5 ተደመሮ 5ን መልሲ ቀሺ ዮናስን
”’ስለ ምንታይ ኢኻ ‘5 ተደመሮ 5 ክንደይ’ዩ፧’ ንዝዓይነቱ ሕቶ፡ 10 ቢልካ ዘይትምልስ፧” በለኒ። ”ኣብ መጽሓፍካ ከምኡ፡ ኣብ ትምህርትኻ ከምኡ፡” ካን፡ ውድእ ዝበሎ’ዩ ዝመስል። ”እሞ፡ 5 ተደመሮ 5፡ ኵሉ ጊዜ 10 ዝኸውን ድዩ ዝመስለካ፧” በልክዎ። ”እቶም ዝድመሩ ሓደው እቶም ዝቕመሩ እንተቕሪበልኩምሲ፡ ስለ ምንታይ ኢኹም፡ ካባይ ውዱእ መልሲ እትጽበዩ፧” ብምባል’ውን ከሕስቦ ደለኹ። ”እሞ እዚኣ እንድያ ጸገምካ፡ 5 ኣጻብዕ ምስ 5 ኣጻብዕ፡ ክልቲኤን ብሓባር፡ 10 ከም ዝዀና ክትነግረና እንተትኽእል እምበር፡ ውዱእ መልሲ ዘይምሃብሲ ኣይግድን” ብምባል ከኣ ሓሳቡ ደምደመ።
ኣብያተ ክርስቲያን ካቶሊክን ኦርቶዶክስን ኣብ ጉባኤ ብኸመይ ከም ዝተፈላለያ፡ ጠንቂ መፈላለዪ ኰይኑ ዝተጠቕሰን፡ እቲ ዝነበረ ዝንቡዕ ኣረኣእያታትን፡ ጣልቃታት ሃጸይን ወዘተ ርኢናዮ። እስክንድርያ፡ ንሮማ ብንስጥሮሳውነት ክትጥምታ ከላ፣ ሮማ ድማ ንእስክንድርያ ብኣውጦክሳውነት ከም ዝረኣየታ፡ ምስ’ዚ ኸኣ፡ ካልእ ርሱን ጉዳያት’ውን ተሓዊስዎ፡ ጉባኤ ናብ ክልተ ከም ዝተገምዐ ተማሂርና።
ድሕሪ ምዝዛም ትምህርቲ፡ “እሞ ሕጂ ካቶሊክን ኦርቶዶክስን፡ ሓደ ድየን ወይስ በበይነን፧” ውዱእ መልሲ ኣኳ ኣየጨበጥካናን” በለኒ። ትማሊ ምሸት’ውን ”ጥምቀት ንሕድገት ሓጢኣት” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ምስ ቀረብኩ ኸኣ፡ ብተመሳሳሊ፡ ”ብጥምቀት ሕድገት ሓጢኣት ይርከብ ድዩ ወይስ ኣይርከብን፧” ስለምንታይ ኢኻ፡ ውዱእን ንጹርን መልሲ ዘይትህብ፧” ብምባል፡ ነታ ንሱ ዝፈትዋ፡ 5 ተደመሮ 5 ደገመለይ።
ደጊም ከረድኦ ኣለኒ ቢለ ሓሰብኩ እሞ፡ ነተን ኣብ የማናይ ኢዱ ዝርከባ ኣጻብዕቲ ክፈቕደን ከኣ ሓበርክዎ። ፈቒድካ ክትድምር ከለኻስ፡ ንሕንጥሊቶን ማእከሊቶን ብማዕረ ዲኻ ክትዕይረን፧ ንቐለቤቶ ኸ ምስ መመልከቲቶ፡ ብማዕረ ክትዕየራ ማለት ድዩ፧ ነታ ብቑመትን ርጉድን ካብ ኵለን ፍልይ ዝበለት ዓባይቶ ኸ፡ ከም ምስ ኩለን፡ ብማዕረ ክትዕይራ ማለት ድዩ፧ ሕቶታት ኣዘንብኩሉ።
ብዝዀነ መለክዒ ዝዀነ መፈላለዪ ዘይብሎም፡ ፍጹም፡ ምሉእ ብምሉእ ሓደ ዝዀኑ እንተዘይኰይኖም፡ 5 ተደመሮ 5 ኵሉ ጊዜ 10 ይኸውን ማለት ኣይኰነን፡ ብምባል ድማ፡ ኣብ ሓሳብ ኣጥሓልክዎ።
ተምሃሮ፡ (ሰማዕቲ፡ ነበብቲ ወዘተ) ካብ ኣፍ መምህር ዝወጸ ቃላት፡ ብእዝኖም ኣትዩ ብኣፎም ከቃልሕ ጥራይ ዝጽበይዎ እንተዄይኖምሲ፡ እቲ ኣእምሮኦም ከ ደኣ ንድሕሪ ትንሳኤ ሙታን ክጥቀሙሉ ማለት ድዩ፧!ብውሽጠይ ኣባጨኹ።
ብሩኽ ቀዳመ-ሰንበት!