ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ
ከምቲ ወትሩ እትገብሮ፡ ሰሉስ ንግሆ’ውን፡ ደቃ ኣቈራሪሳ፡ ነቶም ዝነኣሱ ኣብ መውዓሊ ህጻናት፡ ነቲ ዝዓበየ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብጺሓቶም’ያ፡ ንባዕላ ክትምሃር፡ ናብቲ ”ሪስባሪስካ” ዝብሃል ካምፓስ ዝኸደት። ጓል 32 ዓመት ኤልሳ ተኽላይ፡ በቲ ሪካርድ ኣንደሽሶን ብዝተባህለ ወዲ 35 ዓመት፡ ኣብ ከተማ አረብሩ ዝተፈጸመ ቅትለታዊ ገበን፡ ሓንቲ ካብቶም ግዳያት ብምዃን፡ ኣርባዕተ ደቃ ሓዲጋ ተቐዝፈት!
ኣቦይ ቀሺ ዑቕባዝጊ የማነኣብ ዝተባህሉ፡ ንኣፍቶንብላደት ከም ዝሓበርዎ፡ ኤልሳ፡ ደቃ ሒዛ ናብ ቤተ ክርስቲያን ትመጽእ ምንባራን፡ ብኹሉ ኸኣ ፍትውቲ ከም ዝነበረትን እዩ።
ኣብ ዓመተ 2015 ናብ ሃገረ ሽወደን ዝመጸት ኤልሳ፡ ተማሂራ ሓኪም ክትከውን ሕልሚ ከም ዝነበራ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ንተሓጋጋዝነት ኣለይቲ ሕሙማት እትምሃሮ ዝነበረት ከኣ፡ ነቲ ኣብ ህገረ ኢጣልያ ዝነበር ወዲ 46 ዓመት ብዓል ቤታ፡ ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ምእንቲ ክረክብ፡ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ስደተኛታት ሽወደን ዝጠልቦ ኣታዊ ከተማልእ ስለ ዝነበራ፡ ኤልሳ ኣብ እንዳ መእለዪ ዓበይትን፡ ብውልቂ ንዝሕገዙን ኣብ ክልቲኡ ትሰርሕ ነበረት።
ሪካርድ ኣንደሽሶን፡ ከመ-ቕጽበት፡ ህይወት 7 ደቀንስትዮን ሰለስተ ደቅ ተባዕትዮን ቀዚፉ’ዩ፡ ንርእሱ’ውን ግዳይ መቕዘፍቲ ጌርዋ! እቶም ዝተቐዝፉ ደቅ-ተባዕትዮ፡ ሓደ ወዲ 28 ዓመት (ድሕሪ ዝተወሰነ ኣዋርሕ ክምርዖ መደብ ዝነበሮ)፡ ሓደ ወዲ 31 ዓመት እቲ ሳልሳይ ድማ ወዲ 48 ዓመት እዮም። እተን ዝተቐዝፋ ደቀንስትዮ ድማ ኤልሳ ጓል 32፡ ሓንቲ ጓል 38 ሓንቲ ጓል 46፡ ሓንቲ ጓል 52 ሓንቲ ጓል 54 ሓንቲ ጓል 55 ሓንቲ ድማ ጓል 68 ዓመት እየን።
ኵሉ ስጋ ኸም ሳዕሪ
ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ”ኵሉ ስጋ ኸም ሳዕሪ፡ ኵሉ ኽብሩውን ከም ዕምባባ ሳዕሪ እዩ። እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ እቲ ዕምባባ’ውን ይረግፍ፡ ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ድሕሪ ምባል፡ ”እቲ እተነግረልኩም ቃል ብስራት እዚ እዩ” በለ (1ጴጥ1.24)። ኣብታ ምዕራፍ ተጠቒሱ ካብ ዘሎ ድማ፡ ”ንሓቂ እናተኣዘዝኩምዋ፡ ግብዝና ንዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት፡ ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ ዝብል’ዩ”
ክብደት
መከራና፡ በኺኻ ኣይጽገቦን! እህህታና ትንፋስ ኣይህብን፡ ስቅያትና ገና መዕረፊ ኣይረኸበን! እዚ ከምኡ ኢሉ እናሃለወ ግና፡ እቲ ምፍልላይን ሻርነትን፡ እቲ ዝርጋንን ዕብዳንን፡ እቲ ጸርፍን ባእስን፡ መሊሱ ደኣ በኣሰ እምበር፡ ብንስሓ ክዕረ ኣይረአናዮን። እወ እቲ ውድቀት፡ ኣብቶም ፍርሃት ኣምላኽ ኣሎና እንብል’ውን ኣስፋሕፊሑ’ዩ። ኣንጊሁ ዝጽሊ፡ ኣምስዩ ዝምህለል፡ ምእንቲ ገዛእ ርእሱን ምእንቲ ፍቁር ህዝብን ዝጸውምን ገጽ ኣምላኽ ዝደልን፡ እንተሎ፡ ብሚእታዊ ክንደይ ይኸውን፧!
ንጸሊ!
ካብ ዘልኣለም ንዘልኣለም ጸኒዕካ እተነብርን ብምሕረት ሃብታም ዝዀንካን ቅዱስ ኣምላኽና፡ ነቲ ዝወረደናን ዝወርደና ዘሎን ርአ! ክንጾሮ ዘይከኣለና ኣዝዩ ከቢድ ጾር’ዩ እሞ፡ ጸጋኻ ኣብዝሓልና! ንህይወት እቶም ዘኽቲሞም ዘለዉ ቈልዑ፡ ኣብታ ጽንዕቲ ኢድካ ነማዕቝቦም ኣለና። ንመላእ ስድራ መወትቲ፡ ምጽንናዕ ክትህብ ንልምነካ! ንስኻ ጰራቅሊጦስ፡ ማለት መጸናንዒ ኢኻ’ሞ፡ ንዝጐሃየ ልቢ ክትበጽሖን ከተጸናንዕን ንጽሊ ኣለና። ንኹሎም በዚ ኩነት’ዚ ርዒዶም ንዘለዉ፡ ከተረጋግኦም፡ ኣብ መላእ ሃገረ ሽወደን ዝነብሩ፡ ደቂ ዓድን ወጻእተኛታትን፡ እቲ ካብ ኩሉ ኣእምሮ ዝበልጽ ሰላምካ ክትባርኾም ንጽሊ! ልዕሊ ዅሉ ግና ከመይ ዝበልና ሓለፍቲ ምዃንና ተረዲኡና፡ ብፍቕሪ ክንመላለስ ርድኣና!
”በእንቲአከ ወበእንተ ፍቁር ወልድከ እግዚእነ ኢየሱስ ዘቦቱ ለከ ስብሐት ወእኂዝ ለዓለመ ዓለም” ኣሜን!