መጽናዕቲ መልእኽቲ ሮሜ ከመይ ይቕጽል ኣሎ፧

ቀዳማይ ክፍሊ፦ እግዚኣብሄር ኣብ ብዝብል መዘከሪ፡ ካብ ምዕራፍ 1.1-ምዕራፍ 3.20 ዘሎ፡ ጽድቂ ኣምላኽ፡ ኣበር ኣልቦ ከም ዝዀነ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ጻድቕ ዝዀነ ኣምላኽ ድማ፡ ስጋ ዝለበሰ ኩሉ፡ ሓጥእ ከም ዝዀነ፡ ተማሂርና።

ካልኣይ ክፍሊ፡- ”ወልድ” ብዝብል መዘከሪ፡ ካብ ሮሜ 3.21 ክሳዕ ሮሜ 5.21 ዘሎ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ብክርስቶስ ከም ዝተገልጸ፡ እቲ ጽድቂ ድማ ንኣና ነቶም ብክርስቶስ እንኣምን ከም ዝተቘጽረልና ድሕሪ ምርኣይ፡ መወዳእታኡ ኣብ ምዕራፍ ሓሙሽተ ኸኣ፡ ብእምነት ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጸዲቕና፡ ዝብል ተማሂርና።

ሳልሳይ ክፍሊ፡ ”መንፈስ ቅዱስ” ብዝብል መዘከሪ ካብ ምዕራፍ 6 ክሳዕ መወዳእታ ምዕራፍ 8 ዘሎ ክፍሊ ኢና ንኣቱ ዘለና። እቶም ንመልእኽቲ ናብ ሰብ ሮሜ ዘጽንዑ ዘለዉ፡ ገና ብሓባር እንከይዳህሰስናዮ፡ በብጉጅለኦም ተመቓቒሎም፡ ናይ ሰለስቲአን ምዕራፋት፡ ጽማቝ ሓሳባት ኣቕሪቦም ኣለው። ጽባሕ ሓሙስ 21 መጋቢት 2024 ሮሜ 6 ጥራይ ኢና ክንምሃር። ተሳተፍቲ ኣቕሪቦሞ ዘለው፡ ጽማቝ ትሕዝቶ ሮሜ 6— ሮሜ 8 ግና እንሆ በረከት!

ጉጅለ 1 ጽማቝ ትሕዝቶ ሮሜ 6-ሮሜ 8

ሮሜ ምዕራፍ 6-7 ብሓፈሻ ካብቲ ከቢቡና ዝነበረ ሓጢኣት (ብሕጊ ተነቓኒቑ ሞት ዝፈሪ) ካብኡ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓራ ከም ዝወጻእና፡ ኣብ ምዕራፍ 8 ድማ፡ ካብ ኩነኔ ነጻ ከም ዝዀንናን ብመንፈስ ቅዱስ ሓቲሙ ኸኣ ውሉዱ፡ ማለት ውሉድ ኣምላኽ ገበረና ብዝብል ተረዲእናየን ኣለና።

ጉጅለ 2 ጽማቝ ትሕዝቶ ሮሜ 6-ሮሜ 8

ንምዕራፍ 6 ብሰለስተ ሓሳብ ጌርና ክንኣስራ ንኽእል ኢና። ፍለጥ፡ ቍጸር ከምኡ’ውን ወፊ። ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ሞይትካ ከም ዝተንሳእካ ፍለጥ፣ ገዛእ ርእስኻ ከምዚ ከም ዝዀነት ጌርካ ቍጸር፣ ከምቲ ዝፈለጥካዮን ዝቘጸርካዮን ኴንካ ንምንባር ከኣ፡ ገዛእ ርእስኻ ወፊ። ምዕራፍ 7፡ “ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፡ ብሕጊ ኣብኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሰብኣያ ፍትሕቲ እያ” ብዝብል ጥቕሲ ወኪልና፡ (ሮሜ 7፥2) “ተፋቲሕኩም ኢኹም” ብዝብል ብሓደ ሓሳብ ክንኣስራ ንኽእል። ብሱሩ ፍትሕ ኣይፍቀድን እዩ፡ ሓዲኦም እንተሞተ ግና ይፍቀድ’ዩ’ሞ፡ ስለዚ ካብ ሕጊ ሓራ ምእንቲ ክንከውንሲ፡ ምስ ክርስቶስ ሞትና፡ ብሓድሽ ህይወት ምእንቲ ክንመላለስ ከኣ፡ ምስ ክርስቶስ ተንሳእና። ምዕራፍ 8 እቲ ብክርስቶስ እየሱስ ዝረኸብናዮ ዓወትን ክብርን እዩ ዝገልጽ። “እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን” ብዝብል ከኣ ከነጠቓልሎ ንኽእል፡ (ሮሜ 8፥1)።

ጉጅለ 3 ጽማቝ ትሕዝቶ ሮሜ 6-ሮሜ 8

ሮሜ ምዕራፍ 6-8፡ ሳልሳይ ክፍሊ፥ መንፈስ ቅዱስ ብዝብል መዘከሪ፥ ካብ ሕጊ ብሞት ክርስቶስ ሓራ ወጺና ትሕቲ ጸጋ ብምዃን፡ በቲ ንክርስቶስ ካብ ሞት ዘተንስኦ መንፈስ፡ ንህያው ኣምላኽ ከነገልገል፡ ኣባና ሓዲሩ ከኣልቲ ይገብረና እሞ፡ ኣብዛ ብክርስቶስ ዘላትና ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ ጸኒዕና ከም እንነብር ይምህረና።

ጉጅለ 4 ጽማቝ ትሕዝቶ ሮሜ 6-ሮሜ 8

ጽማቝ ትሕዝቶ መልእኽቲ ሮሜ 6 ክሳብ 8። ብሓጺሩ እዘን 3 ምዕራፋት፡ ኣመንቲ ብጥምቀት ኣቢልና ምስ ክርስቶስ ብሞቱን ብትንሳኤኡን ከም ዝሓበርና እዚ ድማ፡ ካብቲ ናይ ቀደም ናይ ሓጢኣት ህይወት ከም ዝሞትናን ኣብ ክርስቶስ ሓድሽ ህይወት ከም እተወለድናን የረጋግጸልና። ጳውሎስ እቶም ብመንፈስ እንምራሕ ዘበልና ደቂ ኣምላኽ ምዃንናን፡ ነዚ ድማ እቲ መንፈስ ባዕሉ ከም ዘረጋግጾን፡ ዕዮ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ኸኣ፡ ንሕና ክንጽሊ ከለና ብዘይንገር እህህታ ዝጽልየልናን ዝድግፈናን ምዃኑ፡ ክርስቶስ ኢየሱስ ከኣ ኣብ የማን ኣምላኽ ዝተቐመጠ፡ ምእንታና ዝጣበቐልናን ዝልምነልናን ምዃኑ ዝገልጽ ምዕራፋት እዩ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ከመይ ትነብብ፧ ኣብ ሳንድነስ ካብ ዝተኻፈልናዮ

Next
Next

ቍርሲ ጾመ-ኣርብዓ፡ እንታይ ንግበር፧