“እዚ ክቱር ርግኣት እኳ ዕረፍቲ ከሊኡኒ፡” ኣብርሃም ተስፋልኡል

እዚ ጽሑፍ’ዚ፡ 22 መስከረም 2016 ወጺኡ ዝነበረ እዩ።

  1. 1.    ”ብዝሒ ሰላም የሳቕየኒ’ሎ” ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ማልያ ወዲኻ ተሳኢልካ ኣለኻ: ኣብቲ ሓሳብ ከም ዝረዓምካ’ውን ብጽሑፍ ሓቢርካ ኔርካ: ኣብቲ ምጸት: መቐረት ይረኣየኒ’ሎ’ሞ ብዛዕባ እቲ ”ዘሳቒ” ዝብሃል ዘሎ ሰላም እስከ ገለ በለኒ።

(መተኣታተዊ) ኣነ ኸኣ ከምቲ ኣብ ኤርትራ ዝተለምደ ብድሕረ-ባይታኻ ጀሚሩ ንሜዳ መዓስ ተሰሊፍካን ፍቕሪ ስነ-ጥበብ ሓዲርካን ኢልካ ዝቕጽል መሲሉኒስ መታን ዕትብ ኢለ ክርአ--ጽሑፍ ደኣ ይዅን እምበር--ባድላ ተኸዲነ’የ ክምልስ ተዳልየ። ሕጂ ከም ዝረኣኹዎ ግና እቲ ሕቶታት ከምቲ ዝፈራሕኩዎ ኣይኰነን’ሞ ፍዅስ ዝበለ ክዳን ቀዪረ ክመጽእ።)

ተመሊሰ።

እዛ ኣብ ማልያይ ገይረያ ዘለኹ ጽሕፍቲ--ባዕለይ ዘስራሕኩዋ’ያ--ካብ መስመራት ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብብሉጽነት ግጥምታቱ ኣዝዩ መሲጡኒስ ዳርጋ ቀጻሊ ዘንብቦ ዘለኹ ሞሮካዊ ገጣሚ ዓብደለጢፍ ላቢ (Abdellatif Laâbi) ዝተወስደት ድማ’ያ።


He can already imagine 
the first missive mailed
from nowhere
“I am fine
You know I can adapt anywhere
But this immense peace 
torments me
I feel like writing
Yet once again
even here
these damned words are rebellious” 

ኣብዘን መስመራትን ብቐንዱ ኸኣ ነቲ ኣብ ማእሰርቲ ዘሕለፎ ኣስቃቒ ዓመታት ብዘይ ንቡር ኵርናዕ ዝገልጾ ዓብደለጢፍ፡ ቀንዲ ዘድንቖ፡ ነቲ ዘሕልፎ ቃንዛ ብልክዕ ስለ ዝገልጸለይ’ዩ። ንኣብነት፡ እዛ ኣብ ማልያይ ገይረያ ዘለኹ፡ “እዚ ክቱር ርግኣት እኳ ዕረፍቲ ከሊኡኒ፡” እትብል መስመር፡ ኣነ ደኣ ዕድል ገይረ ኣብ ዝሓሸ ሰላምን ኵነታት ይርከብ ይሃሉ እምበር፡ ብዙሓት መዛኑየይን ኣያታተይን ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ መዓሙቝ ኣብያተ-ማእሰርቲ ይበልዩ ኣለዉ። ብቐንዱ ነዘን መስመራት ኣብ ማልይያ (ብዙሕ እዋን’የ ዝለብሳ) ዘጽሓፍኩወን እምበኣር፡ ኣነ ብሰላም (ወይ’ውን ሰለማዊ ብዝመስል መገዲ) ክጓዓዝ ከለኹ፡ ኣብ ዝባን’ቶም ብዙሓት ምእንቲ ሓርነት ህዝቦም ተቓሊሶም፡ ኣብ ማእሰርቲ ኤርትራ ዝበልዩ ዘለዉ መዘከርታ ክትኰነኒ ኢለ’የ። ብቐንዱ ግና፡ ክብሪ ነቶም ጋዜጠኛታት፡ ናይ ፖለቲካን ሃይማኖትን እሱራት ንምዝካር ዝገብራ’ያ።

  1. 2. ምስ ኩሉ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረን ዘሎን ሳንሱርን ጸቢብ ኣተሓሕዛ ጸሓፍትን: ንስኻ እትርከቦም ጸሓፍቲ ግና: ካብቲ ኣብ ደገ ምስ ወጻእኩም ዘበርክትኩሞ ስራሓትሲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝነበርኩሙሉ ዘበርከትኩሞ ዝያዳ ይፍለጥ: ብዙሕ ስለ ዘየፍረኹም ድዩ፧ ወይስ እንታይ’ዩ እቲ ምኽንያት፧

ምስቲ ዋሕዲ ጸሓፍቲ፡ ስምካ ብቐጻሊ ኣብታ እንኮ ጋዜጣ እታ ሃገር ዝሕተም እንተዀይኑ፡ ደረጃ ብቕዓት ብዘየገድስ፡ ብምድግጋግም ጥራይ ኣንባቢ ክዝክረካ ግድን’ዩ። ጸሓፍቲስ ይትረፍ፡ ናብ ረድዮ ቀጻሊ ዝድውሉ ሰባት’ውን፡ ህቡባት ዝዀኑሉ እብኡብ ሃዋሁ’ዩ። ኣነ ኸኣ ይጥቀም ኣይጥቀም (ሕጂ ተመሊሰ ከንብቦስ ይትረፍ ሓንቲ ሕጡበ-ጽሑፍ’ውን ክውድኦ ዘይክእል) ንነዊሕ ዓመታት ኣብ መራኸቢ-ብዙሃን ጸኒሐ። ካብ ኤርትራ ምስ ወጻእኩ ግና ናብ ኤርትራ ዝዓለመ ጽሑፋት እንተዘይኰይኑ፡ ብዙሕ የዳሉ የለኹን። ስለዚ ሕጂ ምስ ሃደምኩ/ወጻእኩ/ተሰደድኩ/ሃገራዊ ግቡአይ ምስ ገበርኩ (ምስ ገለ ኣዕሩኽተይ ካብ ኤርትራ ንዝሃደመ ሰብ ‘ሃገራዊ ግቡእ ገይሩ’ ኢና ንብሎ ኔርና) እቲ ሳንሱር ስለ ዝተላዕለለይ ጥራይ፡ ብሉጽ ስራሓት ከፍሪ ዓቕሚ ኣሎኒ ማለት ኣይኰነን። ብቐንዱ ግና ብቐጻሊ ዝጽሕፈሉ ወይ’ውን ክጽሕፈሉ ዝግደድ መራኸቢ-ብዙሃን ስለ ዘየለ፡ ኣበርክቶይ ብእኡ መጠን ክድረት ግድን’ዩ። (ከምቲ ቀደም ንሰምዖ ዝነበርና “ስደት ከቢድ ስለ ዝዀነ” ከኣ ናብራን መዓልታዊ ጕያን ውሒጡኒ ክኸውን ይኽእል’ዩ።)

እዚ ዝጠቐስኩዎ ግና ንኤርትራ ወይ ብቐንዱ ብትግርኛ ኣመልኪቱ ንዝጸሓፍ’የ ዝጠቅስ ዘለኹ እምበር፡ ብእንግሊዘኛስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣመና ብዙሕ’ዩ ጽሒፈ። ስለዚ፡ ኣበርክቶ’ይ’ሲ መልክዑ ደኣ ቀዪሩ ክኸውን ይኽእል እምበር፡ ዝጐደለ ኣይመስለንን።

  1. 3.    ንሓደ ጸሓፋይ: ”ጸሓፋይ” ኢልካ ክትቅበሎ ዝኽእለካ ወሳኒ እትብሎ ረቛሒታት እንተሎ: እንታይ ምዃኑ ክትነግረኒ፧

ዕዮ ገዛኡ ዝገብር፣ ቅድሚ ምጽሓፉ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ኣጸቢቑ ዘጽንዕ፣ ሓድሽ ሓበሬታ ክፈጥር እኳ እንተ ዘይኰነ ነቲ ህዝቢ ዝፈልጦ ሓበሬታ’ውን ብኻልእ ኵርናዕ ገይሩ ዝርኢ ወይ’ውን ከርኢ ዝፍትን፣ ቅድሚ ምጽሓፉ፡ ኣንበብቱ ወይ ሰማዕቱ እንታይ ግብረ-መልሲ ክህቡኒ ኢሉ ዘይሓስብ፣ ብዛዕባ’ቲ ዝጽሕፎ ዘሎ ጉዳይ ምሉእ ተኣማንነት ዘለዎን ተሓታትን’ውን ክውስድ ድሉዊ ዝዀነን (ናይ ብርዒ ስም ዘይጥቀም፣ ምኽንያቱ ብናይ ብርዒ ስም ዝጽሓፍ፡ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ቦታ እንተ ዘየልዩ፡ ኣብቲ ዝብሎ ዘሎ ነገር ተኣማንነት ከም ዘይብሉ’የ ዝግምግም) ወዘተ.። (ንባዕለይ ክንደይ ሚእታዊት ካብዚ ከም ዘማልእ እንድዒ፣ ግና እቲ ሓቂ ንሱ መሲሉ ይስምዓኒ።)

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ንዘይፈጠራዊ ጽሑፍ፣ ብቐንዱ ከኣ ንስራሕ ጋዜጠኝነትን ኣብኡ ከባቢ ንዘሎን’ዩ። ንፈጠራዊ ጸሓፋይ ከኣ፤ ፈለማ ተውህቦ፡ ዳሕራይ ቀጻሊ ንባብ፡ መጨረሽታ ከኣ ጻዕሪን ደጋጊምካ ምጽሓፍን።

  1. 4.    ”ህዝቢ ዘይኮነ ናይ ምንባብ ድኻም ዘለዎስ: እቶም ጸሓፍቲ እዮም ዝንበብ ጽሑፍ ኣብ ምፍራይ ደኺሞም ዘለዉ” ዝብል ዘረባ ይስማዕ’ዩ። ርእይቶኻ እንታይ’ዩ፧

ንሓደ ንምውንጃል ነቲ ካልእ ሓራ ንምግባር ዘይኰነስ፡ ድምር ውጻኢት ናይ ብዙሕ ረቛሒታት መሲሉ ይስምዓኒ። ብቐንዱ ግን ናይቲ ጽኑሕ ኣፋዊ ባህሊን ንምጽናዕ/ምሽምዳድ እምበር ንምንባብ ብቐንዱ ከኣ ንምትንታን ወይ ንምርዳእ ዘየፍቅድ ስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ፡ ውጽኢት’ዩ። ስለዚ ኣብቲ መሰረት ከይተዓረየ፡ ምናልባሽ ብተናጸል ጽቡቕ መጻሕፍቲ ዘሕትሙ ደረስቲ ወይ ድማ ብገለ ተኣምር ብፍሉይ ጽልዋ ባህሊ ንባብ ዝዅስኰሰሉ ከባቢ እንተ መጸ’ውን ቀጻልነት ክህልዎ ዝኽእል ኣይመስለንን። ነዚ ስዒቡ ዝመጽእ ከኣ ቀረብ መጽሓፍቲን ኣብያተ-ንባብን’ዩ።

  1. 5.    ዝያዳ ትግርኛ ብቛንቋ እንግሊዝ ጽሑፋት ምዝውታርካ ካብ ምንታይ ኮን ይኸውን፧

ጽብቕቲ ምስትውዓል’ያ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዘ፡ ብቐንዱ ከኣ ምስ ምምስራት ፐን ኤርትራን ስዒቡ ዝመጽእ መርበባት ርክብን ዳርጋ ናብ እንግሊዘኛ’የ ዘንቢለ ዘለኹ። እዚ ከኣ ብቐንዱ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝጸሓፍኩዎን ሕጂ’ውን ዝጽሕፎ ዘለኹን ንኤርትራውያን ዘይኰነስ ንወጻእተኛታት ዝዓለመ ኰይኑ፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስቓይን ዕብዑብ ናይ ናጻ ፕረስ ሃዋሁን ንምክፋል’ዩ። ንኤርትራ ኣመልኪቶም፡ ኣብ ናይ ደገ መራኸቢ-ብዙሃን ዝጽሕፉ ኣዝዮም ውስናት ሰባት’ዮም። ገለ ካብቲ ምኽንያት ስእነት ሓበሬታ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ናይቶም ክንጽሕፍ እናኸኣልና ሰብ ክዛረበልና ምጽባይ ዝለመድና (ነብሰይ ሓዊስካ) ሕምቀት’ዩ። ስለዚ ከኣ’የ--ከምቲ ናይ ትግርኛ ዝጥዕመኒን ከም ድላየይ ዝዓጻጽፎን ደኣ ኣይዅን እምበር--ብዙሕ ብእንግሊዘኛ ዝጽሕፍ ዘለኹ። ጽቡቕ ኣጋጥሚ ኰይኑ ከኣ ካብዘን ዘእንግዳኒ ዘለዋ ወይ’ውን ንኽጽሕፍ ዝሓታኒ መራኸቢታት፡ በቲ ኩሉ መከራ ሓሊፉ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝመጸ ስለ ዘይረኽባን ብቐንዱ ከኣ ኣብ መብዛሕትኡ ዝጽሕፎ ዝሓለፍኩዎ ተመኵሮ ስለ ዝዀነ፡ ጽቡቕ ናይ ምእንጋድ ዕድል ረኺበ። (ምናልባሽ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ እንተልዩ’ውን ኣብዚ ብሎግ ምውካስ ይከኣል http://abrahamzere.com/)።

  1. 6.    ኤርትራውያን ንብሩህ መጻኢ ምስ ዝበሃል ጉጅለ ኴንካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት (ግንቦት 2015) ንሃገራዊ ዕርቂ ዝጽውዕ ጽሑፍ ዘርጊሕኩም ኔርኩም። ኣብቲ ጽሑፍ ” ምግምማዕ ሕብረተ-ሰብናን ዝበታተኽ ዘሎ ሃገራዊ ሓድነትናን ኣብ ኣሰካፊ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ ብምስትውዓል” ዝብል ሓሳብ ኣሎ። እቲ ”ኣሰካፊ ደረጃ” ዝበልኩሞ: ሕጂ ኣብ ምንታይ ኩነት ዝበጽሐ ይመስለካ፧

ኣመና ኣሻማዊ ኣርእስቲ ብምዃኑን ብቐንዱ ከኣ ንምሉእ ሕብረተሰብ ኣመልኪትካ ምዝራብ ኣጸጋሚ ደኣ ይዅን እምበር፡ ከም ትዕዝብታዊ ገምጋም ግን እቲ ኣንፈት ምጥፋእ መሊሱ ዝብእስ ዘሎ ይመስለኒ። ነዚ ከግድዱ ዝኽእሉ በበይኖም ምኽንያታት ደኣ ይሃልዉ እምበር፡ ብቐንዱ ግን ብውሽጢ ሃገር ዝስዕብ ዘሎ ኣካላዊን ኣእሙራዊን ዘየቋርጽ መግረፍቲን ነቲ በቲ ሓዊ’ቲ ሓሊፉ ንደገ ዝተሰደ ዜጋ ከርግእ ዝኽእል መራሒ (ፖለቲካዊ መሪሕነት ዘይኰነስ ከም ባህላዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ መራኸቢ-ብዙሃን፡ ማሕበረ-ኮማት ወዘተ) ምስኣንን ዘግድዶ ዘሎ ይመስለኒ። ኣበየ ኵርናዕ ዓለም ተሰዲድና እንርከብ ዘሎና፡ ብቛንቋ፡ ባህሊን ኣተሓሳስባን ኣብቲ ተቐባሊ ሕብረተሰብ ቀልጢፍና ንምእታው ከጸግመናን ብሰንኩ ኣንፈት ከነጥፍእን ግድን’ዩ። ስለዚ፡ እቲ ምግምማዕ ኣብ መንጎ እቲ ሕብረተሰብ ብቐንዱ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ’ዩ ዝጅመር ዘሎ። ምስ ነብሱ ዘይተዓረቐ ሰብ ከኣ ምስ ከባቢኡ ክዕረቕ ኣይንጽበዮን። ብዙሕ ሰብ ግን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ከንብቦን ኣብ ምዅናኑ ክሓብርን ይርአ ኣሎ። እዚ’ውን ጽቡቕ ኣንፈት’ዩ። (ደጊመ ከንብባ እዛ መልሰይ ቍሩብ መጭቊራ ኣላ። ብዝሓሸ ክብላ እንተ ዝኽእል ምፈተኹ፣ ኣይኰነትለይን። ደሓን ከም ዘላቶ ትኺድ።)

  1. 7.    ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለው ጸሓፍቲ: ክልተ ምርጫ እየን ዘለዋኦም: ምስቲ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ውድብ ምስምማዕ: ሓደው ዓዲ ሓዲግካ ምጥፋእ: ዝብል ጽሒፍካ ኣለኻ። ግደ ሓቂ ግን ክልተ ምርጫ ጥራይ ድዩ ዘለዎም፧ ብውስጠ-ዘ ብጥበብ ዝተኸሸነ ኣጸሓሕፋ: ሓሳብ እቲ መንግስቲ ዘይኮነስ ሓሳቦም ዝገልጹ: የለውን ኢልካ ደምዲምካ ኣለኻ ማለት ድዩ፧

ኣበየነይቲ ጽሕፍቲ ከም ዘበልኩዋ ሕጂ ቀልጢፈ ኣይዝክራን (ልዕሊ ሓንሳብ ግን ደጋጊመያ ኣለኹ)፣ ነተን ክልተ ምርጫ’ውን ሳልሰይቲ ወሲኸለን ነይረ--ምስካእ ወይ ስቕ ምባል። ብውስጠዘ ወይ ከምኡ ዝመስል ብዓፈል ዝተሸፈነ እናጸሓፍካ ነባሪ ስነ-ጥበባዊ ወይ ካልእ ሰነድ ከተትርፍ ዝከኣል ኣይመስለንን። ምናልባት ሕጂ ዝጽሕፉ ዘለዉ’ሞ ዘየሕትሙ እንተልዮም ካልእ ዘረባ’ዩ። ብቐንዱ ግን ብፍርሒ ተጐልቢብካን ኣባላት ጸጥታ/ፖሊስ/ሰንሳሮ ኣብ ቅድሜኻ ኣቐሚጥካ ምጽሓፍ፣ ብሓሳባዊ ዓለም ከኣ ካብኣቶም ንምህዳም ክትሽፍን ምፍታን ስለ ዘይተርፍ፡ ኣብቲ ፈተነ ምሽፋን’ውን ፈጺምካ ምኽዋል ኣሎ። ብዙሓት ጸሓፍቲ/ተርጐምቲ ሳንሱር ንምሕላፍን ስራሓቶም ብዝዀነ ዋጋ፡ ብቐንዱ ከኣ ብዋጋ ጽባቐን ፈጠራን፡ ናብ ህዝቢ ንምብጻሕ ዝሓልፉዎ መሳልል ክሓስቦ ከለኹ’ውን፡ ተመላስ የምጽኣለይ። እቶም ንኸምዚ ክሕልዉ ተባሂሎም ኣበየ ቦታ (ሳንሱር/ኣሰናዳእቲ) ተቐሚጦም ዘለዉ ከኣ ዝዀነ ምስ ዘሕልፉ ክመጾም ዝኽእል ኣደራዕ ስለ ዝፈልጡዎ ንኹሉ ብጸቢብ መንፊት ከሕልፉዎን ባዕላቶም ልዕሊ ዝግበኦ ክትርጕሙዎን ግድን’ዩ። ዓሊ ዓብዱ (ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ኣይክእልን’የ የቕረታ ግበረለይ) ዝፈጠሮ ራዕዲ (ልክዕ ከምታ ሕጂ ባዕሉ ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሕልፋ ዘሎ ብፍርሒ ዝተዓበለለ ናይ ይመስል ህይወት [‘ኵሉ ብዛዕባይ ዝጸሓፍ ይእክቦ ኣለኹ፣ ሓደ መዓልቲ መልሲ ዝህበሉ እዋን ክህሉ’ዩ’ እናበለ ከም ዝዛረብ ሰሚዐ፣ እዚኣ’ውን መዝግባ ዓሊ።]) ብቐረባ ዝንቀል ኣይመስለንን።

  • .ብወለንታ ዝምለስ: ሌላ ምስ ስነጽሑፋውን ስነጥበባውን ስራሓትካ ብሓጺሩ

ኣድናቒ ግጥምታት፡ ፈታዊ ቡንን ኣፍቃሪ ቢራን ኰይነ፡ ሕጂ ዳርጋ ናብ ፍርቂ ዕድመይ ዝቀራረብ (ገሊኡ ብግርህና፡ ገሊኡ ብዘይ ደቂቕ ምስትውዓል፡ ፍርቁ ብፍርሒን ሹቕረራን፡ ዝደሓረ ድማ ብኣስተብህሎ)  ኣብ ከባቢ ጽሑፍን ጽሕፈትን ነጢፈ ኣለኹ። ገለ ካብኡ ብዘይካ’ቲ በብእዋኑ (ኣብ ኤርትራን ሕጂ ድማ ኣብ ስደትን) ዝጽሕፎ ዓንቀጻት፡ ሓጺር-ዛንታ’ውን እጽሕፍ’የ። ኣብ ምርታዕ (ኢዲት ምግባር) መጽሓፍቲ’ውን እሰርሕ ስለ ዝነበርኩ፣ ምናልባት ካብቲ ኣብ ኤርትራ ብኣዝዩ ጽቡቕ ዝዝክሮን ምስ ሓያሎ ኤርትራውያን ዓበይቲ ጸሓፍቲ ብቐረባ ንኽላለ ዘኽኣለንን’ዩ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

”ተሓጒሰ: ሓጐስ እንድዩ ፍቕሪ” ገጣሚት ፎርቱና ገብረገርግሽ

Next
Next

ብርዒ፡ ፍትንቲ መድሃኒት ህይወተይ’ያ- ደሳለ በረኸት