ብርዒ፡ ፍትንቲ መድሃኒት ህይወተይ’ያ- ደሳለ በረኸት

እዚ ዕላላዊ ሕቶን መልስን እዚ፡ ቅድሚ 7 ዓመታት ብዕለት 17 ነሓሰ 2016 ዝተገብረ እዩ። እንሆ በረከት!  

  1. 1. ከምቲ ኣብ ዓመተ 2013 ዝተሸለምካዮ: ኣህጉራዊ ሽልማት “ፕረስ ፍሪደም” ዝዓይነቱን ካልእን ዘጠቓለለ: ዛጊት ፍርያትካ ኰይኖም ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሑ ስርሓት ዶ ከተዕልለኒ፧

-እቲ ናይ 2013 ሽልማትን፡ እቲ ኣብ ዓመቱ ዝሰዓበ፡ ካልእ ተመሳሳሊ ሽልማት “ፔን ካታላን”ን፡ ንፍሉይ ተበግሶን ጻዕርን እምበር፡ ናብ ህዝቢ ንዝቐረበ ስርሐይ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ኣይነበረን። ነቲ ኣነን ብጾተይን፡ ኣብ ኤርትራ ሓሳብካ ብነጻ ናይ ምግላጽ ሓርነት ንኽህሉ እነካይዶ ዘለና ንጥፈታት፤ ኣፍልጦን ደገፍን (Recognition and Solidarity) ንምሃብ’ዩ ነይሩ።

ዝበዝሕ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ንህዝቢ ዘቕረብክዎ ስራሓት እውን ብቐጥታ ፍርያተይ’ዩ ነይሩ ክብል ኣይደፍረን። እቲ ሕብረተ-ሰብ፡ ኣብ ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኲርኡ ዘዋህለሎ ያታታት’ዩ። ኣነ፡ ምናልባሽ ናይ ሓያብን ጸሓፍን ተራ ጥራይ’ዩ ነይሩኒ ክኸውን ዝኽእል። ሓቂ’ዩ፡ ገለ ብድርሰት ዘፍረኽዎን ዝተሸለመን ስራሓት እውን ኣለኒ። ሓንቲ “ኢብራሂም ወእማቱ” እትብል ብቛንቋ ትግረ፡ ንቘልዑ ዝጸሓፍክዋ መጽሓፍ፡ ብሓደ ትካል ተዓዊታ ነይራ። ናብ ቋንቋታት ትግርኛን ኩናማን እውን ተተርጒማ ተሓቲማ። ዋላ እኳ ብዙሕ ናይ ሳንሱር ጸገም እንተ-ነበራ፡ በቲ ተሓቲሙ ክዝርጋሕ ዝኸኣለ ክፋላ ግን፡ ብመጠኑ ዕጉብ’የ።

ነቲ ብሓፈሻ ኣብ ምምዕባል ጽሑፋት-ቋንቋ ትግረ፡ ምስ ብጾተይ ዘካየድናዮ ጻዕርታት ንምሙጓስ እውን፡ ብነፍስሄር ኤርምያስ እድሪስ ቱጃር ዝተጐሳጐሱ፡ ኣብ ስካንዲናቭያን ዝርከቡ ኣሕዋት ገንዘባዊ ሽልማት ለጊሶምለይ ነይሮም’ዮም። እዚ እውን ካልእ ዕግበት ዝሃበኒ ዕዮ’ዩ ነይሩ። 

ግደ ሓቂ፤ ንኽሽለም ክብል ዝሰርሕ ሰብ የለን። ብፍረ ጻዕርኻ፡ ንባህግታትካ ከተዕግብ እንተ-ኺኢልካ፡ ካብኡ ዝዓቢ ሽልማት ኣሎ ኣይብልን። ሕማቕ ኣጋጣሚ ዀይኑ ግን፡ ኣብዚ ወለዶና ዝበርስ ዘሎ ሕልምታትን ባህግን ማእለያ የብሉን። ባህግታትና ኣብ ከነዕግበሉ እንኽእል መዋእል ኣይተፈጠርናን። እቲ ሕጂ ዘሎ ጻዕርና ድማ፡ ንዝመጹ ወለዶታት እዚ ንዓና ዝገጠመና ዕጫ ንኸይ-ገጥሞም’ዩ።

  1. 2. “ካብ ሴፍሲ ብርዒ ትሕይል” ዝብል ዝውቱር ብሂል: ኣብ ሓደ ብዛዕባኻ ዘላሊ ጽሑፍ ብቛንቋ ነርወይ ተጻሒፉ’ሎ: ኣብቲ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ እትጽሕፈሉ ዝነበርካ እዋን ከኣ ”ሕብራዊት ብርዒ” ትብል ዝጀመርካ’ውን ንስኻ ይመስለኒ’ሞ: ንብርዒ እትጥምተሉ መኣዝን ከመይ ምዃኑ ክፍልጥ ምደለኹ።

-እዛ ኣባሃህላ’ዚኣ፡ እምብዛ ደስ ካብ ዝብላኒ ኣበሃህላታት ሓንቲ እያ። ብርዒ፡ ኣብ ህወተይ ናይ ዝነውሐ ግዜ መጓዕዝተይ’ያ። ካብ ብልሳነይ ክዛረብ ብብርዐይ ገለ ነገር ክሓናጥጥ እንከለኹ ዝያዳ ናጽነት ይስምዓኒ። ኣብ ኤርትራ፡ ሓደ ብቐጻሊ፡ ኣብ ዝዀነ ነገር ክጽሕፍ ዝርእየኒ ዝነበረ፡ ኣለክስ ሀመልተን ዝበሃል ስኰትላንዳዊ፡ “ሕክምና ተረኤ!” ይብለኒ ነይሩ። ሳላ’ቲ ብቐጻሊ ምጽሓፈይ፡ ዘየቋርጽ-ፍወሳ (therapy) ዝረክብ ምንባረይ ኣይፈለጠን ኔሩ ማለት’ዩ። በዚ ማእዝን እዚ እምበኣር፡ ብርዒ፡ ፍትንቲ መድሃኒት ህይወተይ’ያ።

ከም ሓንቲ ሰለማዊት፡ (ዘይትጓዳእ) ኣጽዋረይ እውን ክርእያ እኽእል’የ። ብብልሒ ሴፍ፡ ኣካላት ወዲ-ሰብ ከተጒድል ትኽእል ኢኻ፤ ብብልሒ ብርዒ ግና፡ ድንቁርንኡን ድሕረቱን ጥራይ ኢኻ ከተጒድለሉ እትኽእል። ንሕብረተ-ሰብ መገዲ ድሕነትን ብርሃንን ክትሕብረላ እትኽእል ጥበብ እውን እያ - ብርዒ። ከም ሰብ፡ ካብ ሚልዮን ሰልዲ ንላዕሊ፤ እንኰ ብርዒ ኣብ ጅባይ ስኢነ፡ መጽሓፊ እንተ-ዝሕርብተኒ ዝያዳ ክርበሽ ምኻኣልኩ ይመስለኒ። ዋላ’ውን ኣብ’ዚ ዘመነ ኮምፕዩተር፡ ብብርዒ ክጽሕፍ እንከለኹ ዝያዳ ባህታ ይፈጥረለይ። ብዙሕ ቀንጠብጠብ ብሃላይ ኣይኰንኩን። ኣብ ገዛይ ግና፡ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝለከምክዎ፡ ከባቢ 2000 ዝኸውን ብርዕታት (ፒሮታት) ኣሎኒ። ከምዚ ሕብረተ-ሰብ ማሳይ፡ ኩለን ከብቲ ዓለም ናታቶም ኰይነን ዝስምዓኦም፤ ኣነ’ውን ኩሉ ብርዒ፡ ንዓይ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ኰይኑ እዩ ዝስመዓኒ፡ ‘መስለኒ።

ከምቲ ኣብዚ ሕቶኻ ዝጠቐስካዮ፡ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ “ሕብራዊት ብርዒ” ጀሚረ፤ ኣብ ኡጓንዳ እውን ኣብታ ዌብሳይትና፡ “ዘዋሪት ብርዒ” እትብል ሓንቲ ቀዋሚት ዓምዲ ነይራትና እያ። እዛ ጥቕሲ’ውን፡ ከም ጭርሖ ናይታ ዌብሳይት እያ ነይራ። ኣብዚ ሕጂ ግዜ’ውን እንተ-ዀነ፡ ሓደ ካብቶም “PEN Eritrea” ዝመስረቱ’የ። ጠበንዣ፡ ቀደሙ’ውን ኣይኣምነሉን’የ፤ ድሕሪ ደጊም ድማ፡ ናብ እርጋን ገጽና እውን ስለ ዝዀንና፡ ቃልሰይ ብብርዒ ጥራይ’ዩ ክኸውን - ብህይወት ክሳብ ዘለኹ። ንመን ይፈልጥ፤ ኣብ ሞተይ እውን ብርክት ዝበለ ብርዒ ሒዘ ወይ’ውን ቅርጺ ብርዒ ኣብ ዘለዎ ሳንዱቕ ማሚቘ እንተዝቕበር፡ ኣምበይ-ምጸላእኩን።

  1. 3. ኣብዘን ሒደት ኣዋርሕ: ብፓልቶክን ፈይስቡክን ትመርጾ ዘለኻ ሓሳባት ናይ ኣጸሓሕፋን ሓሳባት ናይ ኣቀራርባን ሜላ: ነቲ ዘይንፈልጦ ካልእ ደሳለ ዘርኣየና ኮይኑ ዶ ይስምዓካ፧

-ይስምዓኒ’ወ። የግዳስ፡ ዘይንፈልጦ ‘ደሳለ’፡ ዘይኰነስ ቀዲምና ዘይነስተብሃልናሉ ክኸውን ይኽእል’ዩ። እታ ፍልልይ ንእሽቶይ ክንሳ’ያ። ቀደም፡ ንገለ ደቀቕቲ ዝመስሉ ነገራት፡ ዕሽሽ ናይ ምባልን ‘ከም ሻሙ’ ኢልካ ናይ ምሕላፍን ባህሪ ነይሩኒ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ህሞትን ኣጋጣሚታትን ግና፡ ንኹሉ ነገር ብዕትበትን ብነቓፊት-ዓይንን ክርእዮ ጀሚረ። እቶም ኩሎም፡ ዕሽሽ በሃላይ ብምንባረይ ጥራይ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽተይ ዝነበሩ ድማ፡ ዕርክነቶም በቲዀም። ምርጫኦም ክሳብ ዝዀነ ብዙሕ ኣይሰሃርኩሉን። ምእንተ-ርእሱ፡ ኣብቲ ብልቢ ዝኣምነሉ መገዲ፡ ዋላ ንውልቀይ እውን ንኽጓዓዝ ጸገም ዝበሃል የብለይን።

  1.  4. መገሻ ትፈቱ ኢኻ: ተዘውትር ድማ: ምስ መገሻ ዝተኣሳሰር ከተዳልዎ ዝሓሰብካ መደብ ስለ ዘለካ ዶ ይኸውን፧

-ኣብ ነርወይ፡ ናይታ ሃገር ‘Guest-writer’ – (እንታይ ኢና ክንብሎ፧) ‘ጋሻ ወይ ገያሺ ጸሓፋይ’ ኰይነ እየ ዝነብር ዘለኹ። ግደ ሓቂ፡ ኣብዛ ሓላፊት ዓለም መን-ከ’ሎ’ዩ ዘይገያሻይን ዘይገይሽን፧! ኩልና ገያሾ (ሓለፍቲ መገዲ) ናይዛ ዓለም ኢና።

እቲ ሕቶ ግን ሓቂ’ዩ። መገሻ፡ ብልቢ’የ ዝፈቱ፤ - አዘውትር’ውን። ሳሕቲ እንተ-ዘይኰይኑ፡ ንኽጽሕፍ ኢለ ዝገሸሉ ግዜ ግና ብዙሕ ኣይኰነን። ፍቕሪ መገሻ፡ ቅድሚ ፊደላትን ጽሕፈትን ምምላኸይ ኣትሒዙ ዝነበረኒ ፍቕሪ’ዩ። ሰባት ካብቲ ኣነ ዝነብሮ ህይወት ብዝተፈልየ ቅዲ ክነብሩ ምርኣይ፡ እምብዛ’ዩ ዝምስጠኒ። ንባህልታት፡ ከከምቲ ዝዝውተርዎ’የ ዝቕበሎም። ብ‘ምኒኰሎ’ ናይ’ቲ ዝዓበኽሉ ልምዲ፤ ንባህልታት ካልኦት ናይ ምሽናን ባህሪ ዘለኒ ኣይመስለንን። ዝበዝሑ ጸሓፍቲ እውን፡ ምህርቶም ካብ መገሻታት’ዩ። ንዓይ‘ውን ብተመሳሳሊ። ብፍላይ፡ ብዛዕባ እቲ ዓይኒ-ዘንቊሓለይ ናይ ክልተ ዓመት ናይ ሃገረ ኡጓንዳ መገሻይ፡ ገለ ነገር ከይጸሓፍኩ ዝዓርፍ ኣይመስለንን።

  1. 5.      ፕሮፈሰር ስብሃቱ ንዝበሃሉ ጸሓፊ: ንስኻ «ካብ ቋንቋ ዘላን ደኣ ተመሃሩ ’ምበር ‘ቋንቋ ዘላን’ ኢልኩም ኣይተነኣእስዎ» ዝብል ርእይቶ፡ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ጽሒፍካሎም ኔርካ። ንሶም ከኣ ኣብታ “ትግርኛ ፍቅርቲ ሆየ፡ ተጠሊዕኪ ኡይ በሊ” እትብል መጽሓፎም፡ ”ሓደ ካብ ደቀ-መዛሙርቲ ለማ በገበያ” ክብሉ ንርእይቶኻ፡ «ዕትብተ-ልቦ፡ መትሓዚ ዘይርከቦ፡ ኣድራሻኡ ዝጠፍኦ ንህቢ” ክብሉ፡ ኣብቲ መጽሓፎም ኣስፊሮሞ ኣለዉ። ከምዚ ዝዓይነቱ ዘለፋ፡ ነቲ ክቐርብ ተደልዩ ዘሎ ሓሳብ ዘፍኩሶ ኮይኑ ዶ ይስምዓካ፧

 -ዛንታ ፕሮፈሰር ስብሃቱ ገብረሚካኤል ክፍሉ -ዳርናይ- ነዊሕ’ዩ። “እቲ ዘለፋ፡ ነቲ ዝቐርብ ሓሳብ ዘፍኲሶ ዶ ኣይመስለካን፧” ብዛዕባ ዝበልካዮ ሕቶ ግና፡ ነቲ ሓሳብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንኰላይ ነቲ ሓሳቢ (ነቲ በሃሊኡ) እውን ከፍኲስ ዝኽእል ‘መስለኒ።  

ብሓፈሽኡ፡ እቲ ፍጻመ፡ ጳውሎስ ነታባይ ናብ ‘ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ’ ኣብ ዝመጸሉ ግዜ ዘጋጠመ እዩ ነይሩ። ንጳውሎስ ከም ሰብ ኣዐርየ’የ ዝፈልጦ። ናይ ሱዳን ጽልዋ ስለ ዘሎዎ፡ ሰብ ኣብ ጋዜጣ ክናቘት ‘ኬፍ’ እዩ ዝህቦ ነይሩ። ኣብ ከም’ዚ ግዜ’ዚ ድማ’ዮም፡ ፕሮፈሰር ስብሃቱ፡ “ቋንቋና - ቋንቋ ዘላናት ኣይንግበሮ” ዝትሕዝቶኡ ሓደ ዓንቀጽ ዝጸሓፉ። ኣነ ድማ፡ “ኣቶ ስብሃቱ፡ እዝጊ ኪህበኩም ካብ ቋንቋ ‘ዘላናት’ ተመሃሩ!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፤ ‘ዘላናት’ ማለት ሰበኽ-ሳግም ማለቶም እንተ-ነይሩ፡ መነባብሮ እምበር፡ ቋንቋ ሰበኽ-ሳግም ትሑት ዘይምዃኑ ዝትሕዝቶኡ ምላሽ ሂበ። ድሕሪ እዚ ከኣ’ዮም ፕሮፈሰር፡ ምላሽ-ምላሽ ዝሃቡ። ትዝክሮ ትኸውን፤ ኣብቲ ግዜ’ቲ እያ እታ ጋዜጣ ካብ 12 ገጻት ናብ 16 ገጻት ‘ማዕቢላ’ ነይራ። ፕሮፈ. ስብሃቱ ዝጸሓፍዎ ጽሑፍ ድማ ብዘይ ምግናን፡ ክንዲ ክልተ ምሉእ ሕታማት ናይታ ጋዜጣ ዝኸውን ነይሩ። ጳውሎስ፡ እናሰሓቐ ኣብ ‘ኦፊችኡ’ ወሲዱ፡ ነቲ ጽሑፍ ከንብቦ ሂቡኒ። ነታ ቀዳመይቲ ገጽ ጥራይ ከማን ከንብባ ዓቕሊ ኣይረኸብኩን። “ኣንታ ለምባእ፡ ቀስ ኢልካ ዕበ፡ ተመሃር፡ ኣብ ዘይትፈልጦ ጒዳይ ጠብሎቕ-ሎቕ ኣይትበል፡ ብዙሕ ዘይትፈልጦ ኣሎ . . . “ ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ ማእለያ ዘይብሉ ዘለፋታትን መግናሕትን እዩ ነይሩ።

ኣብታ እትቕጽል ጋዜጣ ድማ፡ “ምላሻት ነቶም ብተማሃራይ ደሳለ በረኸት እተላዕሉ ወጥርታት!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ዓቢ ኣርእስቲ፡ ካብቲ ነዊሕ ጽሑፎም ዝተጸምቈ ጽሑፍ ቀሪቡ። ፕሮፈ. ግና በዚ ኣይዓገቡን። “እቶም ኣሳናዳእቲ ጋዜጣ ኣዕሩኽትኻ ኰይኖም ንዓኻ ዘርዮምልካ!” ድሕሪ ምባል፡ ሓደ ክሳብ ሕጂ ነቢበ ዘይወዳእክዎ፡ “እዋን ጽዕደት ተቓረበት!” ዘርእስቱ ጽሑፍ ናባይ ሰዲዶም። ኣብ ውሽጢ 90 መዓልትታት ማለት (ካብ 1 ለካቲት 2005 ክሳብ 1 ሚያዝያ 2005) ወግዓዊ ይቕሬታ እንተዘይሓቲተ፡ ዝገብርዎ ከም ዘለዎም ኣጠንቂቖምኒ። ይቕሬታ ኣይሓተትኩን - ይቕሬታ ከሕትት ዝኽእል ኲነታት’ውን ዝነበረ ኰይኑ ኣይተሰምዓንን። መቸስ፡ ተስፋ እገብር - ፕሮፈሰረ ነዚ ጽሑፍ ነቢቦም ነቲ ነገር ደጊሞም ከይጽሕትርዎ - ሕጂ። እዚ፡ ካብቲ ብዙሕ፡ እቲ ክዝክሮ ዝኸኣልኩ ጥራይ’ዩ።

  1. 6.      ካብቶም እትመልኮም ሓያሎ ቋንቋታት: ብየናይ ቋንቋ ክትጽሕፍ’ዩ ዝብርሃካ፧

-እዚ ጒዳይ፡ ኣብቲ ክትጽሕፎ ዝሓለንካ ዛዕባ ዝምርኰስ ይመስለኒ። ብዛዕባ ያታን ባህልን ክትጽሕፍ እንተ-ዀይንካ፡ ከም ቋንቋ ትግረ ገይሩ ልብኻ ዝመልእ ቋንቋ ዝህሉ ኣይመስለንን። ከምዚ ልሙድ ንጽሕፎ ኣቃጫጭ ዝሓወሰ ጽሑፋት ግና፡ ቋንቋ ትግርኛ ዝመቸኤ’ዩ - ንዓይ።

  1. 7. ሓጺር ድሕረ ባይታኻን: ብሕጂ ከተፍርዮ ዝወጠንካዮ: ንሕና ካባኻ ክንረኽቦ ዘለና መደባት እንተሎ፧

-አየናይ ክፋል ድሕረ-ባይታይ ንኣንበብቲ ከገድስ ይኽእል ብርግጽ እንድዒ። ብሓፈሻ ግና፡ ኣብ ኤርትራ፤ መባእታ፡ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃን፡ ዩኒቨርስትን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን ካብ ምልእቲ እታ ሃገር ምስ ዝመጹ ተመሃሮን’የ ተማሂረ። እዚ ድማ ዝሓሸ ኣፍልጦ ናይቲ ሕብረተ-ሰብ ንኽህልወኒ ዝሓገዘኒ ‘መስለኒ። ድሕሪ 1 መስከረም 2010፡ ከም ብዙሓት ካልኦት ብጾተይ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ’የ ዝነብር ዘለኹ። ካብታ ዝተወለድኩላ ኤርትራ ወጻኢ እምበር፡ ኣብ ስደት እየ ዘለኹ ዝብል ስምዒት የብለይን። እዞም ምስኣቶም ዝነብር ዘለኹ ኣህዛብ እውን እንተዀኑ ኣብዛ ዘለናላ ፕላኔት ምሳና ዝተወልዱ’ዮም።

ካልኣይ ክፋል ናይዛ ሕቶ፡ ብዛዕባ ብሕጂ ከተፍርዮ ዝወጠንካ ዝብል እዩ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበርክሉ ግዜ ሓንቲ ሕልሚ’ያ ነይራትኒ፤ ናይ ቈልዑ ስነ-ጽሑፍ ምምዕባል። ዝበዝሕ ካብቲ ዘፍረኽዎ መጻሕፍቲ እውን ናብኡ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ። ሓንቲ “ሳእዮብ” ማለት «ተስፋ» እትብል መጽሔት-ቈልዑ፡ ብቛንቋ ትግረ፡ “ፍናን” ዘርእስታ ተመሳሳሊት መጽሔት እውን፡ ብቛንቋ ትግርኛ፡ ምስ ብዙሓት ብጾተይ ኴንና፡ ኣዳሊና ነይርና። ነዚኤን ጥራይ እናሰራሕኩ ህይወተይ ክዛዝም መደብ ነይሩኒ። ከይተሓለልኩ ፈቲነ፥ ዝከኣል ኰይኑ ግና ኣይረኸብክዎን። ኣቐዲመ ከም ዝበልክዎ፡ እዛ ዘላ ኤርትራ ንሕልምን ባህግን እትኸውን ኣይኰነትን።

ብመልክዕ መጽሔት እኳ እንተ-ዘይኰነ፡ ብመልክዕ መጽሓፍ ግና ሕጂ’ውን ምስ ብጾተይ ኴንና፡ ካብዚ ስደት ደጊምና ንፈታትኖ ኣለና። ኣብዚ ዝሓለፈ ሓጺር ግዜ፡ ሓንቲ ንቘልዑ እትኸውን መጽሓፍ፡ ኣብ ቻይና ኣሕቲምና‘ለና። እቲ መጻሕፍቲ ድሮ፡ ገሊኡ ናብ ነርወይ፡ ገለ’ውን ናብ ኢትዮጵያ ተላኢኹ፡ኣብ መገዲ‘ሎ። እቲ ናይ ኢትዮጵያ፡ ነቶም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዘለዉ ቈልዑ፡ ዝዕደል’ዩ። እቲ ሓሳብ፡ ብውሕዱ፡ኣብ ህይወቶም፡ ሓንቲ ባዕላቶም ዝወነንዋ መጽሓፍ ዝኽሪ ንኽትህልዎም’ዩ። እዛ ቀዳመይቲ ፈተነ’ዚኣ እንተ-ተዓዊታትልና፡ ካልኦት ብቘልዑን ኰተቴን (Junior Youth) ዝንበቡ፡ኣብ ቀጻሊ ንሕትመት ዝተዳለዉ መጻሕፍቲ ኣሎዉና። ዋላ እኳ ኣብዚ ምምስጋኖምን ምጥቃሶምን ቊሩብ ዘጸግም እንተዀነ፡ ንኸምዚ ዓይነት ቅዱስ ሓሳብ ዝተሓባበሩ’ውን ድሮ ረኺብና ኣለና። ብዓቢኡ ኸኣ ጸጋን-ሓገዝን እዝግሀር ንኸይፍለየና፡ እዞም ቤተ-ክህነት፡ ኣብ ሰናይ ጸሎትኩም ክትዝክሩና ንምሕጸን።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

“እዚ ክቱር ርግኣት እኳ ዕረፍቲ ከሊኡኒ፡” ኣብርሃም ተስፋልኡል