ሰለስተን ሳልሳይን

ቋንቋ ትግርኛስ፡ እምበር ዶ ኸ ቋንቋና'ዩ፧

ነቲ "ሰለስተ" ዝብል ፍቕዲ፡ ናብ ደረጃ ለዊጥካ፡ "ሳልሳይ" እናበልካስ፡ ስለምንታይ "መበል" ምውሳኽ የድልየካ፧! ባህርያዊ ትግርኛ ግና፡ ንዓና፡ ነቶም ትግርኛ ዝቛንቋኦም ከመይ ቢሉ'ዩ ዘሸግረና፡ ሕርብት'ዩ ዝብለኒ። “ሳልሳይ” ደኣ ይብሃል እምበር፡ “መበል ሳልሳይ” ኣይብሃልን’ዩ” ቢለ ክምዕድሲ፡ የምሕረለይ ዶ፧ ሓደው፡ ኣየሕፍርን ዶ፧!

“ልሳን ተዋሕዶ” ኣይዓጠጣን

"ልሳን ተዋሕዶ" ወግዓዊት መርበብ መንበረ ፓትርያርክ ዘኤርትራ፡ "ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና መንፈሳዊ ኣቦ፣ ሓላዊ ሃይማኖት መበል ሻድሻይ ቅዱስ ፓትርያርክ ብሓድነትን ሥምረትን መሪጻስ ብጸሎትን ኣዋጅን ንምቕብኦም ትዳለወሉ ዘላ ጊዜ ብምዃኑ እዚ በዓለ ልደትና ፍሉይ ይገብሮ፡" ዝትሕዝቶኡ፡ ቃለ-ቡራኬ ኣዳልያ ነበረት። ለቡ፦ ነቲ "ሽዱሽተ" ዝብል ፍቕዲ፡ ናብ ደረጃ ለዊጥና "ሻድሻይ" ስለ ዝበልናዮ፡ "መበል" ብዝብል ክስነ ኣይድልዮን ነበረ። ልሳን ተዋሕዶ ግና ኣይዓጠጣን!

“ተዋሕዶ.ኦርግ” ኣይዓጠጣን

"ተዋሕዶ.ኦርግ" ወግዓዊ መርበብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ድማ፡ "ኩልኹም ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ኣብ መበል 3ይ ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም ጊዜ ኣወፊኹም ክትሳተፉ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ነዘኻኽር" ዝብል ጽሑፍ ለጠፈት።

ለቡ፦ ነቲ "ሰለስተ" ዝብል ፍቕዲ፡ ናብ ደረጃ ለዊጥና "ሳልሳይ" ስለ ዝበልናዮ፡ "መበል" ብዝብል ክስነ ኣይድልዮን ነበረ። ተዋሕዶ.ኦርግ ግና ኣይዓጠጣን።

ሓደ፡ ክልተ፡ ሰለስተ. . . ዓሰርተ፡ ዓሰርተው-ሓደ ቢልካ ትፈቅድ። ቀዳማይ፡ ካልኣይ፡ ሳልሳይ፡ . . . ዓስራይ፡ መበል 11 ቢልካ ድማ ደረጃታት ትሰርዕ፣ ሓደው ተር ተብል።

“መበል” ግና መበል ክንደይ’ዩ፧

"መበል" ዝብል ቅድመ-ጥብቆ፡ ነቶም ድሕሪ 10 ዘለዉ ኣሃዛት ኢና እንጥቀመሉ። መበል 13 መበል 102 መበል 55 ወዘተ። ንምዝኽኻር "መበል" ዝብል ቅድመ-ጥብቆ፡ ኣብ መበል ክንደይ ኢና እንጥቀመሉ፧ ብርግጽ፡ ልዕሊ 10 ንዝኾኑ ኣሃዛት ኢና እንጥቀመሉ። ካብ 1-10 ንዘለዉ ግና፡ ቀዳማይ፡ ካልኣይ፡ ሳልሳይ፡ . . . ዓስራይ ደኣ ንብል እምበር፡ መበል ዓስራይ ኣይብሃልን፡ መበል ሻምናይ ኣይብሃልን፡ መበል ራብዓይ`ውን ኣይብሃልን። ደጊምሲ ተዋሓሒጥና ግዲ ንኸውን፣ ተረዳዲእና ዶ፧!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ

Next
Next

ብስርዓት ዝቕየዱን፡ ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱን