ቍርሲ ጾመ-ኣርብዓ፡ እንታይ ንግበር፧

“እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ፡ .. እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል ዶ ኣይኰነን፧!” ብዝብል ኢና ክንብገስ (ኢሳ58.7)። ምሳሕ ይትረፍ፡ ቍርሲ ጥራይ ንሓዝ። ቍርስና ብገንዘብ ክትመን ከሎ ከንደይ ይኸውን፧ እግዚኣብሄር ሕጉስ ወሃቢ’ዩ ዝፈቱ እሞ፡ ከየካበድና፡ ዋጋ ሓንቲ ቢኬሪ ሻህን ዋጋ ሓንቲ ባንን ጥራይ፡ ክንደይ ምዃኑ ገሚትና፡ ብአአን ንሕሰብ። ንመንፈሳውነት ካብ ስነ-ሓሳብ ኣውጺእና፡ ብግብሪ፡ ጨው ምድርን ብርሃን ዓለምን ኴንና እንርከበሉ መድረኽ ንምብጻሕ ድማ ንዓልም።

11 መጋቢት 2024 ዝጅምር ጾመ ኣርብዓ፡ ን55 መዓልታት ጸኒሑ፡ ሰንበት 5 ግንቦት 2024፡ ብዝኽሪ ትንሳኤ ጐይታና ክዛዘም’ዩ። ካብዘን 55 መዓልታት፡ ቀዳመ-ሰንበት እንተነከናለን፡ 40 ዘይንቘርሰለን መዓልታት ንረክብ። ስለዚ ናይተን 40 መዓልትታት ቍርሲ፡ ብዋጋ ክንትምኖ ከለና፦

  • ዋጋ ቍርስና ብ 1.25 እንተገሚትናዮ፡ ናይተን 40 መዓልትታት፡ 50 ዶላር ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ (1.25X40)

  • ዋጋ ቍርስና ብ 2.50 እንተገሚትናዮ፡ ናይተን 40 መዓልትታት፡ 100 ዶላር ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ (2.50X40)

  • ዋጋ ቍርስና ብ 5 እንተገሚትናዮ፡ ናይተን 40 መዓልትታት፡ 200 ዶላር ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ (5X40)

ከመይ እንተተገብረ ይሓይሽ ትብሉ፧! እቶም ክትሓብሩና እትደልዩ ኣብዚ ጠውቑ

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

መጽናዕቲ መልእኽቲ ሮሜ ከመይ ይቕጽል ኣሎ፧

Next
Next

ኣብርሃም፡ ብእምነት ዶ ብግብሪ፧