እምበር ዶ እዞም ግብጺ ገለ ኣይገበሩልናን፧!

ነታ እተገልበጠት ጻሕሊ እትመስል ጸላም ቆቢዕ ወድየ፡ ጸሊም ጀለብያ ተኸዲነ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ግብጺ ዝተሰርሐት ንእሽቶ መስቀል ኢድ ሒዘ’የ ዝጽሕፍ ዘለኹ። "ጸሊም ግብጻዊ" እንተልኩምኒ ኣይክሕዘልኩምን’የ። እንታይ ኴንና ኢና'ባ፡ ጻዕዳ ሓዲግና ናብ ጸሊም ዝዓሰልና፧!

ሎሚ ሰንበት 24 መጋቢት 2024፡ ኤርትራዊ ኣባ ሜሮን ኣብ ገዳም ኣባ ቢሾይ ብኢድ ግብጻዊ ጳጳስ መዓርገ ክህነት ተቐቢሎም፡ ዝብል ስእላዊ ሓበሬታ፡ ካብን ናብን ክላተም እዕዘብ ኣለኹ። እዛ ናይ ግብጽስ እንካ ገለ ኣሎዋ’ዩ. . . ዝብል ሓሳብ ድማ በዝን በትን ንዅለንትናይ ወረሮ።

ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ መርበብ ልሳን ተዋህዶ፡ ኣብ ሃገረ ስብከት ድባርዋ ጥራይ ኣብ ሓደ መዓልቲ፡ ካብ ምሉእ እቲ ሃገረ ስብከት ዝተዋጽኡ፡ 30 ዲያቆናት ብማዕርገ ክህነት፡ 114 ተመሃሮ ከኣ ብመዓርገ ዲቁና፡ ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ከም ዝተቐብኡ ነቢበ ነበርኩ። እዚ ዜና’ዚ ግና ብብዙሓት ክጋዋሕ ኣይረኣኽዎን።

ካልኣይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፡ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ፡ ”ግብጻውያን ኢድኩም ኣክቡልና” ዝዓይነቱ መርገጺ ስለ ዝነበሮም፡ ነቲ መዓርገ ፓትርያርክነት ካብ ኢድ ኤርትራውያን ብጾቶም እዮም ተቐቢሎሞ። ሳልሳይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ግና፡ ነታ መዓርግ ብግብጻውያን ክቕበልዋ ተመነዩ። ከምታ ትምኒቶም ድማ፡ ብ25 ሚያዝያ 2004 ድማ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ማርያም ኣስመራ፡ ብኢድ ግብጻዊ ኣቡነ ሽኖዳ ተቐበልዋ።

ድሕሪኡ ዝቐጸለ፡ መልክዑ ዝቐየረ ዛንታ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ራብዓይን ሓምሻይን ምስ ግብጺ ዝምድና ሓርፊፉ ኣብ ዝነበረሉ፡ ብኢድ ኤርትራውያን ብጾቶም ተቐብኡ። እዞም ብሕጂ ክቕብኡ እንጽበዮም ሻድሻይ ፓትርያርክ ከ፡ ሕልሞም፡ ብኢድ ግብጻውያን ንኽሽየሙ ዶ ይኸውን፧ ዕድመ እንተሂቡና፡ ጽባሕ ንግሆ ሓቢርና ንርእዮ። ነታ ስክፍታ ዝተጐብአት ሕቶ ግና ኣይትረስዕዋ፣ እምበር ዶ እዞም ግብጺ፡ ገለ ኣይገበሩልናን፧!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ሞትና ብኸመይ’ዩ ንሞት ክርስቶስ ዝመስሎ፧ መጽናዕቲ መልእኽቲ ሮሜ

Next
Next

ከመይ ትነብብ፧ ኣብ ሳንድነስ ካብ ዝተኻፈልናዮ