ዝበሃል መደብ ኣቕሪብዋ። ካብኡ መለስ ንጉሰ’ዩ መስለኒ ናብ ጋዜጣ ልኢኹዋ፡ ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺባ። ኣብ ቴለቪዥንን ሬድዮን’ውን ቀሪባ። ምጽሓፍ ደኣ ጽሒፈያ እምበር፡ ኣብ ካልእ ኢደይ ከይሓወስኩ፡ ኣብ ኩሉ መራኸቢ ብዙሃን በጺሓ። ብዙሓት ሰባት ካብ’ታ እተሓትመትላ ጋዜጣ ቆሪጾም ዘትረፍዎ ቅዳሕ የርእዩኒ ነይሮም። እታ ቅዳሕ፡ ሎሚ’ውን ኣብዚ ሶሻል ሜድያታት ክጥቅዕዋ ይርእይ’የ። ኣደይ ጸሃይቱ በዓልቲ ስንጅብሉቕ ከም [ገጸ-ባህሪ] ብዙሕ ዝፈታዊኤን ዕድለኛ ኣደ’የን። ኣብ ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኣ ኣዴታት ንፈልጦ ባህርያት ስለ ዝዉንና’ዉን እዩ ‘መስለኒ፡ ድሕሪ ግጥሚ “ደርሆ ኣደይ ጸሃይቱ” ብአዴታት ክውከል ዝደልዮ ሓሳብ እንተ መጺኡኒ: ንሰን’የን ዝረኣያኒ። እቲ ዝንቡዕ ደርሆኣን እንተዘይኮይኑ: ካልእ ጥሪት ዘይብለን ድኻ ኣደይ ጸሃይቱ፡ ፈቃር፡ ሕያወይትን ሓቦኛን ሰበይቲ’የን። ብኻልእ መዳይ’ዉን ኣቐዲሙ ተቐባልነት ብዝረኸበ ገጸ-ባህሪ ዝውከል ስራሕ: ኣንባቢ ብቐሊሉ ስለ ዘለልዮን ዝርደኦን’ውን ደጋጊመ ክጽሕፈለን እደሊ’የ። (ደርሆ’ደይ ጸሃይቱ ከማኡ’ውን ኣዴኹም ቪክቶርያ ዝብላ ግጥምታት ፎርቱና ገብረገርግሽ ንምንባብ ኣብዚ መላግቦ’ዚ ጠውቑ)

  1. 2. ኣብታ ምስ ዮርዳኖስ ተኽለ ዘዳለኽናኣ ”እጃም” እተሰምየት መጽሓፍ: ”ንህይወት ወትሩ ብዓይኒ ስነግጥሚ ክርእያ እደሊ” ኢልኪ ጽሒፍኪ ኣለኺ’ሞ እንታይ ማለትኪ እዩ፧

 ከም ግጥሚ ጌሩ ኣብ ደቀቕቲ ዝርዝራት ኣትዩ ዝፍትሽን፡ ኣብኡ ዘሎ ጽባቐ ዜጉልሕን ጥበብ ዘሎ ኣይመስለንን። ኣብ ሓጺር መስመራትን ብውሑድ ቃላትን ክቐውም ስለ ዘለዎ’ዉን ንኣንባባይ ብዙሕ ከየሰልከየ’ዩ ዓሚቕ ስምዒት ዝፈጥር። ስነ-ግጥሚ: ብቐሊሉ ዘይነስተብህለሎም: ንኣሽቱ ዝመስሉ ግን ከኣ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት: ከነስተብህለሎምን ክንዛረበሎምን ከነስተውዕሎምን የኽእለና። ብተመሳሳሊ: ኣብ ዙርያ ህይወትና ንዘሎ ጽባቐ: ምስትብሃልን ምስትምቓርን እንተኽኢልና: ከምኡ ምግባር: ዝያዳ ሕጉሳት ይገብረና’ዩ ኢለ’የ ዝኣምን። ነዚ ከኣ’የ ኣነ’ውን ንህይወት: በቲ ስነ-ግጥሚ ዝርእየሉ ዓይኒ ጌረ ክርእያ ዝደሊ።   

  1. ንፍቕሪ ዝምልከት ካብ ዝጸሓፍክዮም ግጥምታት: እቶም ዘንበብክዎም ዝተዀልፈ ፍቕሪ: ሓደው ዘይሰለጠ ፍቕሪ: ደኣ እምበር: ኣብ ውሽጢ ፍቕሪ ኣትዩ መቐረት ፍቕሪ ዘስተማቕር ግጥሚ ኣይረኣኹልክን: ካብ ምንታይ ኮን ይኸውን፧

ኣብ ግዜና ናይ ዘይሰመረ ፍቕሪ ዘሎ ታሪኻት ስለ ዚበዝሕ ዶ ኾን ይኸውን? ኩሉ ርእሱ፡ ንፍቕሪ ዝምልከት ግጥምታት ብዙሕ ዝጸሓፍኩ አይመስለንን…..ኢንሻኣላህ ብሕጂ። ፈጺሙ የሎን ማለት ግን አይኮነን። ምናልባት ኣየጋጠመካን ደኣ ይኸውን እምበር፧ ንኣብነት ደራሲ ዜማን ሙዚቀኛን ሙክታር ሳልሕ ዜማ ጌሩላ፣ ድምጻዊት ሄለን መለስ ዝደረፈታ “ ተሓምየልካ “ እትብል  ደርፊ: ሓንቲ ካብተን ዉሑዳት ኣብነት እያ። ንገለ ካልኦት ደረፍቲ እተዋህበ ብሕጂ ዝወጽእ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ግጥምታት’ዉን ኣሎ።  

  1. ኣብ እግርታት ግጥምኺ: እቲ ግጥሚ ዝተጻሕፈሉ ዕለትን ቦታን ተዘውትሪ ኢኺ። ንኣብነት ”ደርሆ ኣደይ ጸሃይቱ” ኣብ 1998 ኣብ ሽላሎ ኢኺ ጽሒፍክያ። ነቲ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለትን እቲ ቦታን: ምስ ትሕዝቶ እቲ ግጥሚ ኣልጊብና እንተሓሲብናሉ: ገለ ትርጉም ክህብ ይኽእል’ዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ዶ ይኸውን ንግጥምታትኪ: ዕለትን ቦታን እትጽሕፍሎም፧!

ሓቂ’ዩ ሓደ ጽሑፍ ዝተጻሕፈሉ ቦታን ግዜን እንተወሓደ ኩነተ ኣእምሮ ናይቲ ጸሓፊ ኣብ ሓደ ዉሁብ ግዜ ከገምተካ ይኽእል’ዩ። ከም’ቲ እቲ ሕቶ ዝብሎ’ውን ንሓደ ኣንባቢ ምስ ሃዋሁው ናይ’ቲ እተጻሕፈሉ ግዜ ዝተኣሳሰር ትርጉም ክህብ ይኽእል ይኸውን፧ ንኻልእ ኣንባቢ’ ውን ካብኡ ዝተፈልየ ትርጉም ክህቦ ይኽእል ይኸውን። “ደርሆ ኣደይ ጸሃይቱ” ካብ ኩሉ ግጥሚታተይ እታ ዝበዝሐ በበይኑ ትርጉምን ትንተናን እተዋህባ ግጥሚያ። ገሊኡ ንባዕለይ’ዩ ዝገርመኒ፡ ይኹን እምበር ሓደ ግጥሚ ብኣንበብቱ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ትርጉማት ክረክብ ከሎ: ንጸሓፊኡ ዘመሓላልፎ ትርጉም ኣለዎ። ብዉሑዱ እቲ ግጥሚ እብ ኣእምሮ ሰባት ገለ ነገር ፈጢሩ ከም ዘሎ ስለ ዝእንፍት ዜሐጉስ እዩ። ናብ’ቲ ሕቶ ክምለስ: ብኻልእ መዳይ እንተሪኢኻዮ’ውን ንሓንቲ ግጥሚ እተጻሕፈትሉ ግዜን ቦታን ምጥቃስ ከም ኣካል ናይ ታሪኻ ክረአ ይኽእል እዩ ኢለ’የ ዝሓስብ።

  1. 5 ማህጸን ስነ-ጥበብ መንደፈራ: እንተዘልዕለልኪ: ኣብ ዝኽርኺ ኾን እንታይ ይቕልቀል ይኸውን፧

ማህጸን ስነጥበብ መንደፈራ ክዝክር ከለኹ፡ እቲ ብቐዳምነት ዚረኣየኒ፡ እቶም ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ስነጥበብ ይነጥፉ ዝነበሩ መንእሰያት፡ ማዕረ ክንደይ ናይ’ቲ ሞያ ፍቕርን ስምዒትን ከም ዝነበሮም’ዩ። ኩላትና ማዕረ ክንደይ ቅኑዓትን ግሩሃትን ከምዝነበርና፧ ዝነበረና ከነበርክት ናይ ምድላይ ህንጡዩነትን ንኸፍለሉ ዝነበርና ዋጋን ተመሊሰ ክሓስቦ ከለኹ ናይ ብሓቂ’ዩ ዝገርመኒ። እቲ ጊዜ ሓጺር’ኳ እንተነበረ ዝነበረና ሓድሕዳዊ ፍቕርን፧ ኣብ’ቲ ሞያ ክንዓቢ ብሓባር ንገብሮ ዝነበርና ጻዕርን ምምኽኻርን ምትሕግጋዝን ገለ ካብ’ቲ ብሉጽ ናይ ህይወተይ ግዜ’ዩ ክብል እደፍር።

  1. 6 መጽሓፍ ቅዱስ ተንብቢ እንተኾንኪ: ባህ እተብልኪ ጥቕሲ ዶ ክትነግርኒ፧

 ”ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተዝዛረብ: ፍቕሪ ካብ ዘይትህልወኒ: ከም ዘድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዝብል ጸናጽል ምኾንኩ:” 1ይ ቆረንቶስ 13.1።

  1.  7. ድሕረ ባይታኽን: ብሕጂ ካባኺ ክንጽበዮ ዘለና ስነጥበባዊ ስርሓት እንተሎን ክትሕብርኒ፧

ኣብ ኣስመራ ቲራቮሎየ ተወሊደ ዓብየ። ናይ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርተይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ፈለገ ሂወት ካልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ተማሂረ። ኣብ 7ይ ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ንሳዋ ወሪደ ክሳብ 2002 ኣገልጊለ። ካብኡ ንስደት ኣምሪሐ ክሳብ 2014 ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ከተማ ለንደን ክቕመጥ ጸኒሐ፧ ሕጂ ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ እነብር ኣለኹ። ብዓልቲ ሓዳርን ኣደ ሓንቲ ቖልዓን ድማ’የ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

“ስነ ጥበባዊ፡ ብስርሑ ተቐያማይ’ዩ” ሙሴ፡ ኬክያ፡ ባባ-ሓሊብ

Next
Next

“እዚ ክቱር ርግኣት እኳ ዕረፍቲ ከሊኡኒ፡” ኣብርሃም ተስፋልኡል