ኣብርሃም፡ ብእምነት ዶ ብግብሪ፧

“ወንጌል፡ ንዝኣምን ዘበለ፡ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን’ዩ፡” ብምባል ጽድቂ ኣምላኽ ብእምነት ከም ዝርከብ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ዘበሰረ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ካብ ዳሕረዋይ ክፋል እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ጀሚሩ፡ ክሳዕ ሳልሳይ ምዕራፍ ፍቕዲ 20፡ “ኩሎም ሓጢኦም፡ ክብሪ ኣምላኽ’ውን ስኢኖም” ብዝብል ክጠቓለል ዝኽእል፡ ስጋ ዝለበሰ ዘበለ ኩሉ (ኣይሁዳዊ ይኹን ግሪኻዊ፡ ኣፍሪቃዊ ይኹን ኤስያዊ) ኣብ ሓጢኣት ከም ዝወደቐ ብምግላጽ’ዩ ዘስተምህር። ሓደ’ኳ ጻድቕ የልቦን፡ ሓደ እኳ ንኣምላኽ በቲ ኣምላኽ ዝደልዮ መስፈሪ መሊኡ ዝደልዮ የልቦን፡ እናበለ ድማ፡ ምድሓን ንዅልና ከም ዘድሊ የርእየና።

ካብ ምዕራፍ 3.21 ኣትሒዙ ኸኣ ነቲ ኣብ መፋርቕ ቀዳማይ ምዕራፍ ዘዕረፎ፡ “ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን” ብዝብል እተበስረ ወንጌል፡ ከመይ ከም እተፈጸመ ንምሕባር ብስራቱ ይቕጽል። መጽናዕቲ ሮሜ ካብ እንጅምር ኣትሒዙ፡ ዛጊት ክሳዕ ኣብዚ ኢና በጺሕና ዘለና። ኣምላኽ እንተፈቐዶ፡ ብህይወት ድማ እንተጸኒሕና፡ ዝመጽእ ሓሙስ፡ ሮሜ 3.21 ኣትሒዝና ክሳዕ መወዳእታ ጥቕሲ ምዕራፍ ኣርባዕተ ከነጽንዕ ኢና።

እቲ ብእምነት ዝርከብ ጽድቂ ኣምላኽ ኣብ ህይወት ሰብ ብኸመይ’ዩ ዝፍጸም ንዝብል፡ ኣብ ራብዓይ ምዕራፍ ሮሜ፡ ኣብርሃምን ዳዊትን ከም ንመረዳእታ ተጠቒሶሙልና ኣለው። ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ንተሳተፍቲ ተዋሂቡ ዘሎ ዕዮ፦

ዝንበብ፡ ሮሜ 3.21-ፍጻሜ ከምኡ’ውን ምዕራፍ 4 ብምልእታ

ብቓል ዝጽናዕ ጥቕሲ፡ ሮሜ 3. 23-24

ቀዳማይ ትርጕም

“ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም። በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ በጃ ምሕላፍ፡ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ”

ካልኣይ ትርጕም

“ከመይ ኵሎም ስለ ዝኃጥኡን ካብ ክብሪ ኣምላኽ ስለ ዝረኃቑን፡ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ድኅነት ብኸምኡ፡ ብጸጋኡ ይጸድቁ”

ዕዮ፡ ሰብ ብኸመይ’ዩ ዝጸድቕ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ፡  “ኣብርሃም ብግብሪ ጸዲቑ እንተ ዝኸውንሲ፡ ገለ ዚምክሓሉ ምረኸበ ነይሩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ኣይኰነን” ብምባል ኣብ ኣብ ሮሜ 4.2 መጒቱ’ሎ። ሃዋርያ ያእቆብ ድማ ኣብ ያእ 2. 21-24 “ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብሩ ኣይጸደቐን፧ እምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዐየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራ’ውን ከም እተፈጸመት ትርኢ ኣሎኻ።. . . ሰብ ብግብሪ ከም ዚጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ ትርእዩ ኣሎኹም” ይብል።

“ሰብ ብኸመይ’ዩ ዝጸድቕ፧” ናይ ዝብል ሕቶ፡ እቲ ውዱእ መልሲ እንታይ’ዩ ክኸውን ዘሎዎ፧! ተሳተፍቲ፡ ኣብቲ ተመዲቦሞ ዘለዉ ጉጅለ፡ ተዘራሪቦም፡ ዝተሰማማዕሉ ውዱእ መልሲ፡ ክሳዕ ሓሙስ ቀትሪ፡ ክልእኩ ተሓቢርዎም ኣሎ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ቍርሲ ጾመ-ኣርብዓ፡ እንታይ ንግበር፧

Next
Next

ብትግርኛ ኣብዮምሲ፡ ብግእዝ፡ “ሰላም” ኢሎምኒ