ሞትና ብኸመይ’ዩ ንሞት ክርስቶስ ዝመስሎ፧ መጽናዕቲ መልእኽቲ ሮሜ

ሎም ምሸት፡ ሓሙስ 28 መጋቢት 2024፡ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ፡ ምዕራፍ 7 ኢና ከነጽንዕ። እቶም ኣብ ኣርባዕተ ጉጅለ ተመቓቒሎም፡ ኣብዚ መጽናዕቲ’ዚ ዝሳተፉ ዘለው፡ ኣብ ሮሜ 6.5 ንዘሎ፡ “ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሐብሮ ኢና” ካብ ዝብል ጥቕሲ ብምብጋስ፡ ሞትና፡ ብኸመይ’ዩ ንሞት ክርስቶስ መሲሉ፡ ምስኡ ሕቡራት ዝገብረና፧ ዝብል ሕቶ ብሓባር ክመያየጡሉ ተዋሂብዎም ቀነየ። ካብቶም ጉጅለታት ዝተላእከ፡ ጽማቝ ትሕዞ፡ እንሆ፦

 ጉጅለ ሓደ ዝለኣኽዎ መልሲ

ኣብዚ ተላዒሉ ዘሎ ሕቶ፡ ክልተ ነጥብታት’ዩ ዘሎ፣ ቀዳማይ፡ ናትና ሞት፡ ካልኣይ ከኣ ሞት ክርስቶስ። ክስመረሉ ዘለዎ ሓደ ነጥቢ’ውን ኣሎ፡- ማለት ሞትና ብምሉእነት ንናይ ክርስቶስ ሞት ክመሲል ዘይኮነስ፡ "መሲሉ" እዩ ዝብለና ዘሎ። ሞት ናይ ክርስቶስ ፍሉይ አዩ። ንሕና ግና ብእምነት ነቲ ሞት ክንመስሎን ክንሓብሮን ንኸአል ኢና። ከምኡ ንምግባር ዘኽእለና ኸኣ፡ ባዕሉ በቲ ዝገበሮ ምድሓንን ጸጋን ምዃኑ ክንስሕቶ የብልናን።

ሞትና ን ናይ ክርስቶስ ሞት ዝመስለሉ መጀመርታ ብጥምቀትዩ። ኣብ ሮሜ 6፥3-4 ብሰፊሑ ከም እነንብቦ፡ “እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና” እዩ ዝብል። ስርዓት ጥምቀት ክንፍጽም ከለና ኣብ ማይ ጥሒልና ኢና እንወጽእ። እዚ ድማ ተቐቢርና ንወጽእ  ከም ዘለና ምሳሌ እዩ። ክንቅበር ከለና፡ ኩሉ ሓጢኣትና ወላ አቲ ኣረጊት ሰብና ይቕበር። ካብ ማይ ክንወጽአ አንከለና ድማ፡ ብሓድሽ ህይወት ንትንስአ። በዚ ከኣ ብክርስቶስ ኢየሱስ ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንና ንርእስና ንቘጽር፡ (ሮሜ 6፥11)።

ሞትና ን ናይ ክርስቶስ ሞት ዝመስለሉ ብመከራ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ፊሊጲ ጽሒፍዎ ከም ዘሎ፡ “ብዝዀነ ዀይኑ ናብ ትንሳኤ ምዉታት እንተ ኣርከብኩ ኢለ፡ ብሞቱ እናመሰልክዎ፡ ንእኡን ሓይሊ ትንሳኤኡን ሕብረት መከራኡን ምእንቲ ኽፈልጥ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ አሎኹ፡” ክብል ከሎ፡ (ፊሊ3፥10-11)፡ ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ምስ ሞትና፡ ከምቲ ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና ብብዙሕ መከራን ስቓይን ዝሓለፈ፡ (ኢሳ50፥6 53፥5)። ንሕና’ውን ኣብዛ ምድሪ፡ ንፍትወት ስጋና ይኹን፡ ንፍትወት ዓለም፡ ከምኡ’ውን ፈተና ሰይጣን፡ መከራ፡ ስደት፡ ካብ ሓጥያት ሙማት፡ ምእንቲ ጽድቂ አልና ብተስፋ ብጸጋ ኣምላኽን መንፈስ ቅዱስን ኩሉ ፈተና ክንሰግር ከለና፡ ሞትና ንሞት ክርስቶስ ይመስል ኣሎ ማለት’ዩ።

 ጉጅለ 2 ዝለኣኽዎ መልሲ

መምህር ህይወትና ክርስቶስ የሱስ እዩ! ኣብዛ ምድሪ ብዘይ ሓጥያት ኣብ ኣፉ ሓሶት ዘይተረክቦ (ኢሳ፣53፣9) ንፍቓድ ኣቦ ዘስመረ፡ (ማቴ፣3፣17) ብዅሉ ብቝዕ ኰይኑ ዝተረኽበ "እንኮ" በይኑ፡ ናዝሬታዊ ጐይታና ኢየሱስ ጥራሕ እዩ። ቀጺሉ'ውን መምህርና ቅዱስ ጴጥሮስ  ኣብቲ 1ይቲ መልእኽቱ፡ “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳን ኩኑ ዝብል ጽሑፍ ዘሎ ከምቲ እቲ ዝጸውዓና ቅዱስ ዝኾነ፡ ንሕና’ውን ብዅሉ ህይወትና ቅዱሳን ክንከውን ኢና ተጸዊዕና።  ቀጺሉ'ውን  “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ *ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ።” ብምባል ጽሒፉልና ኣሎ፡ (1ይ ጴጥሮስ 2፥21)።

ስለዚ፡ ሞትና ንሞቱ ክመስል ክብሃል ከሎ፡ ብዅሉ ህይወትና ንዑኡ ክንመስሎ፡ ክንሓብሮ ኣሎና ማለት’ዩ። ከምቲ ኣብ ኤፌሶን 4፡ 11 “ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡” ኢልዎ ዘሎ፡ ኩሉን ብዅሉን፡ ንክርስቶስ ክንመስሎን ኣብ ህይወትና ኸኣ ንሱ፡ ብኽብሪ ክግለጽ ከሎን እዩ። ኣብ 2ቈረ 5.15-17 “ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ። ደጊም ካብ ሕጂ ብመገዲ ስጋ ንሓደ እኳ ኣይንፈልጦን ኢና፡ ንክርስቶስ ከኣ ምንም እኳ ብመገዲ ስጋ ፈሊጥናዮ እንተ ዀንና፡ ሕጂ ኸምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና። ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ።

ስለዚ በዛ ሓዳስ ህይወት እንተነበርና፡ ከምኡ ድማ ብጸጋኡ ኣብ ትንሳኤኡ ክንሓብሮ ኢና። እዚ ኸኣ ከምቲ ጽሑፍ ዝብሎ እዩ፦ “ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን። ክርስቶስ ህይወትና ምስ ዚግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም (ቈሎሴ 3፥1-4)።

ጉጅለ 3 ዝለኣኽዎ መልሲ

ኩሉ እቲ ክርስቶስ ዝገበሮ ንዓና ምኻኑ ብምእማን ክንቅበሎን ክንነብሮን ተጠሚቕና፡ ብሓድሽ ህይወት ብክርስቶስ እንተነበርና፡ ንክርስቶስ ብሞቱ ንመስሎ። እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ከም ዝተሰቕለ፥ ከም ዝተቐብረ፥ ህይወትና’ውን ምስኡ ተሰዊራ ከም ዘላ፡ ብምእማን፡ ካብ ኩሉ ክፍኣትን ሓጢኣትን ሓራ ኴንና፡ ንኣምላኽ ንነብር። ማለት፡ ከምቲ ጐይታ “ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ” ዝበሎ፡ (ማቴ 16፥24) ዝበሎ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ሽግር፥ ማእሰርቲ፥ ክሳብ ሞት'ውን  እንተኾነ፡ ክንስዕቦ ይግባእ። ካልኦት ብዝብድሉናን ዝብሉናን ከይተናወጽና ኣብ እምነትና ጸኒዕና ከም ብርሃናትን ጨውን ዓለም ኣብ ህይወትና ብፍቕሪ ንኻልኦት ልዕሌና ኣብሊጽና ብምርኣይ፡ ንክርስቶስ ነኽብሮ። መወዳእትኡ ድማ ብጸጋን  ብሓይሊ ኣምላኽን፡ ተስፋ ትንሳኤን ናይ ዘልኣለም ህይወትን ይህልወና።

ጉጅለ 4  ዝለኣኽዎ መልሲ

ቃል ኣምላኽ ከም ዝነግረና፡ እቶም ብክርስቶስ ዝተጠመቕና ዘበልና፡ ኩልና ብሞቱ ከም ዝተጠመቕና፡ ማለት ብጥምቀት ኣቢልና፡ ኣብ ናይ  ክርስቶስ  ሞትን ትንሳኤን ከም ንሓብር እዩ። እምበኣርከስ፡ ሞትና ንሞት ክርስቶስ ዝመስል፡ “ምስ ክርስቶስ ሞይተ እየ” ኢልና ክንእመን ከለና፦

●      ናይ ብሓቂ ካብ ሓጥያት ምስ እንፍለ፡ እዚ ኸኣ ንፍትወት ዓለም፥ ንፍትወት ስጋ፡ ከምኡ’ውን ንፈተነታት ድያብሎስ፡ “እምቢ” ብምባል፡ ካብዞም ነገራት ተፈሊና፡ ነቲ ዝሞተልና ክርስቶስ ግና ህያዋን ኴንና ምስ እንመላለስ እዩ፡ (ሮሜ 6፥11)። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንሓጥያት ሞይትና፡ ንክርስቶስ ግና ህያው ከም ዝኾንና፡ ገዛእ ርእስና ከምኡ ጌርና ክንቈጽር ከለና፡

●      ምድራዊ ዘይኮነ፡ ሰማያዊ ሓሳብ ክህልወና ከሎ (ቈሎሴ1.2-3)

●      ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብሓድሽ ህይወት ምምልላስ ምስ እንጅምር (ሮሜ 6፥4)

●      ትሕቲ ጸጋ እምበር ትሕቲ ሕጊ ከም ዘይኮንና ተረዲኡና፡ ንኣካላትና ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ዘይኮነ፡ ንኣካላትና ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ምስ እንገብሮ፡ (ሮሜ 6፥12፥14)

ሓዋርያ ጳውሎስ ንሞት ክርስቶስ ብኸመይ ከም ዝመሰሎ ክገልጽ ከሎ፡ ኣብ ፊልጵ 3፥10 ንዅሉ ከም ወጽዓ ብምቝጻር ምዃኑ፡ ነጊሩና ኣሎ። ነየናይ እዩ፡ ከም ወጽዓ ቆጺርዎ እንተበልና፡ ነቲ ብ ስጋ ዝእመነሉ፡ ኣለኒ ዝብሎ፡ እቲ ከመክሖ ዝኽእል ኩሉ፡ ንመረዳእታ፡ ግዙር ምዃኑ፡ካብ ዓሌት እስራኤል ምዃኑ፡ ካብ ነገደ ብንያም ምዃኑ፡ እብራዊ ምዃኑ፡ ፈሪሳዊ ምዃኑ፡ ብቕንኢ፡ ሰጓጕ ማሕበር ምንባሩ፡ ሕጊ ብምፍጻም፡ መንቅብ ዘይነበሮ ምዃኑ፡ እዚ፡ ንሓዋርያ ጳውሎስ፡ ረብሓኡ እኳ እንተነበረ፡ ንሱ ግና ናብ ክርስቶስ ምስ መጸ፡ ንዅሉ ከም ወጽዓ ቈጸሮ። ንክርስቶስ ኢልካ ስጋዊ ድሌታትካ መስዋእቲ ጌርካ ምቕራብ፡ ንሞትካ ንሞት ክርስቶስ ከም ዝመስል ይገብሮ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ብመንፈስ ዝምርሑ ማለት እንታይ ማለት’ዩ፧

Next
Next

እምበር ዶ እዞም ግብጺ ገለ ኣይገበሩልናን፧!