ብስርዓት ዝቕየዱን፡ ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱን
ክርስትና ንምርዳኡ ኰነ ንምንባሩ ቀሊል እንተዝነብር፡ ”እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳ’ውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዝረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም” ዝብል ቃል ጐይታ፡ ብዙሕ ኣገዳስነት ኣይምተረኽቦን፡ (ማቴ7.14)። ቃል ኣምላኽ ጸኒዑ’ዩ ዝነብር እሞ፡ እታ ደገ፡ ኣብ ሎሚ በጺሓ ክትሰፍሕ ኣይከኣላን እዩ፣ እታ መገዲ’ውን ኣብ ሎሚ በጺሓ ክትገፍሕ ኣይከኣላን። ብርግጽ፡ ሎሚ’ውን እቶም ነታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ዝረኽብዋ ሒደት’ዮም።
ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ስርዓት ኣቦታት ክሕልዉ ክብሉ፡ ንቓል ኣምላኽ፡ ከንቱ ከም ዝገበርዎ፡ ጐይታና ኢየሱስ ነቒፍዎም ነበረ፡ (ማቴ 15.6)። ቃል ኣምላኽ፡ ”ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” እናበለስ፡ ንሳቶም ግና፡ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ”ነቦኡ ዀነ ወይስ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ መባእ ጌረዮ እየ፡ ዚብል፡ ግዲ ምኽባር ኣቦኡን ኣዲኡን የብሉን፡” ዝብል ስርዓት ገዛእ ርእሶም ብምእታዎም ድማ ተነቕፉ።
ብኣንጻር እዚ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ፡ ”ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዚመላለሱ ግንሕዎም” ዝብል፡ ዘይናሕሲ ቃል ጽሒፉ’ሎ፡ (1ተሰ5.14)። እዞም ብዘይ ስርዓት ክመላለሱ ዝብህጉ፡ ኣብ ናብራኦም ኰነ ኣብ ስብከቶም፡ ብዘይ ስርዓት ምንባርሲ፡ ምስትምቓር እቲ ብክርስቶስ እተረኽበ ሓርነት ከም ዝዀነ ጌሮም’ዮም ዝገልጽዎ። ስለዚ ድማ ”ንስሓ” ኣብ ስብከቶም ኣይርከብን። ኣብ ሕብረት ኣሕዋት፡ ኣብ ጾምን ጸሎትን፡ ኣብቲ ብማሕበር ዝካየድ ሓባራዊ ንጥፈታት ተወፍዮም ክነጥፉ ኣይብህጉን። መመኽነዪ ምእንቲ ክዀኖም፡ ሰብ ንዘቖሞ ኣይግዛእን’የ ይብሉ’ሞ፡ መገዲ ገዛእ ርእሶም ድማ ይበላሓቱ።
ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቈረንቶስ ከም እንዕዘቦ፡ እቶም ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ፡ ንብጻየይ ዝብል ፋዕራ ዘይብሎም፡ ግናኸ ሰብ ጸጋ ምንባሮም እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ”ኣሕዋተየ፡ እንታይ ደኣ እዩ፧ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ መዝሙር ኣሎዎ፡ ምህሮ ኣሎዎ፡ ራእይ ኣሎዎ፡ ቋንቋ ኣሎዎ፡ ትርጉም ኣሎዎ፡ ኵሉ ንምህናጽ ይገበር” ድሕሪ ምባሉ፡ ”ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን” እዩ ዝብሎም። ንሳቶም፡ በብኢዶም በብዝመስሎም፡ ይመላለሱ ነበሩ እሞ፡ ንኣብነት እቲ ብቛንቋታት ዝዛረብ፡ ዝትርጉም ይሃሉ ኣይሃሉ፡ ስቕ ኢሉ፡ ”ለለ” ይብል ምንባሩ፡ ኣብኡ ተጻሒፉልና’ሎ። ነታ ምዕራፍ ክዛዝማ ኸሎ እምበኣር፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ”ኵሉ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን” እዩ ዝብሎም፡ (1ቈረ14)።
ኣስተንትኖ
ብክርስቶስ ውጹኣት ሓራ ክንስናስ ግናኸ፡ በታ ጸባብ ደገን በታ ቀጣን መገድን ክንመላለስ ድማ ኢና ተጸዊዕና ዘለና። ክርስቶስ ሓርነት ዘውጽኣናስ፡ ብዘይ ስርዓት ከም ዊንታን ክንመላለስ ኣይኰነን እሞ፡ ገዛእ ርእስና ንግናሕ፡ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱን፡ ነቶም ከምኡ ብዘይ ስርዓት ምምልላስ ንዘተባብዑን’ውን ንግናሕ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኣይንበል!