ከመይ ትነብብ፧ ኣብ ሳንድነስ ካብ ዝተኻፈልናዮ
ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ጊዜ፡ ንኽልተ መዳይ ህይወት ብዘንጸባርቕ፡ ብቐብርን ብጥምቀትን ንነርወይ ገይሸ። ”ንምውላድ ጊዜ ኣሎዎ፡ ንሙማት’ውን ጊዜ ኣሎዎ” ዶ በለ፡ ንጉስ ሰሎሞን፧! (መክ 3፡2)። ኣብ ኵሉ ዝገጥመና መዳይ ህይወት እንታይ ንነብብ፡ በባዕልና ንፈልጥ ኢና፣ “ከመይ ንነብብ፧” ንዝብል ግና፡ ቀልጢፍካ መልሲ ምሃብ ዝከኣል ኣይመስለንን። ብውሑዱ ትማሊ ቀዳም 23 መጋቢት 2024 ኣብ ከተማ ሳንድነስ፡ ድሕሪ ቅዳሴ ኣብ ዝነበረ ናይ ቃል ኣምላኽን ሓባራዊ ምይይጥን ጊዜ ከምኡ ተበሃሂልና።
ሓደ ፈላጥ ሕጊ፥ ናብ ጐይታና ኢየሱስ ቀሪቡ፡ “መምህር፡ ናይ ዘልኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፡ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ኺፍትኖ ተንስኤ (ሉቃ 10.25)። ጐይታና ኸኣ፡ ነቲ ፈላጥ ሕጊ፡ “ኣብ ሕጊ እንታይ ጹሑፍ አሎ፧ ከመይሲ ተንብብ፧” ብምባል፡ ንሕቶኡ ብሕቶ ገጠሞ። ፈላጥ ሕጊ፡ ከም ፍቕድን ከም ቅርጺ ኣጻብዕቱን ኣድቂቑ ንዝፈልጦ ሕጊ፡ ተረር-ተረር ቢልካ መልሲ ንምሃብ፡ ካልኢት ኣይወሰደሉን።
ንሕቶ ጐይታ ብምስትውዓል ነቢብናዮ እንተኔርና፡ እቲ ፈላጥ ሕጊ፡ ነታ ቀዳመይትን ቀላልን ሕቶ እምበር፡ ነታ ካልአይትን ዝያዳ ድማ ኣገዳሲትን ዝዀነት ሕቶ፡ ኣይተገደሰላን። ነታ፡ “እንታይ ጽሑፍ ኣሎ፧” እትብል ቀዳመይቲ ሕቶ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ፡” ቢሉ መለሰ። ነታ “ከመይሲ ትነብብ፧” እትብል ካልአይቲ ሕቶ ግና፡ ኣይመለሳን። ሽዑ ጐይታና፡ ኣሕጽር ኣቢሉ፡ “ጽቡቕ መለስካ። ከምኡ ግበር እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡ በሎ።” ነቲ “እንታይ፧” “ከመይ፧” ዝብል እንተዘየስዒብካሉ፡ ኣምላኽ ዝንእዶ ውጽኢት ኣይርከቦን’ዩ’ሞ፡ ጐይታ ድማ ነዚ ፈላጥ ሕጊ፡ ከምታ ኣብ ፍቕዲ 28 ዝበሎ፡ ኣብ ፍቕዲ 37’ውን፡ “ኬድካ፡ ንስኻ’ውን ከምኡ ግበር፡” በሎ።
ካብ ጽፍሪ እግሪ ክሳዕ ጸጕሪ ርእሲ ብእልፈ-ኣእላፋት ጥቕሲ ዘቕቢብካ ክንስኻ፡ ከመይ ከም እትነብብ ዘይትፈልጥ እንተዄንካ፡ ወደ መዝሙር ጐይታ ዘይኰንካስ ወደ መዝሙር እቲ ፈላጥ ሕጊ ኢኻ እትኸውን። እቲ ፈላጥ ሕጊ፡ በቲ ጐይታና ኢየሱስ ”ከምኡ ግበር እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡” ዝብል ዝሃቦ ቀዳማይ ምላሽ፡ ዕጉብ ኣይነበረን። ኣብቲ ጽሑፍ ከም እንርእዮ፡ ”ንሱ ግና ርእሱ ኼጽድቕ ደልዩ፡ ንየሱስ፥ ብጻየይከ መን እዩ፧” ናብ ምባል’ዩ ኣትዩ።
ያእቆብ ሓው ጐይታና፡ “ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ” በለ፡ (ያእ1.22)። እቲ ንመልእኽቲ እብራውያን ዝጸሓፈ፡ “እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ምስቶም ሰማዕቱ ብእምነት ስለ ዘይሓበረ ግና ኣይጠቐሞምን” በለ፡ (እብ4.2)። ንምክርኻር፡ ንምስባኽን፡ መልሲ ንምሃብን ወዘተ ዝኸውን እኹል ፍልጠት ክህልወካ እናኸኣለ፡ ነቲ ቓል፡ ብእምነት ምሳኻ ክሓብር እንተዘይፈቒድካሉ፡ ብርግጽ፡ ፈላጥ፡ ክኢላ፡ ምሁር ወዘተ ምዃንካ ከተርኢ ዝከኣል’ዩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና፡ ሞጐስ ዘውህበካ ኣይኰነን።
ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቃል ምስ ተነግራ፡ ”ከመይ፧” ብዝብል ሕቶ ኣሰንያ መልሲ ሕቶኣ ድሕሪ ምስማዕ፡ ኣየድሓርሓረትን። ነቲ ዝዛረባ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፡ ”እኔኹ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ” በለቶ (ሉቃ1.3)። ድሕር’ዚ፡ ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ። ኤልሳቤጥ መንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ ብዓብዪ ድምጺ፡”እቲ ካብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቃል ኪፍጸም እዩ’ሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲ እያ” በለት፡ (ሉቃ1.45)። ብዛዕባይን ብዛዕባኹምን ከ እንታይ ኮን ምተባህለ፧!